Top Ad unit 728 × 90

Trending

random
.

ሃ.ማ.ድ.አ ቶሮንቶን ከባቢኣን ኣብ ዘዳልውኦ ጽንብል መደብ ብዕለት 15-መጋቢት 2015 ብምክንያት እህጉራዊ ምዓልቲ ደቂኣንስትዮ ኣብ ከተማ ተሮንቶ ብፍናንን፡ ልዑል መንፈስን ተጸንቢሉን፡ ተዛሚሙ!!



ኣህጉራዊ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ ጽንብል፡ ብዝክሪ ሰማእታት ተከፊቱ፡ ካቡ ስዒባ ኣደ መምበር ሃ.ማ.ድ.ኤ ወ/ሮ ንጽህቲ ሃይለ መክፈቲ ከምዝስዕ ቃል ኣስሚዓ ፡ “ኣባላት ሃገራዊ ማሕበር ደቂኣንስትዮ ኤርትራ ኣብ ከተማ ቶሮንቶን ከባቢኣን  ብምሕያል ሱታፌአን ኣብ ሃገራዊ መደባትን ማዕርነታዊ ሱታፌአን  ኣብ ኩሉ መዳያትን ንምርግጋጽን ንምዕዛዝን ድልዋት ምህላወን ኣረጋጊጻ። ስዒባ  “ቁጠባዊ ዕቤት ደቂኣንስትዮ፡ ዋሕስ ሃገራዊ ልምዓት” ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ ኣብ ዝዓለመ - ንጅግንነትን ቅያን ኤርትራዊት ጓልኣንስተይቲ ዘንጸባርቕ ትሕዝቶ ዝሓዘለ ጽንብል 8 መጋቢት’ዩ። ኤርትራውያን ደቂኣንስትዮ ኣብ ታሪኽ  ብረታዊ  ተጋድሎ፡ ምውሓስ ናጽነትን ምርግጋጽ  ቁጠባዊ  ሕውየትን ዘካየድኦን  ዝቕጽልኦ  ዘለዋን ኣበርክቶ፡ ብዕዙዝ ተሳትፎ መንእሰያት ንምዂልዑን ንምድንፍዑን፡ ኣብ ምምልማል ተካእቲ ወለዶ ኣበርቲዐን ክሰርሓ ምዃነን ከምኡ’ውን ተመዝጊቡ ዘሎ ብቅያ  ጅግንነትን ንምውራስን ንምዕቃብን ብዝለዓለ ከምዝዓያ ቃል ኣትየን ከምዘለዋውን ኣብሪሃ።

ስዒቡ ኣቶ ኣሕመድ ኢማን ሓ/ቆ/ጉዳያት በዚ ኣጋጣሚ  ጽምብል 8 መጋቢት ኣህጉራዊ  መዓልቲ ደቀንስትዩ ፡ ^ ቁጠባዊ ዕብየት  ደቀንስትዮ፡ ዋሕስ  ሃገራዊ  ልምዓት^  ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ ንኹለን ዓለምለኻዊ ደቀንስትዮ ብሓፈሻ፡ ንኤርትራውያን ደቀንስትዮ ድማ ብፍላይ ብስም ጠ/ቆንስል ሃገረ ኤርትራ ኣብ ካናዳ  ዮሃና ዮሃን እብለን። ነዛ መዓልቲ ክውንቲ ዝገበሩ፡ ዝተፋላለየ ሓገዛት ዘበርከቱ ኩሎም ድማ ምስጋና ይብጻሓዮም።

ካብዝ ቀጺሉ ድማ ደቂኣንስትዮ ኤርትራ ንሃገራዊ ናጽነት:  ሰብኣዊ ክብሪ፡ ንማዕርነትን ፍትሒን፡ ኣብ ጽላል ሃገራዊ  ሰውራ ተጠርኒፈን ዓቢ ኣበርክቶ ዝገበራ ምዃነን ታሪኻዊ ሓቂ ኢዩ።

