Top Ad unit 728 × 90

Trending

random
.

The Day The Federation Was Dissolved




The Day The Federation Was Dissolved

"ፈደረሽን ዝዓነወሉ ሰሙን"

ብፍላይ እዚ ወርሒ ግንቦት፡ መበል ዕስራ ሓሙሽተን ዓመት ናጽነት ኤርትራ፡ ኣብ ውሽጢ ሃገርን ወጻእን ብድምቐት እነብዕለሉ ጥራይ ከይኰነስ፡ ከምኡ ሕሉፍ ታሪኽ ሃገርና እንዝክረሉ ኢዩ (reflection)። ስለምንታይ ብግቡእ ስለ ዘይተሰነደን ዘይተነግረን ብምዃኑ። እቲ ካብ ኩሉ ዘተሓሳስብ ግና፡ ህዝብና ረሳዒ ብምዃኑ ኢዩ። ምኽንያቱ ካብ ብጹሑፍ ምዕቃብ፡ ብኣፈ-ታሪኽ ንውሉደ-ወለዶ ንምትሕልላፍ ከም ባህሊ ገይሩ ስለ ዘዘውትሮ። ይኹን እምበር “ቃል ተረሳዒ፡ ጽሑፍ ነባሪ” ዝብል ምኽሪ ኣበው ወትሩ ከይበዳሃና ኣይተርፍን ኢዩ።

ስለዚ ንዘክር፡ ንጽሓፍ፡ ንስነድ ደኣ!

ብዝተረፈ ናብ’ቲ ቀንዲ ኣርእስትና ክንምለስ…። ቅድሚ ቅሩብ ዓመታት፡ ሓደ ጽሑፍ ስለ ፈደረሽን ዝዓነወሉ ሰሙን ዝምልከት ፡ ኣብ ደሃይ መርበብ ብቋንቋ እንግሊዝ ከም ዘቅረብኩ ዝዝከር ኢዩ። ገሊኦም ብትሕዝቱኡ ከም ዝተገደሱ፡ ሓደ ሓደ ከኣ መንነቶም ዘይፍለጥ ብኣሽምሩን፡ ብሕርቃንን፡ ብዘለፋን ከም ዝተመላለሱኒ ክጥቀስ ይከኣል። ግናኸ ታሪኽ ናይ ዘሕለፍናዮ ማሕበራዊ ተሞክሮ ወይ ክውንነት ዝገልጽ ሓቂ ኢዩ። History is a fact. እዚ ካብ ኰነ ደኣ፡ ስለምንታይ ዘለፋን ምቅላልን ኣድለየ?

ሓተታኡ ንኣንበብቲ እገድፎ።

ክንፍልሞ! ግዚኡ ኣብ’ዚ ወርሒ ዘለናዮ ቅድሚ ሓሙሳን ኣርባዕተን ምዃኑ ኢዩ። በቲ ግዜ’ቲ፡ ኣብ ቅድስቲ ማርያም ቤት ትምህርቲ (እንዳ ማርያም) ሳልሳይ ክፍሊ ተማሃራይ ኢየ ነይረ። እምበኣርከስ ፈደረሽን ቅድሚ ምፍራሱ፡ ኣብ ባይቶ ኤርትራ (ኣሰምብለያ) ኣብ መንፈቅ ወርሒ ሕዳር ኣቢሉ በብመዓልቱ ኣኼባታት ይካየዱ ነይሮም። ህዝቢ ኤርትራ ብዛዕባ ወረ ሃገሩ ክሰምዕ ሃንቀውታ እኳ እንተ ነበሮ፡ ውጽኢቱ እንታይ ከም ዝኸውን ኣይሰሓቶን። ምኽንያቱ ቅድሚኡ ሕገ-መንግስቲ ፈደረሽን ብምግሃስ ፡ መሰሉን፡ ባንደራኡን፡ ኣርማኡን፡ ቋንቋኡን ብሰላሕታ ስለ ዝተገፈ ኢዩ። ብውሽጢ ውሽጢ ንኣባላት ባይቶ ኤርትራ ብምፍርራሕ፡ ኣበልን ሽመትን ብምሃብ ዝግበር ዝነበረ ነብሱ ዝኸኣለ መጽናዕቲ ስለ ዘድልዮ፡ ንሰብአ-ታሪኽ እገድፎ። ነዚ ዘስተውዓለ ኣባ ትኳቦ፡ ብግዚኡ ወናም ገጣማይን፡ ማሳይን ዝነበረ፡ ከምዚ ዝስዕብ ኣብ ጋዜጣ ዘመን ከም ዝጸሓፈ ትዝ ይብለኒ፡-

