Top Ad unit 728 × 90

Trending

random
.

The Day Eritrea Liberated (Lyric)

After a century of foreign occupation, on May 24th, 1991, Eritreans were free at last 


The Day Eritrea Liberated (Lyric)

"ተዘክሮታት መዓልቲ ናጽነት ኤርትራ"

ኣብ ዋሽንግቶን ዲ.ሲ ክቅመጥ ከሎኹ፡ ንሓደ ዓርከይ " እዛ ሽጋራ መዓስ ኢኻ ትገድፋ?" ኢለ ሓተትክዎ። ንሱ ትቅብል ኣቢሉ፡ " ኤርትራ ሓራ ክሳብ ትወጽእ ኣይገድፋን ኢየ" በለኒ።

ኤርትራ ብግንቦት 24/1990 ሓራ ወጺኣ።

ዮሃና!!!

ናብ ጆርጂያ ስለ ዝገዓዝኩ፡ ኣይተራኸብናን። ስለዚ'ውን ምትካኽ ምግዳፉ ብወረ-ወረ ክፈልጥ ኣይከኣልኩን።

ካልእ ዓርኪ እውን " ኤርትራ ክሳዕ ናጻ እትወጽእ ኣይምርዖን ኢየ" በለኒ። ሓቁ፡ ቅሳነት ስለ ዝሰኣነ። ድሕሪ ሓርነት ግና ክምርዖ ተስፋ እገብር።

ብሓቂ ብሓቂ ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ውሳኔታት ህይወት ክትሰምዕ፡ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ሜዳ ጥራይ ከይኰነስ፡ ኣብ ዘዝነበሮ ቦታን ግዜን ሃሙኡ ምስ ሓርነታዊ ቃልሲ ዝተኣሳሰረ ከም ዝነበረ የረድኣካ። በቲ ሓደ ወገን፡ ኣብ ሜዳ ዝነበራ ደቂ-ኣንስትዮ ኤርትራውያን "ንሳውራ" ተመርዕየን "ናጽነት" ከም "ሓድጊ" ወይ "ውላድ" ዝርእያ ክትፈልጥ፡ ተወፋይነትን ይገርመካ።

ከምኡ'ውን ደቂ-ተባዕትዮ ተጋደለቲ።

ግን ህይወት ተጋዳላይ ምስ ናጽነት ምምጻእ ኣይዛዘመን። ብግዜ ቃልሲ ዀነ ድሕሪ ናጽነት ወጠርትን ወሰንትን ዝዀኑ ፈተነታት ህይወት ተጓኒፎሞ ኢዮም። ንኣብነት ሓደ መንእሰይ ኤርትራዊ ድሕሪ ነታ ኣዝዩ ዘፍቅራ ጓል ምሕጻይ፡ ኣብ ሜዳ ይስለፍ። እታ ሕጽይቱ'ውን ድሕሪ ብዙሕ ምጽባይ፡ እግሪ-እግሩ ናብ ሜዳ ትስዕቦ። ትራኸቦ። ግን ምስ ግዜ ምሕላፍ፡ ካልእ ተመርዕዩ ከም ዝወለደ ክነግራ ዝስምዓ ጓሂ መዘና የብሉን። የግዳስ ይቅረ ትብለሉ። ግን ንሱን እታ ዝወለደላን ኣብ ግዜ ምሕራር ኤርትራ ምስ ተሰውኡ፡ ባዕላ ንውላዶም ከተዕብዮ ቃል ትኣቱ።
ድሕሪ ናጽነት ናብ ወለዱ ከይዳ ከም እተስውኤ ክትነግሮም፡ በቲ ሓደ ወገን ሒዛቶ ዝመጸት ወዲ-ወዶም ክተርእዮም ዝተሰምዖም ጓሂን ሓጐስን ክሳብ ክንደይ ኣዋጣሪ ምዃኑ ይፍለጠና።

