Top Ad unit 728 × 90

Trending

random
.

On the History of the Eritrean Newspaper



                          “ On the History of the Eritrean Newspaper”
“ታሪኽ ጋዜጣ ኤርትራ”

ኣብ መበል ኣርብዓ እንግሊዛውያን ነታ ካብ ጸላኢ መንጢልና ዝሓዝናያ ግዝኣት ዝብልዋ ኤርትራ (an occupied enemy territory) ከመሓድርዋ ጀመሩ። ግን  ኣብ’ቲ “The First to be Freed” ዝብል መጽሓፎም፡ ንኤርትራ ካብ መግዛእቲ ጣልያን ሓራ ንምውጻእ ተልእኾኦም ከም ዝዀነ ይጠቅሱ። ስለዚ’ውን ልዕሊ ኹሉ ኣቃልቦ ዝሃብዎ ትምህርቲ ንኸተኣታቶ ነበረ። ግን ብኸመይ ንጀምሮ ዝብል ሓተታ ኣዝዩ በድሆም። ምኽንያቱ ብግዚኡ ኣብ ኤርትራ መምሃሪ ዝዀኑ መጽሓፍቲ ከምኡ ብቑዕ  ስርዓተ-ትምህርቲ (Curriculum) ኣይነበረን። በዚ ዝኣክል ንኹሉ ከም መንበቢ ክባጻሕ ዝኽእል “ጋዜጣ” ምሕታም ኣድለየ። ብፍላይ ደቪድ ክውስላንድ፡ ብግዚኡ መራኸቢ በዓል ስልጣን ዝነበረ፡ ነቲ ብ1942 ከም ኣስተርጓሚ ዀይኑ ክገልግል  ካብ ዓዲ እንግሊዝ ሒዘሞ ዝመጹ ሊቅ መዘዞ። ዶክቶር ኤድዋርድ ኡለንዶርፍ ይበሃል። ኣብ ሃገር እንግሊዝን እስራኤልን  ቋንቋታት ሰማውያን ዘጸንዐ ከምኡ ብዙሓት ቋንቋታት ዝመልኽ ነበረ። 

ፐሮፈሶር ኡለንዶርፍ ኣብ’ቲ  “The Two Zions” ዝብል ታሪኽ ህይወቱ ከምዚ ዝስዕብ ይብል፡-
 “ ኣብ ኤርትራ ምስ መጻእኹ፡ ኣዕጋቢ ዝዀኑ መጽሓፍቲ ትግርኛ` ከረክብ ኣይከኣልኩን። ሓደ ሓደ መጽሓፍቲ እኳ እንተነበሩ፡ ብዛዕባ ትምህርቲ ሃይማኖት ኰይኖም፡ ብሓልዮት ካቶሊኽን ወንጌላዊት ቤተ-ክርስትያንን (ከኒሻ) ዝተሓትሙ ነበሩ። ብፍላይ ዓቢይ መዝገበ ቃላት ትግርኛ-ጣልያን ዝብል ብዳኦፈዮ ኣብ ከረን ብ1910 ኣቢሉ ዝተደርሰ እንተ ዘይኰይኑ፡ ካልእ ኣይነበረን። ካብ ሓደ ተለቂሔ ብኢደይ ኣብ ደብተር ብሙሉኡ ክቀድሖ ጀመርኩ። ኣብ ሞንጉኡ ግና ካልእ ‘ክትገዝኦ እትኽእል ረኺበልካ ኣለኹ’ ምስ በለኒ፡ ካብ ምቅዳሕ ዓረፍኩ። ብድሕሪ’ዚ  ከም ዋና ኣሕታሚ ጋዜጣ ትግርኛ ኰይነ ክሰርሕ ከሎኹ፡ ዝሕግዘኒ ሰብ ኣድለየ። በቲ ግዜ’ቲ ኣፋፍኖት ትምህርት ዝነበሮም ኣብ ሚስዮን ከም ዝተማህሩ ስለ ዝፈለጥና፡ ንመጀመርያ ግዜ ንኣቶ ወልደኣብ ወልደማርያም ምሳና ክሰርሑ ቆጸርናዮም። ቋንቋ ትግርኛ ብዝበለጸ ዝመሃሩኒ እውን ንሶም ኢዮም።” 

ብ31 ነሓሰ 1942 “ ናይ ኤርትራ ሰሙናዊ ጋዜጣ” ክሕተም ጀመረ።

ግን ስልቪያ ፓንክረስት ከም ዝገለጸቶ እንተድኣ ኰይኑ፡ እዚ ዝጠቀስናዮ ጋዜጣ ንኽሕተም  ዘድለየ ምኽንያት፡ ብፍላይ ኢትዮጵያ ንኤርትራ ኣብ ምምላስ እተካይዶ ዝነበረት ጐስጓስ (propaganda) ንምቅዋም ኢዩ። 