ባይቶ ኤርትራ ሾሞንተ ምስ ሱሳ

ኪሒሳትና እምበር ዓባይ ካሕሳ

ዘይትፈልጦ ሰብ ቀልጢፍካ ኣይትፍቶ

ዘይትፈልጦ ማዕጾ ከይኳሕኳሕኳ ኣይትእቶ።

ቁስሊ ኣስመራ በናና

ፈውሲ ጾመ-ኣርብዓ ጀበና።



ደጊም ሎሚ'ዓልቲ ርሑስ ፋሲካ ይግበረልኩም ደቂ ዓዲ ድሕሪ በዓለ ሕማማት። Buono Pasqua.

ቅድሚኡ ተማሃሮ ካልኣይ ደረጃ ቤት-ትምህርቲ፡ ዳርጋ መብዛሕትኦም ካብ ልዑል መኰንን ሰላማዊ ሰልፊ ገይሮም ብማእኸል ኮምቢሽታቶ እንዳሓለፉ፡-

ነጻነት ደሊና ሓጉዙና

ነጻናት ደሊና ሓጉዙና

እንዳበሉ ክዝምሩ ይስምዑ ነበሩ። እቶም መንእሰያት ንዳሕራዩ ኣብ ዝተፈላለዩ ግንባራት ኤርትራ ተጸንቢሮም ኣብ ምሕራር ኤርትራ ግቡኦም ዝፈጸሙ ኢዮም። ገሊኦም ክሳብ ሎሚ ኣብ ታሕታይን ላዕላይን ምምሕዳር ክፍልታት ኤርትራ የገልግሉ ኣለው።

ካልኦት ገጠምቲ ኤርትራውያን ብግዚኡ ኣፎም መሊኦም ክዛረቡ ዘይከኣሉ፡ ብኣሽሙር ኣብ ዘመን ጋዜጣ ከምዚ ዝስዕብ ከም ዝጸሓፉ ዝዝከር ኢዩ፡-

ሾምበ! ሾምበ!

ሉሙምባስ ሞይቱ

ግደኻ ተጸበ።

ካብ ፍልም ሱሳታት መብዛሕትአን ሃገራት ኣፍሪቃ ሓራ ከወጻ ምስ ጀመራ፡ ሰበ- ስልጣን ኢትዮጵያ ስግኣት ፈጠረሎም። ስለዚ ፈደረሽን ክፍርስዎ ላዕልን ታሕታን ይብሉ ነበሩ። ነዚ ዝተዓዘበ ኣቶ ኣተወብርሃን ሰጊድ ከምዚ ዝስዕብ ደረፈ፡-

ዓባይ በጊዕ ምስ ተዂላ ዕርክነት

ሓቃ ድያ ክትወጽእ ነጻነት።

ሽገይ ሃቡኒ ኣይተታልሉኒ

ገሊኦም ደረስቲ፡-

ኣይ ሸያጣይ ኣይ ነጋዳይ እንታይ’ዩ ጉዱ

ምእንቲ ገንዘብ ዝሸይጥ ዓዱ።

ኣኼባታት ብዝካየደሉ ግዜ፡ ጋዜጣ ዘመን ብባንዴራ ኢትዮጵያ ኣጊጹ ይወጽእ ነበረ። ኣነን፡ መታዓብይተይን፡ ደቂ ገዛውተይን ማለት ደቂ ገዛ ከኒሻ ( ዳርጋ ዕስራን ሓደ ካብኣቶም ስውኣት ከምኡ እውን ንኡስ ሓወይ)፡ ብሓባር ብካዘርማ ሞሶሉኒ ኣቢልና ናብ ፓርላማ ገጽና ከድና። ኣብ’ቲ ኣፍ-ደገ፡ ፓሊስ ላዕልን ታሕትን ክብሉ ረኣና ። ኣነ ቅርብ እንተበልክዎም “ኪድ ኣታ ቆልዓ” ኢሎም ኣባረሩኒ። በቲ ናብ ፒሪንቺፐ ወይ ማዕከላይ ደረጃ ቤት-ትምህርቲ ጣልያን ዘውጽእ መሳልል ሃደምኩ። ድሕሪ ዕንወት ፈደረሽን ፓርላማ ኤርትራ ምምሕዳር ክፍሊ ትምህርቲን ቤት ንባብን ኰይኑ ከገልግል ክንርኢ፡ ብጓሂ ደኒንና ንሓልፍ ነበርና።

