Top Ad unit 728 × 90

Trending

random
.

Eritrean Embassy, South Africa: ጸብጻብ ሰሚናር ኣምባሳደር ሳልሕ ዑመር ንኤርትራውያን ነበርቲ ኣንጎላ





ሰሚናር ኣምባሳደር ሳልሕ ዑመር ንኤርትራውያን ነበርቲ ኣንጎላ

ብዕለት 22 ጥሪ 2016፣ ኣምባሳደር ሃገረ ኤርትራ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃን ሃገራት ዞባ ደቡባዊ ኣፍሪቃን ኣቶ ሳልሕ ዑመር፣ ብመንግስቲ ኤርትራ ብዝተዋህበ መምርሒ መሰረት፣ ናብ ኣንጎላ ብምንቅስቓስ ንኩነታት ናይቶም ኣብ ኣንጎላ ዝነብሩ ኤርትራውያን ንምክትታልን ብሰንክ’ቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ኣንጎላ ዝተራእየ ሃንደበታዊ ለበዳ ሕማም Yellow Feverን ሳዕቤናቱን ብቐረባ ንምክትታልን ንምጽናዕን፣ ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ሚኒስትሪ ጥዕናን ወጻኢ ጉዳያትን ካልኦትን ርክባትን ንምክያድን ዝዓለመ ምብጻሕ ፈጺሙን፣ ብዕለት 23 ጥሪ 2016 ድማ፣ ንኤርትራውያን ነበርቲ ኣንጎላ ሰሚናር ኣካዪዱን።

ኣብቲ ንኤርትራውያን ነበርቲ ኣንጎላ ዘቕረቦ ሰሚናር፣ ኣምባሳደር ሳልሕ ዑመር፣ መንግስትን ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃን ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ዝተራእየ ለበዳዊ ሕማም Yellow Feverን ሳዕቤናቱን ብቐረባ ክከታተልዎ ከምዝጸንሑን፣ ዕላማ ዑደቱ ድማ ብመንግስቲ ኤርትራ ተመዚዙ፣ ንኩነታት ኤርትራውያን ኣብ ኣንጎላ ብቐረባ ንምክትታልን ኣብ ምግታእ እቲ ለበዳን ኣብ ምእላዩን ኣድላዪ ስጉምቲ ንምውሳድ፣ ምስ ዝምልከቶም ኣካላት መንግስቲ ኣንጎላ፣ ሚኒስተር ጥዕና ኣንጎላን ቀዋሚ ጸሓፊ ሚ/ጉዳያት ወጻኢ ኣንጎላን፣ ከምኡ’ውን ሰበ-ስልጣን ትካል ው.ጥ.ዓ. WHO ካልኦትን ርክባት ምክያዱን ንኣኼበኛ ኣብሪሁ። ብዛዕባ’ቲ ሕማም ክገብርዎ ዝግባእ ጥንቃቐታት ድሕሪ ምዝኽኻር፣ ክኽተቡን፣ ከም ረስኒ፣ ሕማም ርእሲ፣ ቅርጥማት፣ ምዕጻው ሸውሃትን ተምላስን ዝኣመሰሉ ምልክታት ምስ ዘርእዩ፣ ተቐላጢፎም ናብ ሕክምና ከኸዱ ከም ዘለዎምን ኣተሓሳሲቡ። ብድሕር’ዚ ኣምባሳደር ሳልሕ፣ ኣብቲ ለበዳዊ ሕማም ዝተራእየሉ እዋን፣ ብኤርትራውያንን ብማሕበረ-ኮምን ዝተራእየ ብኣብነት ዝጥቀስ ቅልጡፍ ምውህሃድን ምትሕግጋዝን ብምምስጋን፣ ኣብ ቀጻሊ እዋናት ድማ ውዳቤ፣ ምውህሃድን ጥርናፈን ብምሕያል ብዝለዓለ ናህሪ ንኽቕጽልዎ ተላቢዩ። ብተወሳኺ ኣምባሳደር ሳልሕ ንተሳተፍቲ፣ ብወገን ኤምባሲ ኤርትራ ነቲ ኩነታት ብቐጻልን ብቐረባን ከም ዝከታተሎን፣ ምስ ዝምልከቶም ኣካላት እናተራኸበ ኣድላዪ ስጉምታት ክወስድ ምዃኑን ኣረጋጊጹሎም።