ኰይኑ ኣብ ታሪኽ ኤርትራ፡ ንመጀመርያ ግዜ ጋዜጣ ብትግርኛ ተሓቲሙ ክወጽእ ብምርኣዩ ዝተመሰጠ ዜጋ ከምዚ ዝስዕብ ገጠመ፡-

               “መስዋእትኻስ ይዕረገልካ ድኣ

                ክቡር ጋዜጣና ቀዳማይ ብርሃን ከመይ ኢኻ”

1. ከምዚ ኸማይ እንተ ዘፍቅሩኻ፡ -ከምዚ ከማይ እንተ ዚብህጉኻ
2. ነፍሲ ወከፍ እንተ ዚገዝኡኻ፡ - ፍቐዳ ሃገራት እንተ ዚወስዱኻ
3. ከም ብርሃናት እንተ ዝርእዩኻ፡ - ኣብ ፍቀዳ ባይቶ በልበል ኬብሉኻ
4. ከም ሰንደቕ ዕላማ ኪሰቅሉኻ - ዓሻ መሲል ኰንካ መዓዶ ህዝብኻ
5. ናይ ልብኻ  ተዛረቦም ኢኻ፡ - ሽሕ ንንጉስ ደሞ ኸይብሉኻ
6. ብዓል ፍቓድ ብዓል መዚ ኢኻ፡ - መዓዶም ምኸሮም ሓደራኻ
7. ገለ እንተ ኣርስሑኻ ቀደዱኻ - ብሸላውን እንተ ረኣዩኻ
8. ከይትኹርየሎም ሓደራኻ፡ - ንሳቶም ደቅኻ ንስኻ ኣቦ ኢኻ
9. መዓርግካ ኢዮም ስልሜኻ፡ - ናባታቶም እዩ መልእኽትኻ
10. ግናኸ ብጸሎት እንተሓገዙኻ፡          - ንጥቕሚ ትኾኖም ንህዝብኻ
11. ወረ ምሉእ ዓለም ንሰምዕ ብኣኻ፡         - ንመጽሓፍቲ’ኳ ስዒርካዮም ኢኻ
12. ብዙሕ ሰላም ፍልጠት ትዕድል ኢኻ፡  - ቅድሚ ሎሚ ድኣ ኣበይ ኔርካ ኢኻ
13. ጋሻ ዝኾንካዮ ንህዝብኻ፡                 - ጽሩይ ፊደል ቋንቋ ኣበው ኢኻ
14. እንታይ ከይስኣን ብሳላኻ፡   - ኣዋጅ ኣበሳሪ ኣብ ጸምጸም በረኻ
15. ከይቓድር ኣይትሕደግ ህዝብኻ፡           - ነቶም ለኣኽትኻ ዕረገሎም ኢኻ።

          መሓሪ ወልዱ 
                          ናይ ኤርትራ ሰመናዊ ጋዜጣ ቁጽሪ 12፡ 16 ሕዳር 1942።

ፕሮፈሶር ኤድዋርድ ኡለንዶርፍ ቀጺሉ ከምዚ ይብል፡-

“ ትግርኛ ተራ ቋንቋ ምዃኑ ተሪፉ፡ ብዝለዓለ ደረጃ መምሃርን መማዕበልን ስነ-ጽሑፍ ኤርትራ ዀነ። ንኣብነት ካብ 1942-1970 ብዙሓት መጽሓፍቲ ተደርሱ። ከምኡ’ውን ኣብተን ዝሰርሓናለን ዓሰርተ ዓመታት፡ ማዕረ 520 ጋዜጣታት በብግዚኡ ኣሕቲምና። እዚ ገለ ካብቶም ብዘመን እንግሊዝ ዝተራእዩ ምዕባሌታት ወይ ለውጥታት ኢዩ። ግናኸ ድሕሪ ፈደረሽን ትግርኛ ተደቁሰ። በዚ ዝኣክል ካብቶም ናዕቢ ዝፈጠሩ ጠንቅታት ሓደ ኰነ።” 

ታሪኽ ጋዜጣ ኤርትራ  ከምዚ ካብ ኰነ፡ ነዚ በጽሓናዮ ዘሎና ሓበሬታ ዘመን (Information Age) ብሻላ ኣይንርኣዮ። መጺጽ እንተዘይህሉ፡ መዓር/መዓር ምዃኑ መን መስተምቀሮ? ከምኡ ጸልማት እንተዘይህሉ፡ ብርሃን/ብርሃን ምዃኑ ከመይ ጌርና ምሃረፍናዮ? እስኪ እዚ ልዕል ኢልና ዝጠቀስናዮ ግጥሚ ኣብነት ይኹነና። 

ብዝተረፈ ምንባብ ካብ ሓሳብ ልብና ወትሩ ኣይፈለ። 

ሓደራ!!!

-ሃይለ  

Sponsored Ads
On the History of the Eritrean Newspaper Reviewed by Admin on 8:45 AM Rating: 5

No comments:

All Rights Reserved by Madote © 2016

Contact Form

Name

Email *

Message *

Powered by Blogger.