እምበኣርከስ በዚ ዝተላዕለ እንድዩ ዝዓቢ ቆልዓ ኣይትበድል ዝተባህለ። ልክዕ ብስነ-ኣምር መዳይ ኣተዓባብያ (Developmental Determinism) ወሳኒ ብምዃኑ።

ወይ እንዳባ ልቦና።

ንጽብሒቱ 15 ሕዳር 1962፡ ሰዓት ክልተ ኣቢሉ ብራድዮ ኢትዮጵያ ፈደረሽን ከም ዝፈረሰ ዝገልጽ ኣዋጅ ተማሓላለፈ። ነዚ ዝሰምዐ ጐረቤትና፡ ንራድዮኡ ብፋስ ገይሩ ስብርብር ኣበላ። ዝገበሮ ቀሊል ኣይነበረን፡ ስለምንታይ በቲ ግዜ’ቲ፡ ራድዮ ምውናን ከም ሃብቲ ኢዩ ዝቑጸር ዝነበረ። ስለዚ’ውን ብስእነት ዝኣክል፡ ረድዮ ኣንተና ሰኒዐ ዝሰምዖም ዝነበርኩ ደርፍታት ቃኘው ክሳብ ሎሚ እዝክር። ንኣብነት “Che Sera Sera-What Ever Will Be, Will Be ከምኡ It Is My Party ወዘተ…፡።

ንጽብሒቱ ቀዳም ኢዩ ነይሩ። ሽሮ ዝመልአት ውዕይቲ ስልጣንያ ሒዘ ናብ ቤት-ጊዮርጊስ ከድኩ፡ The paradise of my childhood. ኣጋ ምሸት ሰዓት ክልተ ኣቢሉ፡ ክልተ ኣሜሪካውያን ኣብ ቃኘው ዝቅመጡ ዝነበሩ ብሽግለታ (ብግዚኡ መንኮርኮር ሰይጣን እንብላ ዝነበርና) ተኻርዮም ኣብ’ቲ ኮፍ ዝበልክዎ ቦታ መጹ። ሓዲኦም “መንቲግካ ወይ መንጢግ (la fionda) ሓንሳእ ክፍትና ሃበኒ” በለኒ።

ሃብክዎ ድማ!

ኣመና ሰኺሩ ኢዩ ነይሩ። ነቲ ጎማ መንጥገይ ካብ ዝተዘርግሐ ኢዱ ክሳብ ኣብ ጉንዲ እዝኑ ዝበጽሕ ስሒቡ ምስ ፈነዎ፡ ንሓደ ዝነቀጸ ገላዕታ በለስ፡ ብእግሩ ወይ ብስሩ ክሃርሞ፡ ተገሚዑ ወደቀ። ስለዚ’ውን መንጥገይ ጽምዲ ጎሙኡ ብሓይሊ ምስሓብ ዝኣክል ከም ምጡጥ ማስቲካ ወይ እስፓገቲ ነውሐን ማህመነን። ክትርእዮ ንውሓቱ ዳርጋ ክንዲ ቁልፈይ ዀነ ማለተይ ኢየ። ነቲ ጐማ ድረብየ ንማኒኮ or the “Y” shaped string iron ኣብ ቀዳድ ጁባይ ከተትክዎ። ከም ዕባይ መደበር ። ምኽንያቱ ዝዀነ ሓጺን ወይ ቆርበት ኣይድርበን ኢዩ። LOL. ኣብ ዝቅጽል ብዛዕባ መደበር ሓደ ጽሑፍ ከቅርብ ኢየ።

ናብ ጃኒ ጊቭ ሚ ማኒ ክምለስ! ማንታ ጐማ መንጢገይ ብምብልሻው ኣይስሓብ ኣይድፋእ ስለ ዝገበሮ እንታይ እሞ ክብሎ ኢየ ደቂ ኤረ? ብልበይ መዓለሽ በልኩ። ነቲ ነቢት ምስ ጥርሙዙ ብዘይ ኩባያ ጠምጠም ኢሉ እንዳሰተዮ ከሎ፡ ኣነ ብህርፋን ኣፈይ ከፊተ ሃህ ኢለ እርእዮ ነበርኩ፡ ርእሱ እናነቅነቀ “ Do you want some?” በለኒ። ኣነ ድማ በቲ ጉዕ ዘረባይ “ ኣይ ዶን ወኒ” በልክዎ። ግን ብስርዓት ሃገሩ “ No thank you” ኢለ ክምልሰሉ ከም ዝግበኣኒ ሎሚ ክፈልጥ የሕፍረኒ።