ከምኡ ሓደ ደራሳይ ኣብ " ዘይጽንቀቕ ዓቅሊ" ዝብል መጽሓፉ ከም ዝገለጾ፡ ሓደ ተጋዳላይ ድሕሪ ናጽነት ናብ'ታ ዝተወልደላ ዓዲ ክበጽሕ ይኸይድ። ማዕጾ እንዳኳሕኰሐ " ኣቱም ሰብ ገዛ..!" ኢሉ ይደሃይ። ሓንቲ ብዕድመ ዝደፍኣ ሰበይቲ " ኣንታ ካብቶም ዝኣተው ደቅና ዲኻ? ንዓ ማይ ስተ! እቶ!" ይብልኦ። ንሱ ግና ኣብ'ቲ ኣፍ ማዕጾ ጠጠው ኢሉ " እዝጋሃርያ ከመይ ኣላ?" በለን። ንሰን "ኣንታ ወደይ ድሓን ኣላ። እቲ ሒማኣ ናብ በረኻ ድሕሪ ምእታው፡ ብዙሕ ተጸብያቶ፡ ኣይተመልሰን። ስለዚ ካልእ ተመርዕያ ኣርባዕተ ቆልዑት ወሊዳ። እንታይ ይገበር። ንሱ ተስፋይ ምሕረትኣብ ኢዩ ዝበሃል። ደሃዩ'ዶ ኣሎካ?" ኢለን ሓተታኦ። ንሱ " ብጻይ ተስፋይ ድሓን ኣሎ " በለን። ግን ንሱ ባዕሉ ሰብኣይ ጓለን (ሒማኣ) ምዃኑ ኣይፈለጣን። ምኽንያቱ ገጹ ብመውግኣትን ብማህረምትን በሰላ ስለ ዝነበሮ ከለልይኦ ኣይከኣላን። ብዝተረፈ እዚ ተጋዳላይ እታ ብሃንቀውታ ክርእያ ዝጽበ ዝነበረ ሒማኡ፡ ብኣጋጣሚ ሓማቱ ከም ዝተመርዓወት ክነግሮኦ ከለዋ ዝተሰምዖ ንኣንበብቲ እገድፎ። ግን ደራሳይ ከም ተጋዳላይ መጠን ነቲ ዝወረዶ ተሞክሮ ህይወት ሳላ'ቲ ዘይጽንቀቕ ዓቅሉ ክብድሆ ከም ዝኸኣለ የተሓሳስበና።

ታሪኽ ህዝቢ ኤርትራ ጽሒፍካ ኣይውዳእን ኢዩ። ግን በብግዚኡ ክጸሓፍ ኣለዎ። ዝኽሪ ኢዩ። ብሕልፊ ተጋደልቲ ካብ ምሒር ትሕትና ዝኣክል፡ በቲ ሓደ ወገን ካብኦም ሓሊፉ መላእ ህዝቢ ኤርትራ ከም ተጋዳላይ ስለ ዝርእይዎ፡ ብዛዕባ ህይወቶምን ቅያኦምን ምዝራብ ኣዝዩ ዘሰክፎም ከም ዝዀነ ርዱእ ኢዩ። ግን ታሪኽ ከም ናይ ሓደ ወለዶ ፍጻሜ፡ ንመጻኢ ወለዶ ብወርሲ ዝመሓላለፍ ነባሪ ቅርሲ ኢዩ።

ናብ ናጽነት መዓልቲ ኤርትራ ክምለስ!

