Top Ad unit 728 × 90

Trending

random
.

“ብሓደ መስከረም 1961 ፡ ሰውራና ኣዊጁ ጸላኢ ክህረም…”

Hamid Idris Awate


“ብሓደ መስከረም 1961 ፡ ሰውራና ኣዊጁ ጸላኢ ክህረም…”
ንኽብርን ዝኽርን መበል 54 ዓመት ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ
ግርማይ በርሀ (ሽካጎ) መስከረም 2015 

ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ፡ ኣብ መንጎ ገዛእቲ ክንገዝእ ኢና ክብሉን ተገዛእቲ ከኣ ኣይንግዛእን ፡ ኣሜን ኢልና ኣይንሰግድን ፡ እምቢ ብምባል ክቃወሙን ብዝማዕበለ ናይ ክልተ ኣካላት ጎንጺ ዝተጋህደ ተርእዮ እዩ ። ገዛእቲ ሓይልታት ፡ ናይ ሓፋሽ ህዝቢ እምቢይታ ንምዕጋት “እንቢ ያለ ሰው ጥይት ኣጉርሶው” ብምባል ፡ መሰለይ ንዝበለ ህዝቢ ብምቅንጻል እንዳኣግደሉ ንክገዝኡ ክሓልሙ ከሎዉ ፡ እቲ ናይ ሓፋሽ ህዝባዊ ሰራዊት ከኣ “ቦሎ ቦሎ ነቲ ሰላም ዘይደሊ ወራሪ ሰራዊት ቦሎ …” ብምባል ነቲ ቃልሱ ክሳብ ዓወት ክቅጽሎ ወሰነ ።

ሰላምን ፍትሕን መሰረት ናይ ኩሉ ምዕባለን ቅሳነትን ስለዝኾነ ፡ ህዝቢ ኤርትራ ንሰላምን ፍትሕን ብዝለዓለ ደረጃ ዝተቓለሰን ሕጂ’ውን ዝቃለስ ዘሎን ህዝቢ እዩ ። ህዝብና ንመግዛእታዊ ባርነት ኮነ ካልእ ኩሉ ዓይነት ወጽዓታት ኣሜን ኢሉ ሰጊዱ ዘይከይድ ፡ ብጻዕሩ ሰሪሑ ክነብር ዝደሊ ፡ ብውሽጣዊ ዓቕምታቱን ኩነታት ብዘፍቅዶን ንቀጻሊ ለውጥን ግስጋሰን ዝቅበል ፡ ብሕጊ ክመሓደር (ሕጊ እንዳባን ካልኦት ኣገባባትን) ዝጸንሐን ሕጂ’ውን ዝደልን … ከምምዃኑ መጠን ፡ ብኹሎም ዘይፍትሓውያን ሓይልታትን ብሕጊ ተቀይዶም ክኸዱ ዘይደልዩ ኣካላትን ዝፍቶን ዝናኣድን ኣይኮነን ። ምኽንያቱ ገለ ታሪኻዊ ጅግንነቱ ኣንጻር እዞም ዓመጸኛታት ብዘካየዱ ቃልሲ ስለዝግለጽ ። ከምኡ ስለዝኾነ ከኣ ህዝብና ፡ ናይዞም ዓመጸኛታት ተጻብኦታት ተፈልዩዎ ኣይፈልጥን እዩ ።

ህዝቢ ኤርትራ ነቶም ሰላም ዝኸልእዎ ወረርቲ ሓይልታት ከይተረፈ ፡ ብመጀመርያ ብሰላማዊ መንገዲ ተቓሊሱን፡ ሰላም ንምስፋን ክብል ሓያል ዋጋ ከፊሉን እዩ ። ኤርትራውያን ሓርበኛታት ግን ካብ መሪር ተሞኩሮኦም ባህርያት ጸላእቶም ንምልላይ ኣይሸገሮምን ። ሓርበኛታት ፡ ገዛእቲ ብጀካ ብሓይሊ ብረት ብኻልእ ፡ ድምጺ ህዝቢ ክሰምዑን ሃገር ክለቁን ከምዘይክእሉ ኣይስሓትዎን ። ካብ ሕሉፍ ተሞኩሮኦምን ተሞኩሮታት ህዝብታት ዓለም’ውን ንኽማሃሩ ኣይሸገሮምን ። ከም ውጽኢቱ ከኣ ኤርትራውያን ፡ ንሃገራዊ ናጽነት ብረት ከልዕሉ ተገደዱ ፡ እቶም ብሰላም ዘይሰምዑ ገዛእቲ ብብረት ከስምዕዎም ወሲኖም ተላዕሉ ። ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ዝጀመረሉ መዓልቲ ከኣ ባሕቲ መስከረም 1961 ከምዝኾነ ኣወጁ ።