ብድሕሪ’ዚ ክልተ ዓበይቲ መንእሰያት ከጽንዑ ዝመጹ ተጸንበሩና። ብስኽራን እንዳፈዘዘ “ Bee..fore Eri….trea wasssss independent country, but… now…..united with…….. Ethiopia…….” በሎም። ግናኸ ስለ ዝተጠራጠሩ፡ ዓይኒ-ዓይኑ እንዳረኣዩ፡ ስቅ በሉ። ብድሕሪዚ ነታ ዝተኻረያ ካርካሳ ብሽግለታ ደርጓዕጓዕ እንዳበላ ምስ ዓርኩ ክፍለየና ከሎ፡ ብስኽራን ዝኣክል ከይወድቅ ሰጋእና።

ኣይ ከም ዝሰግኣናዮን፡ እንታይድኣ “ካመል” ብፍላይ ፊልተር ዘይብሉ ሕሱር ሽጋራ ብሓደ ኢዱ እንዳኣትከኸ “ባይ ኢሉና” ከደ።

እምበኣርከስ ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ኢዮም ክሳብ ኣስመራ ዝረግጹ ኤርትራ ኣበይ ምዃና ዘይፈልጡ ዝነበሩ። ብዛዕባ’ዚ ማለት ቃኘው ሓደ ጽሑፍ ክቅርብ ክፍትን ኢየ።

ምድረ-ሰማይ ጽልግልግ በለ።

ጫካታት ቤት-ጊዮርጊስ ንድሕረይ ገዲፈ ናብ ምጭውቲ ኣስመራ መንገደይ ኣምራሕኩ። ካብኡ ክሳዕ ዝወጽእ፡ ጭር-ጭር ዝብላ ኣዕዋፍ ንምስማዕ፡ ገሊኦም ጠላይን ዘፍቅርወን ኣዋልድ ተሓቋቊፎም ብናኣሽቱ ማኪናታት ክማሓላለፉ ምርኣይ ኣዝዩ ዘደስት ነበረ። Yes in route to romantic Asmara. እቲ ሃዋህው ከም ናይ ሸክስፒር ኤበሮንን ቲታንያን ለይታዊ ትልሂት ኰይኑ ይስማዓካ።

ካብ ጫካታት ቤት-ጊዮርጊስ ወጺአ፡ ኣብ’ቲ ናብ ፓላኪነስትራ (ጸወታ ቅሊዒት ኢድ) ኰነ፡ ናብ ጽርጊያ መንገዲ ኣስመራ-ባጽዕ ዝመርሕ ኩርናዕ ምስ በጻሕኩ፡ ብጎኑ ሓደ ወጻእተኛ ፈረንጂ ናብ ሓደ ነዊሕ ገረብ እናረኣየ ፡ ብኢዱ ክስዕል (ክቀብእ) ረኣኹ። ብምሸቱ ጽልግልግ እናበለ! እታ ሰበይቱ ግና፡ ኣብ ሓጺር ድኳ ኮፍ ኢላ ብምዂርማይ፡ ክሳዕ ስዒሉ ዝውድእ እትጽበዮ ዝነበረት ትመስል። ኣነ ከኣ ብትግሃት ክስዕል ከሎ እዕዘቦ ነበርኩ።

ስለ ምስዓል ዝፈቱ! ግን እንታይ’ሞ ኣየማዕበልክዎን።

መሰየ።

ናብ ገዛይ ክምለስ ከሎኹ፡ ብዙሕ ከይሰጐምኩ፡ ኣብ’ቲ እግሪ ጽርጊያ ባጽዕ ብጐኒ ናብ እንዳ ፎሮስታለ ዘእቱ መሳዕስዒ ኣዳራሽ በጻሕኩ። ብዕድመኦም ዝደፍኡ ጠላይን፡ እወ ሰብ ባኖ፡ ብፍላይ ሃብታማትን ወነንቲ ትካላትን (business class Italians) ዝዀኑ ምስ ኣንስቶም ሉስሉስ ሙዙቃ እንዳሰምዑ ብህድኣት (slowly/waltz) ክስዕስዑ ረኣኹ።