እንተ ዓርቢ ወይ ቀዳም ኣጋምሸት ኣቢሉ ኢዩ ነይሩ። ደቂሰ ኢየ ነይረ። ዓርከይ ረዘነ ተወልደ ደዊሉ " ኣስመራ ሓራ ወጺኣ! ናብ ኣትላንታ ምኻደይ ኢዩ" በለኒ። ኣነ እንዳባዕገግኩ " የይ! የይ!" በልኩ። ብሓጐስ ብስራት ዝኣክል ስልኪ ኣብ ርእሲ ስልኪ ጻውዒት በጽሓኒ። ብጻይ ኤልያስ ኣማረ " ኤርትራ ሓራ ካብ ወጸት ዘይትግጥም" በለኒ። ካብ ብርቱዕ ስሚዒትን ተዘክሮታትን ዝኣክል ድማ ከምዚ ዝስዕብ ገጠምኩ፡-

"ፍጻሜ ገድለ ዘመን"

ቅድሚ ሚእቲ ዓመታት ንውርደት ንግዘት
ኣየወ ንውርደት ንግዘት!
ኤርትራ ኣብ ኢድ ጣልያን ምስ ወደቀት
ነዚ ርእዮም ዘስደመሙ እንዳኣጉረምረሙ
ኣቦታት ሀዘጋን ጸዓዘጋን ከም'ዚ ኢሎም ገጠሙ፡-
" ምኒሊኽ ንጣልያን ብዕርቂ መረብ ምላሽ
ክውፍየሉ ረኣና
ደጊም ንሕና ሰብ ሓማሴን ጠፊእና ተሪፍና።
ኰነ ድማ ሬሳ ብድርቡሽ ምስ ፈሰሰ
ንጉስ ባሕሪ መጸ እናሓመሰ
መድፍዕኒ ርኪትኒ እናተኰሰ
እልፊ ጭዋ እናኣሰረ እናሓበሰ
ነዃል ኢዱ ይመጽእ ትብሉና ቴድሮስ
ከይርኤና ምድሪ መሰ (መሰየ)
ንፈርኦን ዘጥፍኤት በትረ ሙሴ
ባዕልኻ ትፈልጥ ስላሴ። (1)
ኰይኑ ድሕሪ ዓሰርተ ዓመት
መግዛእቲ ከስካሕክሖም ከሎ
"ኣቦ እዝጊ ነቦይ ብጣዕሚ በደሎ
ኣብ'ዛ ሃገር እዚኣ ዝፈጠሮ (ኤርትራ)
ኣብ ዓዲ ኣምሓራ ከይገብሮ
ዓዲ ፍትሒ ዘየልቦ ዓዶ በሎ" (2)።
ኢሎም ክጭርሑ እምበኣር
ስለ ዝተነፍጉ በትሪ ሓቂ ንደሓር።
ይኹን እምበር እዚ ትንቢት ኣብ
ዝተፈጸመሉ ግዜ ብልክዕ
ብርዐይ ኣልዒለ ክግጥም ስለ ዝክረ ባጽዕ
ሕጅስ ይዝከረኒ ብልበይ
ኣብ መደምደምታ ከምዚ
ኢለ ብግዕዝ ምጥቃሰይ፡-
" አንትሙ ውእቱ ደቂቀ ኤርትራ
በገድለ ፅኑዕ ትወጹ ሐራ
እስከ ትገብኡ ዲበ አስመራ። (3)
ድሕሪ ፍጻሜ ድማ ኣቲ ኣታ
ክንርኤ ኢና ንዓመታ (4)
ዝብል ቃል ዝመስለና ንሓዋሩ
ዓመት ከይኣኽለ ተሰዊሩ!
እንታይ'ዩ ነገሩ?
ኩሉ ኣስተንኪሩ
ከይደቀሰ ሓዲሩ።
የግዳስ ከም ዝተጃህርዎ
ኣይሰጠምናን ኣብ ባሕሪ
ሃገረይ ሓደ ሰብ ከይሰምዐ ክትምድሪ
ምስ ተላዕለ ማዕበል ናጽነት ብትሪ
ሰንጢቁ ድኣ ሓለፈ ኣኽራናት ኤርትራ
ናጽነት ከበስር ንህዝቢ ኣስመራ።
ሕጅስ ዮሃና'ዶ ክብል ዮሃና! ዮሃና!
ኣብ ኣባ ሻውል፡ ሕልፍ፡ ሹሉኽ ምልኽ!
ኣብ ዕዳጋ ሓሙስ፡ ተሓኒቅካ ክምስ
