Top Ad unit 728 × 90

Trending

random
.

Traditional Tigrigna Love Songs (Lyrics/Lira)


"ጥንታውያን ደርፍታት ፍቅሪ ትግርኛ"

    ኣብ ዝሓለፈ ግዜ ስለ ጥንታዉያን ደርፍታት ፍቅሪ ዝምልከት ዘቅረብክዎ ጽሑፍ፡ ከም ዝቅጽል ጠቂሰ ምንባረይ ዝዝከር ኢዩ። ብሕልፊ ግና፡ ነቶም ኣንቢቦም ርእይቶኦም ብሰፊሕን ብሓጺርን ዝለገሱለይ ካብ መዓሙቊ ልበይ ዝፈልፈለ ምስጋና ከቅርበሎም እፈቱ። ምኽንያቱ ክብደት ናይ ዝዀነ ጽሑፍ ብደራሲ ከይኰነስ፡ እንታይድኣ ኣንበብቲ እናተመላለሱ ብዘቅርብዎም ሃነጽቲ ጽሑፋት ስለ ዝምዘን። እዚ ድማ መርበብ ማዶተ ንዝቆመሉ ዓላማ ተርእዮ ከም ዝኸውን ብሓላፍነትን ብሓልዮትን ንኣምን።

   እዞም ብቀጻሊ ተጠቂሶም ዘለው መሰጥቲ ደርፍታት፡ ኣብ መበል 1910 ዓመተ ምህረት ፈረንጂ ብዶክቶር ካርሎ ኮንቶ ሮሲኒ ዝተመዝገቡ ኢዮም። ብኣዋዳድቃ ቃላትን (spellings) ስልቲ ኣዘራርባን ብዘመልክት፡ ካብ’ዚ ሎሚ እነዘውትሮም ፍልይ ዝበሉ ኢዮም። ቋንቋ ምስ ግዜ ዝልወጥ ኢዩ (language changes with time).

ብዝተረፈ ንቀደም በሉ...... ተፈደሉ...

-      ብሺሕ ወርሒ ዝወጸት ከም ኣቡን
ናታስ ሕሉፍ ኢዩ ኣይ ከም ሰቡን።

-      ጐልሓም ጐልሓም ኣቲ ጐልሓም
ከናፍራ ከም ዝግኒ ዝቆሓም።

-      ከም ማዕተበይ ጸላም ከም ማዕተበይ
ትመጺ'ዶ ክሰደልኪ ሰበይ።

-      ጸላም! ጸላም! ኣቲ ጸላም...
እምባሕ ! እምባሕ ኣበልክኒ ከም ላም።

-      ቀያሕ ደረት ከም ዝናር ዓቀይታይ
ብኣኺ'ዶ ክሰናበት ጐይታይ።

-      ኣይ ቀያሕ! ኣይ ከደረይቲ
ድቃስ ከላእኽኒ ድቃስ ለይቲ።


-      ኣስመራ ነይረ እንኪምለስ
ጨጒሪ ርእሳ መለሰለይ ጠለስ።

-      ከረን’ዶ ኣይዓድክን ጸግኢ በለስ
ከም ጻዕዳ ጣፍ ዓጺፍካ እትኹለስ።

-      ከረን’ዶ ኣይዓድኽን ምስ ላልምባ
ብመሳልል ዘይርከብ ልባ።

-      ኣብ ድሕሪ እንዳይ ተኺለያ ወይኒ
ክበልዓ ኢለ ጠምዩኒ… ጠምዩኒ...
ከይበልዓኪ ኣቡን ገዝቱኒ።

-      ከም ሞጎጎ ጸሊም ከም ሞጎጎ
ከም እኽለ ማይ ኩሉ ዝብህጎ
ከም ጻዕዳ ጣፍ ከልዕለካ ተጎ።

-      ቀጢን ኣምዑት ከም ሃዳናይ ተመን
ፈጣሪኻስ እዝጊ ጐይታኻስ መን?

-      ሰገነይቲ ዓዱ ጥቃ ኖጻ
ከም ጠበንጃ ትርኲ ባሕሪ ወጻ።

-      ሰገነይቲ ዓዱ ከም ከቶሊኽ
ሕሱም ፍቅሪ ኣለዎ ሰብ ዝመልኽ።

-      በታኺየይ ውሉድ እዞም ጐላሉ
ስዒመካ ደሞ ክብል ኣሉ።

-      ጐተናኻ ከም ዳዕሮ ዘጽልል
     ሓኒኸ እምበር ምበልኩኻ እልል።

ይቅጽል….
Sponsored Ads
Traditional Tigrigna Love Songs (Lyrics/Lira) Reviewed by Admin on 10:50 AM Rating: 5

No comments:

All Rights Reserved by Madote © 2016

Contact Form

Name

Email *

Message *

Powered by Blogger.