Top Ad unit 728 × 90

Trending

random
.

Tigrigna Traditional Love Songs



ጥንታውያን ደርፍታት ፍቅሪ ትግርኛ

        ትግርኛ መዛረብን መጽሓፍን ቋንቋ ክኸውን ከሎ፡ ብመሰረቱ ካብ ግዕዝ ዝመነጨ ኢዩ። ኣብ ዝቅጽል ሓደ ነብሱ ዝኸኣለ ጽሑፍ ክቀርብ ኢዩ።

        ነዚ ሕጽር ዝበለ ጽሑፍ ከዳሉ ዝደረኸኒ ምኽንያት፡ ብጽሑፉን ብዘረባን “ ትግርኛ ከም ኣምሓርኛ፡ ቋንቋ ፍቅሪ ኣይኰነን” ዝብል ወትሩ ስለ ዝሰማዕኩ’የ። ብወገነይ ከይተረዳእኹ ከም ቅቡል ጌይረ እወስዶ ነበርኩ።  ይኹን እምበር፡ ስለ ፍቅራዊ ደርፊ ዘመልክት ሓተታ፡ ብኸምዚ ዝስዕብ ክትንተን ይከኣል፡-

        ቀዳማይ፡- ሰማዊ ቋንቋ ብተፈጥርኡ ቋንቋ ናይ ስሚዒት (the language of emotion) ኢዩ። ከም እንግሊዝን ግሪኽን ቋንቋ ፍልስፍናን ስነ-ፍልጠትን (ሳይንስ)  ኣይኰነን። በዚ ምኽንያት ከኣ’ዩ ቻርለስ ሓሙሻይ ገዛኢ ሮማውያን ዝነበረ: “ I speak French with kings, Italian with women, Spanish with God, and German with horses” ዝበለ። ብቀሊል ኣገላልጻ “ ኣነ ምስ ነጋውስ  ፍራንሳ፡ ምስ እግዚኣብሄር  ስጳኛ፡ ምስ ኣንስቲ ጥልያን፡ ምስ ኣፍራስ ጀርመን ክዛረብ እመርጽ” ማለቱ’ዩ። ስለዚ ቋንቋ ትግርኛ ሰማዊ ብምዃኑ፡ "ልሳነ-ፍቅር" ክበሃል ይከኣል። ነዚ መረዳእታ ክዀነና ዝኽእል  እስኪ መሃልየ መሃልይ ናይ ሰሎሞን ንጥቀስ፡-

ፈታውየይ ንኣይሲ ኣብ ኣታኽልት ወይኒ

ዔን-ጌዲ ዚበቚላ ዘለላ ሪሓን ኢየን

 ( ምዕራፍ ሓደ ቊጽሪ ዓሰርተ ዓርባዕተ ተመልከት)

        መሃልየ  ወይ መዝሙር ሰሎሞን እቲ ክሳብ ሎሚ ተዋዳዳሪ ዘይብሉ ኢዩ። በዚ ምኽንያት ከኣ’ዩ ልሳናተ ሰማውያን ዘበሉ ኩሎም፡ ቋንቋታት ፍቅሪ ኢዮም ዝበለናዮም።

    ካልኣይ፡- ፍቅራዊ ደርፊ ብኣሳዃዂዓ ቃላትን ጽባቐ ሙሉእ ሓሳባት ጥራይ ኣይኰነን ዝግለጽ። ብፍላይ ኣደማምጻን (intonation) ገጽታን (facial and body expressions) ወሰንቲ ኢዮም። ስለምንታይ ብኣቀራርብኦም ህያውያን ስለ ዝገብሮም (vivacity)። በዚ ምኽንያት ከኣ’ዩ ሸክስፒር action is stronger than word[   ማለት ካብ ፍትፉቱ (morsel) ፊቱ ዝበለ። ብሕልፊ ካብ ኣምሓርኛ፡ ትግርኛ ተዛረብቲ ስሚዕቶምን ሓሳቦምን ኣካላቶም ብምንቅስቃስ ንምግላጽ ግትእ ኣይብሉን ኢዮም። እዚ’ውን  ንፍቅራዊ ደርፎም ድምቀት ይህቦ።