ቀጺሉ ኣምባሳደር ሳልሕ ዑመር፣ መርማሪት ኮሚሽን ው.ሕ ሃገራት ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ ብዝብል ሽፋን መጥቃዕቲ ኣብ ልዕሊ ኤርትራን ህዝባን ዘቕረቦ መሰረት-ኣልቦ ክስን ጸለመን ኣመልኪቱ፣ ነቲ ኮሚሽን ዘቕረቦ ኣብ ሓሶትን ፈጠራን ዝተመርኮሰ ክስታት፣ ብትርን ብሃገራዊ ኒሕን መትከልን ብምቅዋም፣ ህዝቢ ቅኑዕ፣ ውድዓውን እዋናውን ምስክርነት ዝሓዘ መልእኽታት ብኢ-መይልን ብቡስጣን ብምልኣኽ ንምፍሻሉን ንምቅልዑን ዝገበሮ ወፍሪ ዕዉትን ኣዕጋብን ምንባሩ ኣብሪሁ። ብፍላይ ኤርትራውያን ነበርቲ ኣንጎላ፣ ኣብዚ ሃገራዊ ናይ ንጡፍ መኸተ ወፍሪ፣ ንዘለዎም ብድሆታት፣ ጻዕቂ ስራሕ፣ ናይ ፋሕ ዝበለ መነባብሮን ዝርግሐን ጸገማት፣ ድሉው ቀረብ (Acess) ናይ ኢንተርነት ዘይምህላውን ርሕቀትን፣ ወዘተ ሰጊሮም፣ እቲ ካብኦም ትጽቢት ዝግበረሉ ኣበርክቶ ምግባሮም ዕዉትን ዝነኣድን ምዃኑ ኣረጋጊጹሎም። ንቐጻሊ ድማ ብተጻባእቲ ኤርትራ ንዝዋፈሩ ናይ ጸለመ፣ ዕንወትን ምድኻምን መደባት ብኣጋ ብምልላይ፣ ብጽንዓትን ንጥፈትን ንምምካት ብዝለዓለ ውዳቤ፣ ናህርን ተዓጻጻፍነትን ክሰርሑ ለበዋ ኣቕሪቡ። ኣተሓሒዙ ኣብ ግንቦት 24 2016 ኣብ ዝበዓል ጽንብል መበል 25 ብሩራዊ ኢዮቤልዩ ናጽነት ኤርትራ ናብ ሃገርና ብምኻድ ኣብቲ ጽንብል ምስትፍ ኣገዳስነቱ ብምሕባር፡ ኣብ ዘዘለዉዎ ሃገር’ውን በቲ ዝግብኦ ድምቀትን ዕብየትን ንምጽንባል፡ ኩሉ ዘድሊ ምቅርራባትን ጎስጓሳትን ንኽጅመር ኣተሓሳሲቡ።

ኣስዒቡ ኣምባሳደር ሳልሕ፣ ንህሉው ኩነታት ሃገር፣ ብፍላይ ከኣ ንኣኼባ ካቢኔ ሚኒስተራትን ምቕያር ወረቐታዊ ባጤራ ናቕፋን  ኣመልኪቱ ሰፊሕን እዋናውን መግለጺ ኣቕሪቡ። ሚኒስተራት ናይ 2015 ዓ.ም መደባት መንግስቲ፣ ደቂቕን ዝርዝራውን ገምጋም ድሕሪ ምክያድ፣ ናይ 2016 ዓ.ምን ኪኖኡን ዘሎ ውጥን ስራሕ ምውጽኡን፣ ብካቢኔ ሚኒስተራት ፍሉይ ኣተኩሮ ዝተገብረሉ፣ ንዓቕሚ ሰብ ኤርትራ ብግቡእ ብምግምጋም፣ ኣብ ኣመዳድባ ጽጹይ መጽናዕቲ ብምክያድ፣ ሰባት ብሞያኦም ኣብ ዘድምዑሉ ቦታ ምምዳብ ቀዳምነት ከምዝወሃቦን ከምኡ’ውን ጉዳይ ውሕስነት መግብን ባጀትን ምትዕርራይ ደሞዝን ካልእን ምንባሩ ጠቒሱ።

ንምቕያር ወረቐታዊ ባጤራ ናቕፋ ኣመልኪቱ ኣምባሳደር ሳልሕ፣ ምቕያር ባጤራ ዓቢ ወጻኢታት ዝሓትት፣ ኣገዳስን እዋናውን ሕቶ ምዃኑ ድሕሪ ምሕባር፣ ነዚ ምቕያር ዝደረኹ ውድዓውያን ምኽንያታት ብዝርዝር ኣብሪሁ። ገለ ካብኦም ክብሪ ወይ ናይ ምግዛእ ዓቕሚ ናይ ዝጸንሐ ባጤራ ኣዝዩ ታሕቲ ምውራዱ፣ ዘይሕጋዊ ንግዲ (ሓዋላ) ብምስፍሕፍሑ፣ ናይ ምትምያን ሓደጋታትን፣ ናይ ባንክ ኣገባባትና፣ (Banking System); ድሒሩ ምጽንሑን፣ ክመሓየሽን ክሕይልን ስለዘለዎን፣ መንግስታዊ ናይ ምቁጽጻር ዓቕሚ ብምዕባይ፣ ቁጠባዊ ዕቤትን ምትዕርራይን ብምግባር ንቑጠባ ኤርትራ ንምሕያልን ንምውንጫፍን ዝዓለመ ምንባሩ ድሕሪ ምግላጽ መድረኽ ንርእይቶን ሕቶን ከፊቱዎ።

