Top Ad unit 728 × 90

Trending

random
.

The Ship

                             (The Ship)                            
                             እታ መርከብ

    ኣቀዲመ ብጻይ ኤልያስ ኣማረ፡ ምስ ሮቤል ኣብ ዝሃብካዮ ቃለ-ምልልስ (interview session)ንሃገር ከም ኣምሳለ “መርከብ” ብምጥቃስካ ሓደ ጽሑፍ ኣዘኩሩኒ። በዚ’ውን የመስግነካ።

ኣብ’ዛ እንነብረላ ግዜያዊት ዓለም፡ “ሃገር” ብዝተፈላለዩ ቃላት እትምሰል ኢያ። ንኣብነት ኣብቶም ኣባታውያን  ዝዀኑ ሕብረተ-ሰብ  ከም ሮማውያን፡ ኣሜርካውያን፡ ክፋል ኤርትራውያን “ሃገር” ከም ፓትሪያ፡ ፋዘርላንድ፡ ዓደ’ቦ ትምሰል። “ፓትሪያ” ብቋንቋ ላቲን ወይ ብጣልያን “ፓድረ” ኣቦ ማለት ኢዩ። ብፍላይ  ኩናማ ሕብረተ ሰብ ክምስሉ ከለው፡-
                       መሬት ኣደና፡ ሰማይ ኣቦና
                     ማይ ኣዝኒቡ ዘራእቲ ይህበና።
         እዚ ብሂል ብዘርኢ-ማይ  ከም መውስቦ ይምሰል። 
   
ከምኡ ኣብ ኣምሓራ ሕብረተ-ሰብ፡ ሃገር ከም ኣደ (እናት ኣገር) ክትግለጽ ከላ፡ ብቋንቋ ትግርኛ ግና ዓዲ’ደ (motherland) ንምባል ኣይጥዕምን። ከምኡ’ውን ማዘር ኢንድያ፡ ማዘር ራሽያ ምባል ልሙድ ኢዩ። ገሌና “ሃገርና ክብረትና፡ ሃገርና መቃብርና፡ ሃገርና መንነትና” ንብል ኢና። ብሓጺሩ ሃገር ከም ኣድላይነታን፡ ብዝስምዓና ዘቃጽል ፍቅሪን  እትግለጽ ኢያ። ሃገር ምልክት ህላዌና ኢያ። እንተዘየላ የለናን። We are rootless.

በቃ  ሃገር ልዕሊ ኹሉ ኢያ።
                       እወ ሃገር…
                      ልዕሊ ሽመት
                   ልዕሊ ማይ ቤት
                      ልዕሊ ሃብቲ
                      ልዕሊ ዝና
                    ልዕሊ ጥቅሚ ኢያ።