ኣብ ፐራዲዞ፡ ንዓ ሓዞ! ሓዞ!
ኣብ ሓዲሽ ዓዲ፡ ጥውይዋይ መንገዲ
ኣብ ዕዳጋ ዓርቢ፡ ደም ሰርቢ
ኣብ ኣኽሪያ፡ እንዳ ባሊላ ኢያ
ኣብ ሞደሽቶ፡ ንዓ እቶ! እቶ!
ኣብ ሳባ ኖቫ፡ ንቅሓት ዝሃባ
ነዚ ጽኑዕ ህዝባ
ኣብ ፍሮቪያ፡ andiamo a' Libia
እንዳርኣየት መርዓት ሰብኣያ ክፍለያ
ኣብ ዶፖዚቶ፡ ቡልቑባሽ ይእቶ
ኣብ ኣርባዕተ ኣስመራ
ህደም ንጨርሒ ኩምራ
ኣብ ቤት-ጊዮርጊስ ጽሕዲ፡ ዋዕላ መንገዲ
ኣብ ዓርበረቡዕ፡ በለስ በሊዕኻ ጉሱዕ
ኣብ ገለርያ ኣገው፡ ኣንታ ኣብ ሸግርኒ
ጒልበት ኣቦታትና ዘዘክረኒ
ኣብ ሹቕ፡ ኣፍካ ዓቢስካ ሱቕ (ቃርማ)
ኣብ ኮምቢሽታቶ፡ ብዘይ ሳእኒ ኣይትእቶ።
ኣብ ጣባ መጋርያ፡ ዓስከር ብጥሩምባ
ኣብ ገዛ ባንዳ ጣልያን፡ ኮንተዘ ዓያን
ኣብ ገዛ ባንዳ ሓበሻ፡ እንዲጀኒ ጣሻ
ኣብ ሰላሳ ኣምስተኛ፡ ና ወደኛ
ኣብ ቃኘው፡ ሓበሻ ንንየው
ኣብ ሰምበል፡ ዓይንኻ ድኣ ሰም
እወ ኣብ ጎዳይፍ፡
ጽላሎት ኒን ኰነ ስኳድርን ክሓልፍ
ኣብ እምባ ጋልያኖ
ዝክረ ዓድዋ ንመን ክዀኖ
ኣብ ቤት-መኻእ፡ ካመራኻ ከይትኽላእ
በሉስ'ኪ ከምዚ ኢዩ ዝነበረ
ኣዝማሪና ኲነታታ
ብግዜ ባዕዳውያን ገዛእታ
ደጊም ክልወጥ ኢዩ ብጽዓት ብሓበን
ተንስእ ራብዓይ ወለዶ ጥሙቅ ገድለ ዘመን።

ጥቅስታት፡-
1. Kolmodin, J. (1912). Traditions de Tsazzega et Hazzega. P. 263. ትንቢት ናጽነት ኤርትራ ቅድሚ ሚእቲ ዓመት ኢዩ ዘመልክት።

2. Rossini, C.C.(1938). Proverbi Tradizioni e Canzoni Tigrine. Roma.

3. ዝክረ ባጽዕ ተመልከት።

4. ቅድሚ ናጽነት ገሊኦም ኤርትራውያን (next year in Asmara) ክብሉ ይስምዑ ነበሩ። እዚ ብሂል ምስቲ እስራኤላውያን next year in Jerusalem ዝብልዎ ዝሰማማዕ ኢዩ።

-ሃይለ

Sponsored Ads
The Day Eritrea Liberated (Lyric) Reviewed by Admin on 12:02 AM Rating: 5

No comments:

All Rights Reserved by Madote © 2016

Contact Form

Name

Email *

Message *

Powered by Blogger.