ተሳተፍቲ ሰሚናር ብኣምባሳደር ሳልሕ ብዝተዋህቦም መግለጺ ዕግበት ከም ዝተሰምዖምን፣ ኣምባሳደር ሳልሕ ድሕር’ቲ ዘጋጠመ ለበዳ፣ ንኩነታት ኤርትራውያን ዜጋታት ነበርቲ ኣንጎላ ብቐረባ ንምክትታልን ንምዕዛብን፣ ከምኡ’ውን ንምግታኡን ንምቁጽጻሩን ኣድላዪ ስጉምታት ንምድህሳስን  ቀልጢፉ ናብ ኣንጎላ ምምጽኡ፣ መርኣያ ናይቲ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ዜጋታቱ ዘለዎ ኣኽብሮትን ተገዳስነትን ብምዃኑ ሓጎሶም ገሊጾም። ኣብ ምሕያልን ምጉስጓስን ማሕበረ-ኮም ኤርትራ ኣብ ኣንጎላ ብዓቢኡ፣ እቲ ዕማም ናይ ዜጋታት’ኳ እንተኾነ፣ ከምዚ ሕጂ ኣብ ምምእዛንን ምክትታልን ኩነታት ህዝቢ፣ ኤምባሲ ተርኡ ዓቢ ስለዝኾነ ብቐጻሊ ክመላለሰናን ክበጽሓናን ከጎሳጉስን ጽቡቕ ኢዩ፣ ዝብሉ ርእይቶታት ኣቕሪቦም።


ኣምባሳደር ሳልሕ ብተሳተፍቲ ኣኼባ ንዝቐረቡ ሕቶታት መሊሱን ንርእይቶታት ሰሚዑን።

 ኣብ መወዳእታ፣ ዘጋጠመ ናይ ሕማምን ሞትን ሓደጋ፣ ጠንቁ ብሰንኪ ትሑት ኣፍልጦን ግቡእ ሓበሬታ ዘይምህላውን፣ ናይ Yellow Fever ክታበት ከይወሰድካ ናይ ክታበት ወረቐት ኣስሪሕካ ብምምጻእ ንህይወትካ ከም ኣብ ዋጋ-ዕዳጋ ምእታው ስለዝቑጸር ንክኽተቡ ደጊሙ ተላቢዩ። ንኹሎም ኤርትራውያን ነበርቲ ኣንጎላ፣ ኣንጻር ህዝብን መንግስትን ኤርትራ ንዝቐንዑ ተጻብኦታት ኣብ ምምካት ንዘካይድዎ ቃልሲ ክብ ከብሉ ብምጽዋዕ ንጽንብል መበል 25 ዓመት ብሩራዊ ኢዪበልዩ ምቅርራባት ክጅመርን ክጻፈፍን ብምዝኽኻር ኣኼባኡ ዛዚሙ።

ብተወሳኺ ብዕለት 27 ጥሪ 2016 ኣምባሳደር ሳልሕ ዑመር ምስ ኣካያዲት ኣካል ማሕበረ-ኮም ኤርትራውያን ምስ ኮሚቴ ምትሕግጋዝን ተራኺቡ፣ ኣብ ውዳበን ጎስጓስን ክጻወቱዎ ዝግባእ ኣገባብን ተራን ብዝርዝር ብምብራህ፣ ንዝስከምዎ ሓላፍነት ብዕቱብ ከተግብሩን፣ ኣብ ኣንጎላ ካብ ከተማ ሉዋንዳ ወጻኢ ናይ ዝነብሩ ኤርትራውያን ብዝሕን ዝተዋፈሩሉ ሞያን ከጽንዑን ናይ ዘጋጥም ዘሎ ቁጠባዊ ቅልውላው ሳዕቤን ተረዲኦም፣ ብዝተሓተ ደረጃ ዓቕሚ እውን ይኹን ናይ ምውህላል ባህሊ ከሐይሉን፣ ርእሰ-ማሎም ኣብ ሃገሮም ከውፍሩን፣ ኣብ ባንክታት ኤርትራ ናይ ተጠራቓሚ ሕሳብ ክኸፍቱን ከዋህልሉን  ኣዘኻኺሩ።        

ዓወት ንሓፋሽ!  


Sponsored Ads
Eritrean Embassy, South Africa: ጸብጻብ ሰሚናር ኣምባሳደር ሳልሕ ዑመር ንኤርትራውያን ነበርቲ ኣንጎላ Reviewed by Admin on 9:13 AM Rating: 5

No comments:

All Rights Reserved by Madote © 2016

Contact Form

Name

Email *

Message *

Powered by Blogger.