ናብ’ቲ ቀንዲ ኣርእስትና ክንምለስ፡ ጥንቲ ብጥቅምቲ፡ ግሪኻውያን ንሃገር ከም ሓንቲ መርከብ ኢዮም ዝምስልዋ ዝነበሩ። ንኣብነት ኣብ “ኣንቲጎኒ” ዝብል ድራማ ፡ በቲ ፍሉጥ ዝዀነ ግሪኻዊ ደራሲ ማለት ሶፍክለስ “ሃገር" ከም ሓንቲ “መርከብ” ኢያ እትምሰል። ኣብ’ዚ ሕልኽልኽ ዝመልኦ ትራጀዲ ተዋስኦ፡ ንጉስ ኢዲፒየስ ክልተ መናቱ ኢትዮክለስን ፖሊናይሰስን ዝበሃሉ ደቂ ነበርዎ። እወ ወረስቲ ዓራት! ግን ንጉስ ኢዲይፐስ ምስ ሞተ፡ ንሰበይቱ ሓው ብምምርዓው ዘውዲ ይደፍእ። በዚ ምኽንያት እዞም ክልተ መናቱ ሓወቡኦም ንኣድኦም ተመርዕዩ ብምንጋሱ ይሽፍቱ። ኣብ ሞንጉኡ ሃገሮም ጸላኢ ክወራ ምስ ተላዕለ፡ ኢትዮክለስ ቂሙ ረሲዑ፡ ምስ ሓወብኡ ብምስላፍ እንዳተዋግኤ ከሎ ይስዋእ። እቲ ሓው ግና ሕንኡ ክፈዲ ምስ ጸላኢ ተሰሊፉ ኣንጻር ሃገሩን ሓወብኡን እንዳተዋግኤ ከሎ ይቅተል። በዚ ዝተላዕለ ንጉስ ክረዮ ንዓበይቲ ሹማምንቲ ዓዲ ኣኪቡ ከምዚ ዝስዕብ መደረ፡-
“እታ መርከብ”  
ደጊም ኣምላኽ ይመስክር ባዕሉ
እንዳረኣኽዋ ሃገረይ ክትዓኑ
ስቕ ከይበልኩ ኣፈይ ብምኽፋት
ንኽዛረብ ኣይስማዓንን ፍርሓት።
በሉ ኣጥቢቀ ይነግረኩም ግን 
ምስቲ ጸላኢ ህዝብና ይኹን
ዝኣትወሉ ውዑል የብለይን።
እወ ከማይ እንተሎ
እስከ መን ኣሎ
ዕርክነት ኣብሊጹ ዝርኢ ንብሎ።
የግዳስ ዘክሩ ንኣብነት
ተመሊሱ “ንመርከብና” ንዕለት
ኣብ ሓደጋ ዘውርዳ ዕርክነት
ከቶ ኣይኰነን ጽቡቕ ምሕዝነት።
በሉ ከምዚ ኢዩ ሕገይ
በዚ ምኽንያት እምበኣረይ
እዚ ውሳኔ እትሰምዕዎ
ሰለ ደቂ ኦዲፕየስ ዘሕለፍክዎ።
ኢትዮክለስ እንዳተዋግኤ
በጃ ሃገሩ ዝተሰውኤ
ከም ማንም ጅግና ብኽብሪ
ክፍጸመሉ ኢዩ ስርዓት ቀብሪ
ዝተዓጀበ ብሕልፊ
ብወተሃደራዊ ሰልፊ።
ሓው ፖሊናይሰስ ግና
ኣብ ክንዲ ዝነብር ከም ስደተኛ
ግልብጥ ድኣ በለ ንብጊሓቱ
ነታ ዝዓበየላ ከተማ ኰነ
ቤት-መቅደስ ኣቦታቱ
ሃልሃል እንዳበለ ሴፉ መዚዙ
ኣካ ክወርር መኪቱ።
የግዳስ ብዓንተቦ
ንሱ ብፍላይ ዝሓሰቦ
ኢዩ ዝነበረ ደም ብምፍሳስ
ንህዝቡ ኣሕሊፉ ንባርነት ምሻጥ።
ስለ’ዚ ብዘይ ግብኣተ መሬት
ዋላ’ውን ጸሎት ፍትሓት
ከምኡ’ውን ብዝዀነ ከይትሓዝ
እንታይድኣ ኣብ ማእከል ኣደባባይ
ሬስኡ ከይተቀብረ ብምድርባይ
እቶም ስጋ ዝቀለቦም ኣሞራታት
ዋላ’ውን ኣብ በድኒ ዝውዕሉ ኣኽላባት
ከም ድልየቶም እንዳመንጨትዎ
ንዕለት ቀለቦም ክገብርዎ
ከም ዝኣወጅኩ ፍለጥዎ።
በሉ እዚ ኢዩ ትእዛዘይ ግና
እስኪ ነስተውዕሎ ብልቦና።
ደጊም ንጉስ ኰይነ ብዝመርሓሉ ያኢ
ዝዀነ ይኹን ገፋዒ
ማዕረ እቲ እሙን ዜጋ ብቆላሕታ
ኣይክበርን ኢዩ ኮታ።
ግናኸ ብኣፉ ኰነ ብግብሩ
ዝሰርሐ ንሃገሩ
ብህይወቱ ብኽብሪ
እንተ ሞተ እውን ብዝኽሪ
ክጽምብለሉየ ከምቶም ሰማዕታትና
ደሞም ኣፍሲሶም ዝተበጀውና።
ሃይለ 
ሶፎክለስ ብሃገር ጉዳይ ዝመጸ፡ ዋዛን-ፈዘዛን ከም ዘይኰነ፡ ብኣድማሳዊ ኣታሓሳስባ (Universal conceptualism) ክገልጾ ንርኢ። ንኤርትራ ጥራይ ዝምልከት ኣይኰነን። ኣብ ዝዀነ ሕብረተ-ሰብ “ሃገር” ልዕሊ ኹሉ ኢያ (Sovereign)። ብዘይ ቅድመ-ኲነት።

ምንጪ፡- ሃይለ ቦኹረ (2001). "ኣንቲጎኒ" ትርጒም ብግጥሚ። ብሶፎክለስ። ገጽ 14-15





Sponsored Ads
The Ship Reviewed by Admin on 1:02 AM Rating: 5

No comments:

All Rights Reserved by Madote © 2016

Contact Form

Name

Email *

Message *

Powered by Blogger.