ኤርትራውያን ሓርበኛታት ፡ ካብ ውልቃዊ ናብሮኦም ናይ ህዝቦምን ናይ ሃገሮምን ረብሓታት ቀዳምነት ሂቦም ፡ ብቑጽሮም ኣዝዮም ውሑዳት፡ ብዕላማ ግን ኣዝዩ ሰፊሕ (ህዝባዊ ሃገራዊ ዕላማ) ሒዞም ፡ ነቲ ዝነበረ መድረኽ ክምክቱ ዘኽእሉ ፡ ኣብ ናይ ደባይ ኩናት መሰረት ዝገበረ ወተሃደራዊ ስልቲ ተጠቂሞም ፡ ካብ ህዝቦም እናተዓንገሉ ቃልሶም ጀመሩ ።

ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ከኣ ሓድሽ ዓይነታዊ መቀይሮ ፈጠረ ። ምስግጋር ናብ ዝማዕበለ ፖሎቲካውን ብረታውን ቃልሲ መድረኽ ከእቱ ኣኽኣለ ። ናብቲ ኣዝዩ ዝሓየለ ህዝባዊ ቃልስን ህዝባዊ ሓይልን ንምስግጋር ዘኽኣለ ኣፍደገውን ከፈተ ። ዕምሩ ከንውሕ ዝደሊ መግዛእታዊ ስርዓት በቲ ሓደ ፡ ንዑኡ ዝጻረር ህዝባዊ ሓይሊ ከኣ በቲ ካልእ ብምዃን ፡ ናይ ክልቲኡ ኣሰላልፋ ሓይልታት ኣብ ውሽጢ ሃገርን ኣብ ዓለምን ነጺሩ ክረኣ’ውን ከኣለ ። ኤርትራዊ ሃገራውነትን ወንን መሊሱ ሓየለ ። ሰውራ ኤርትራ ኣካል ናይቶም ብረት ኣልዒሎም ንፍትሒ ዝቃለሱ ናይ ዓለም ናይ ሓርነት ሓይልታት ክኸውን በቕዐ ። ብዓቀንን ብዓይነትን ዝልክዑ ፡ ብኣውንታን ብኣሉታን ዝግለጹ ፡ ሓፋሽ ህዝብና ዋጋ ዝኸፈለሎምን ንቀጻሊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ሂወት ዝሃቡን ውሽጣውያን ምዕባለታትን ጎንጽታትን ንኽጋሃዱን ዝተፈላለዩ ዝላታት ንኽራኣዩ እውን ባይታ ፈጠረ

ስርዓት ኢትዮጵያ በንጻሩ ፡ ይሕጉዙኒ ዝብሎም ጎይቶት ኣብዘሐ ። ብራዕዲ ተዋሒጡ ፡ ባርዕ ሰውራ ከጥፍእ ክብል መሊሱ ኣብ እዝዩ ጽጉዕነት ናይ ዓለም ጎይቶቱ ጠሓለ ። ኣብ ዕጥቂ ፡ ስንቅን ወተሃደራዊ ንዋትን ምልማን ተነቑቱ ተረፈ ። ንዕንወት ናይ ዞባና ከኣ ቀንዲ ጠንቂ ኮነ ።

እዚ ብውሑድ ቁጽሪ ዝጀመረ ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ፡ ንጸላእቱ ክምክት ዘኽእል ውሽጣዊ ለውጥታትን ምምሕያሻትን ብምግባር ንኹሎም ሃገራውያን ዘሳተፈ ካብ ናይ ደባይ ኵናት ናብ ሓያል ህዝባዊ ሰራዊት ክቅየር ከኣለ ። ኣብ ከባቢና እውን ህዝባውያን ምንቅስቃሳት ንኽለዓላ ጽልዋታት ብምፍጣር ኣብ ረብሓታት ህዝብታት ዞባና ዓብዪ ኣበርክቶ ክገብር እውን በቕዐ ። ኣብ መጨረሻ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ፡ ንጸላእቱ ካብ ሃገሩ ጸሪጉ ምውጻእን ናጽነቱ ምጭባጥን ጥራይ ዘይኮነ ፡ ኣብ ሕምብርቲ ጸላእቱ ብምእታው ንገዛኢ ስርዓት ካብ ስሩ ከዓልዎን መራሕቱ ናብ ስደት ከምዘምርሑን ብምግባር ፡ ኣብ ኣፍሪቃ ፍሉይ ኣብነትን ናይ ታሪኽ ጅግንነትን ክፍጽም ከኣለ ።

ዘለኣለማዊ ዝኽሪ ንምጅማር ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ 
ዘለኣለማዊ ዝኽሪ ንኹሎም ሰማእታት ኤርትራ 
ዓወት ንሓፋሽ 

Sponsored Ads
“ብሓደ መስከረም 1961 ፡ ሰውራና ኣዊጁ ጸላኢ ክህረም…” Reviewed by Admin on 12:26 AM Rating: 5

No comments:

All Rights Reserved by Madote © 2016

Contact Form

Name

Email *

Message *

Powered by Blogger.