ምስቲ ገርሂ ልበይ ተማረኽኩ።

እቶም ጠላይን ኣብ’ቲ ዝስዕስዕሉ ሰሙን ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ ስለ ዝሓበረት፡ ብትካዜ ( arrivederci Eritrea! la primogenita colonia) ማለት “ኣቲ ቦዂሪ ግዝኣትና ዝዀንኪ ኤርትሪያ፡ ድሓን ኩኒ!” ዝበሉ ይመስሉ ነበሩ።

እወ በቲ vino il sangue del uomo (ነቢት ደም ሰብኣይ) እንዳሞዓጉ፡ በቲ ሽጋራኦም እንዳኣትከኹ።

እዚ ትካዜ ዝመልኦ ስንብት ቀሊል ኣይነበረን። ኣይ ድሕሪ ሱሳ ዓመታት እንድዩ። እወ ሰለስተ ወለዶታት ዘቁጸረ። ጐቦ ጸጸራት ብመቃብር ወሎዶታቶም ዝመልአ። ግን ንኤርትራ ከመይ ጌርም ይርስዕዋ? ንኣብነት ሓደ መታዕብይተይ ጣልያን “ ኣነ ቅድሚ ካብ'ዛ ዓለመ ምፍላየይ፡ ኣብ ኣስመራ ዘሎ መቃብር ኣደይ ክርእዮ ከመጽእ ኢየ” ምስ በለኒ ልበይ በልዓኒ። ብሩኖ ይበሃል። ገዝኡ ጥቃ ኣብ’ቲ በብዓመቱ ጥምቀት ዝኽበረሉ ኣደባባይ ወይ ፓላሶ ኣቦ ሓበሽ ነበረ።

ኣጸቢቁ መሰየ። እቲ ወደባት ሓላዊ (ጉዋርዲያ) ብሙዙቃ ተሳሒበ ብጸልማቱ ዝረኣየኒ “ piccolo vai via!” ማለት “ኣታ ቆልዓ ኪድ መስዩ!” ኢሉ ኣባረረኒ። ብድሕሪ’ዚ እንዳረሓቅኩ ክስጉም ከሎኹ፡ እቲ ሙዙቃ ከም ድጉል ሓዊ ካብ እዝነይ ክቅህም ጀመረ።

ሎሚ ብግዜ ንእስነተይ ዝሃርፎም ዝነበርኩ ናይ በዓል ቪቫልዲ ክላሲካል ሙዙቃታት ክሰምዕ ከሎኹ፡ ኣየወ ንእስነት ዕዳ! ንእስነት ጥዑም የዛኻኽሩኒ።

ኣብ ገዛይ ምስ በጻሕኩ፡ ተደሪረ ደቀስኩ። ግን እንታይ ከም ዝሓለምኩ ክዝክር ኣይክእልን። ኣየወ እዚ ሕልሚ፡ ድኻ ሲነማ ( a poor man’s movie) ዝዀነ። እንታይ'ሚ ክንብሎ! ዋላ ዘይክፈሎ፡ ሳንቲም ቆሎ።

ንጽብሒቱ ሰንበት ነይሩ። ይወግሕ፡ ይመሲ ከም ቀደሙ! ብረታዊ ቃልሲ ኣብ ጐቦታት ኤርትራ ብጅግና ሓሚድ ኢድሪስ ዓዋተ ተጀመረ።

ድሕሪ ሰላሳ ዓመታት ድማ……

ግንቦት ዕስራ ምስ ኣርባዕተ

ዛዘመቶ ተዂሲ ዓዋተ።



ደጊም ሓፍተይ…

ወዲ ወልድኪ ርኣይዮ

ዓወት ኢልኪ ጸውዕዮ።



ኣደ!

መጸት ጓልኪ ብረት ተዓጢቃ

ሳልኣ ጽሓይና በሪቃ።



ኣደ!

ደሓን ነጸላኺ ግደፍዮ

“እልል” እንዳበልኪ ተቀበልዮ።



ዮሃና! እንቋዕ ናብ’ዚ ርብዒ ዘመን ናጽነት ኤርትራ ኣብጽሓና።



ሃይለ
Sponsored Ads
The Day The Federation Was Dissolved Reviewed by Admin on 12:03 PM Rating: 5

No comments:

All Rights Reserved by Madote © 2016

Contact Form

Name

Email *

Message *

Powered by Blogger.