        ብኻልእ ወገን፡ ብልማድ ዝጸንሐ ስርዓት መርዓ (arranged marriage) ብምዃኑ፡ ዓቅሚ ኣዳም ዝኣኸሉ ወይ ኣባጽሕ ክሳብ ክንድ’ቲ ፍቅሮም ብጽሑፍ ኰነ ብቃል ዝገልጽሉ መንገዲ ኣይረኸቡን ክበሃል ይከኣል። ወይ ድማ ብተፈጥሮ መሰረት ወዲ ተባዕታይ ስሚዒቱ ንምግላጽ ከም ድኽመት፡ ወይ ጓል ኣንስተይቲ ስሚዒታ ንምግላጽ ክብረታ ምትንካፍ ስለ ዝቁጸር፡ ፍቅራዊ ደርፊ ከም’ቲ ዝድለ ክዝውተር ኣይተኻእለን ዝብል ሓተታ ይቀርበልና ይኸውን። ልክዕ ኢዩ ብኹሉ ሸነኻት ነገሩ ኣዛሚድካ ክትርእዮ። ምኽንያቱ ሓደ ሓደ ማሕለኻታት ምህላዎም ስለ ዘይተርፍ።

        ብዝተረፈ ኣብዚ ዘሎናዮ ዘመን ይትረፍ፡ ጥንቲ-ብጥቅምቲ ደርፍታት ፍቅሪ ይዝውተሩ ከም ዝነበሩ እዞም ዝስዕቡ መረዳእታ ክዀኑና ይኽእሉ፡-

1.     እንተ ኣነ ጽሒፈ ደብዳበ
ደው ኢልኪ ስምዕዮ እተነበ።

2.    እንታይ’ዩ ክንድ’ዚ ጒልምልም
ዓሻ ፍቅሪ ብደውካ የሕልም
ሕማቅ ሓዳር ብቀይሕካ የጸልም።

3.    እንተ ንሳ ትመስል ሮማነ
እንተ ኣነ ከም ሳዕሪ መንሚነ።

4.    ክፈትዋ ዘይፈትዋ መሲለ
ረኤኹዋ ሓጹር ተኸዊለ።

5.    ስኢነኪ ገዛኺ በጽሔ
ክንዲ እንጌራ ንብዓት ተመስሔ።

6.   ለካ ፍቅሪ ኢዩ ክንድ’ዚ መዘዙ
ካብ እሾኽ ጎናቊ ንሱ ይቅንዙ
ካብ ኣይበት ኲሕሊ ንሱ ይዘዙ
ወጊኡካ ዘይወጽእ ሕንዙ።

7.    ኣቲ ሓፍተይ ንገርኒ ሓደ
ክመላለስ መረባ ሓመደ
ብዕንቅፋት እግረይ ተጐርደ።

8.    ኣብርሄዶ ኣጽሊመ ክኣቱ
ውን በልክኒ ብዘይ ግዚያቱ።

9.   ከኣ ሰመኩኺ ሰናይ ምሸት
ክዳን ቤተ-ክርስትያን ዘይረኸሰት።

10.  ክደርፈልኪ ክኽእሎ ከይኽእሎ
ደርጊ ስና ብሓሪ እትመሮ
ጨጒሪ ርእሳ ንህቢ ዝዓሰሎ
ከም መሸላ ብወንጭፍ እትሕሎ።

11.    ጥዕምቲ ቃል ከም ሻንብቆ ዕንዱር
ድረፍለይ ክሰምዕ ክሓድር።

12.  ዓይንኺ’ዶ ኮኾብ ይብርኾ
ክሳድኪ’ዶ ብርሌ ይነውሖ።

13.  ጸብለል ትብሎም ከም ኮኾብ ሸውዓተ
ምሳኻ ከይሓድር ተገዚተ።

14.  ሓዊ ሰራው ስሒነ
ኣይሰደኪ ዛዊነ ዛዊነ።

15.  ብሽሕ ወርሒ ዝወጸት ከም ኣቡን
ናታስ ሕሉፍ ኢዩ ኣይከም ሰቡን።

ይቅጽል።
Sponsored Ads
Tigrigna Traditional Love Songs Reviewed by Admin on 7:20 AM Rating: 5

No comments:

All Rights Reserved by Madote © 2016

Contact Form

Name

Email *

Message *

Powered by Blogger.