Tigrigna Traditional Love Songs
ጥንታውያን ደርፍታት ፍቅሪ ትግርኛ
ትግርኛ መዛረብን መጽሓፍን ቋንቋ ክኸውን ከሎ፡ ብመሰረቱ ካብ ግዕዝ ዝመነጨ ኢዩ። ኣብ ዝቅጽል ሓደ ነብሱ ዝኸኣለ ጽሑፍ ክቀርብ ኢዩ።
ነዚ ሕጽር ዝበለ ጽሑፍ ከዳሉ ዝደረኸኒ ምኽንያት፡ ብጽሑፉን ብዘረባን “ ትግርኛ ከም ኣምሓርኛ፡ ቋንቋ ፍቅሪ ኣይኰነን” ዝብል ወትሩ ስለ ዝሰማዕኩ’የ። ብወገነይ ከይተረዳእኹ ከም ቅቡል ጌይረ እወስዶ ነበርኩ። ይኹን እምበር፡ ስለ ፍቅራዊ ደርፊ ዘመልክት ሓተታ፡ ብኸምዚ ዝስዕብ ክትንተን ይከኣል፡-
ቀዳማይ፡- ሰማዊ ቋንቋ ብተፈጥርኡ ቋንቋ ናይ ስሚዒት (the language of emotion) ኢዩ። ከም እንግሊዝን ግሪኽን ቋንቋ ፍልስፍናን ስነ-ፍልጠትን (ሳይንስ) ኣይኰነን። በዚ ምኽንያት ከኣ’ዩ ቻርለስ ሓሙሻይ ገዛኢ ሮማውያን ዝነበረ: “ I speak French with kings, Italian with women, Spanish with God, and German with horses” ዝበለ። ብቀሊል ኣገላልጻ “ ኣነ ምስ ነጋውስ ፍራንሳ፡ ምስ እግዚኣብሄር ስጳኛ፡ ምስ ኣንስቲ ጥልያን፡ ምስ ኣፍራስ ጀርመን ክዛረብ እመርጽ” ማለቱ’ዩ። ስለዚ ቋንቋ ትግርኛ ሰማዊ ብምዃኑ፡ "ልሳነ-ፍቅር" ክበሃል ይከኣል። ነዚ መረዳእታ ክዀነና ዝኽእል እስኪ መሃልየ መሃልይ ናይ ሰሎሞን ንጥቀስ፡-
ፈታውየይ ንኣይሲ ኣብ ኣታኽልት ወይኒ
ዔን-ጌዲ ዚበቚላ ዘለላ ሪሓን ኢየን
( ምዕራፍ ሓደ ቊጽሪ ዓሰርተ ዓርባዕተ ተመልከት)
መሃልየ ወይ መዝሙር ሰሎሞን እቲ ክሳብ ሎሚ ተዋዳዳሪ ዘይብሉ ኢዩ። በዚ ምኽንያት ከኣ’ዩ ልሳናተ ሰማውያን ዘበሉ ኩሎም፡ ቋንቋታት ፍቅሪ ኢዮም ዝበለናዮም።

ብኻልእ ወገን፡ ብልማድ ዝጸንሐ ስርዓት መርዓ (arranged marriage) ብምዃኑ፡ ዓቅሚ ኣዳም ዝኣኸሉ ወይ ኣባጽሕ ክሳብ ክንድ’ቲ ፍቅሮም ብጽሑፍ ኰነ ብቃል ዝገልጽሉ መንገዲ ኣይረኸቡን ክበሃል ይከኣል። ወይ ድማ ብተፈጥሮ መሰረት ወዲ ተባዕታይ ስሚዒቱ ንምግላጽ ከም ድኽመት፡ ወይ ጓል ኣንስተይቲ ስሚዒታ ንምግላጽ ክብረታ ምትንካፍ ስለ ዝቁጸር፡ ፍቅራዊ ደርፊ ከም’ቲ ዝድለ ክዝውተር ኣይተኻእለን ዝብል ሓተታ ይቀርበልና ይኸውን። ልክዕ ኢዩ ብኹሉ ሸነኻት ነገሩ ኣዛሚድካ ክትርእዮ። ምኽንያቱ ሓደ ሓደ ማሕለኻታት ምህላዎም ስለ ዘይተርፍ።
ብዝተረፈ ኣብዚ ዘሎናዮ ዘመን ይትረፍ፡ ጥንቲ-ብጥቅምቲ ደርፍታት ፍቅሪ ይዝውተሩ ከም ዝነበሩ እዞም ዝስዕቡ መረዳእታ ክዀኑና ይኽእሉ፡-

Post Comment