ኮሙኡውንቃልሲ ደቂኣንስትዩ፡ ንፍርቂ ሕብረተ ሰብ ኤርትራ ዝውክል ብምዃኑ፡ ብዘይ ናታተን ተሳታፍነት፡ ናጽነት ኤርትራ ክረጋገጽ ኣይምተኻእለን። ማዕርነት  ብስራሕ ተኻፋልነት ጥራይ ስለ ዝረጋገጽ፡ ኤርትራውያን ደቂኣንስትዮ፡ ኣብ ኩሉ ጽላታት ብተወፋይነትን ንቕሓትን፡ ኣብ ዓውደ ውግእ^ውን  ከይተረፈ ጅግንነታዊ ቅያን ዘመስከራ ኢየን ክብል ገሊጹ።
ብተወሳኪ ብርግጽ  ኤርትራውያን ደቂኣንስትዮ ኣብ ወጻኢ፡ ጎኒ ንጎኒ ቃልሲ ኣሕዋተን ኣብ ኩሉ ንጥፈታት ስድራ ቤታት፡ ኣብ ግዜ ሓጎስ፡ ሓዘን፡ ኣብ ዝተፈላለየ ፡ሃገራዊ፡ ማሕበራውን ሃይማኖታውን በዓላት ብትግሃት ጉልበተንን ገንዘበንን ዘወፊያ፡ ሰረት ናይ ሓድነት ዝኾና፡ ሎሚ ከም ትማሊ ሞጎስ ይግብኤን: ሃማደኤ ካብቲ መዓልታዊ(daily routines)  ኣሰራርሓ ናብ ካልእ መድረኽ ንምስግጋር፡ ዝተፈላለዮ ፕሮጀክታት ሃገራውን ሎካልን ዘድሃበ ፋንድ ክሓታ ከዳልዋ፡ መንእሰያት ደቂኣንስትዮ ድማ  ክሳተፍኦ  ኣገዳሲ ይኸውን። ሃማደኤ ንኹለን ኤርትራውያን ደቂኣንስትዮ ብምውዳብ፡ ኣብ ኩሉ ሃገራዊ በዓላትን፡ ኣብቲ ዓመታዊ ንግደታት፡ ፈስቲቫላት ወሳኒ ተራ ከም ዝጻወታ ብምእማን ብፍላይ ድማ ኣደታት፡ ክጥቀስ ይካኣልን፡ግድን ዘለዎን እዩ።
ኤርትራዊ ኣብ ዝሃለወ ሃሊዩ፡ ሓድነቱ እናኣደልደለ፡ ድልዱል ማህበረ ሰብ ክሃንጽ፡ ጥዑያት መንእሰያት ከፍሪ፡ ሽግራት መንእሰያት ከቃልል፡ባህልታትን ያታዊን ስልጠና ዝካየደሉ፡ ኣብ ዕብየት ዘለዎ ኣቦታትን ኣደታትን ዝዘናገዕሉ ባይታ ምፍጣር፡ ማሕበረ ኮማትና ብሃሱሳትን  ካይድፈር፡ ካብዝኾነ ግዜ ንላዕሊ ኣድላይነት ማእከል ( Center) በርሁ ኣሎ፡ንኹሉ ኤርትራዊ ብሄር፡ ሃይማኖት፡ ከይፈለየ ከዋስእ ዝኽእል ናይ ባይታ ምንጻፍ፡ ግደታን ሓላፍነት ኣሎና፡ ነዚ ንምትግባር ከም ወትሩ ደቀንስትዮ ኤርትራያ ተቀማጦ ናይዚ ዞባና ሓያል ኣበርክቶ ክምዝገብራ ኣይንጣራጠርን፡ ኣብ መደምደምታ ክብሎ ዝደሊ፡ ቃልሲ ደቂኣንስትዮ፡ ቃልሲ ሕብረተስብ ስለ ዝኾነ፡ ቃልስና ኣብ ሸትኡ ክበጽሕ፡ማዕርነት ክረጋገጽ፡ ደቂተባዕትዮ ግደና ከነበርክት ይግባእ፡  ደጊመ ደጋጊመ ዮሃና ይብል።

ድሕሪ ቃል ናይ ኣደመንበር ንጽህቲ ሃይለን ፡ ሓ/ቆ/ጉዳያት ኣቶ ኣሕመድ ኢማን፡ ዝተፈላለይ ግጥምታት ብተሳተፍቲ ቀሪቡ፡  ስዒቡ ብሕድርን፡ ኣባላት ኮሚንቲን ከኣ ድራማታት፡ ንሰውራና ዘንጸባርቅ፡ ነዚ ቀጻሊ ተጻብኦታት ስድርዕምን ኮሙኡድማ፡ ጅሆ ከምዘይ ንትሓዝ፡ ስነኣእሙራዊ ኺናት ከምዘይ የሰናክለና፡ ወረስቲ ሕድሪ ስለዝኮና ሎሚ ከምትማል ብልዑል መንፈስ፡ ምራልን ክንምክት ከምዝኮና ዘርኢ ድራማ ተካይዱ፡ እዚ ከኣ ነዚ ጽንብል ኣዝዩ ኣዋሕሊልዎን፡ ኣመቂርዎን ፡ ድሕሪኡ ድማ ምሉእ ምሸት፡ መድብ ጋይላ ብህቡባት ሎኮል ባንድ ተካይዱ፡ ኣብዚ ጽንብል ኣብቶሮንኦቶ ዝተካየደ፡ ኤርትራውያን ካብ ኩለን ከተማታት ክባቢ ናይ እንቶርዮ ዞባ “ካብ ለንዶን፡ ክችነር፡ ሃምልቶንን፡ ቦርሊንግቶንን” ክምዝተካፈሉን ንገልጽ፡ እዚ ከኣ ልዑል ወኒ ነቲ ጽንብል ብሓያል ፍናንን፡ ሓጎስን ዝዓሰሎ ምሸት ገይርዎ፡ ብደስታ ከኣ ተዛዚሙ።

ተወሳኪ ሓበሬታ ብዛዕባ ዜጋታትና ኣብ ሰሜን ካናዳ ዝርከባ ከተማታት “ ካልገሪ፡ እድሙንቶን፡ ሳስከቱን፡ ቫንኩበርን፡ ወንፐግን” ብተመሳሳሊ  ብልዑል መንፈስን፡ወንን ከምዝጸንበለ  ከም እተካየደ ብዚ ኣጋጣሚ ክንገልጽ ንፈቱ።
ወትሩ ንዘልኣለም ክብርን ዝክርን ንወርቃውያን ስውኣትና!!
ዓወት ንሓፋሽ!!



























Sponsored Ads
ሃ.ማ.ድ.አ ቶሮንቶን ከባቢኣን ኣብ ዘዳልውኦ ጽንብል መደብ ብዕለት 15-መጋቢት 2015 ብምክንያት እህጉራዊ ምዓልቲ ደቂኣንስትዮ ኣብ ከተማ ተሮንቶ ብፍናንን፡ ልዑል መንፈስን ተጸንቢሉን፡ ተዛሚሙ!! Reviewed by Admin on 4:42 PM Rating: 5

4 comments:

  1. The beauty of our culture and people mirrors our beauty all over the world.


    God/Allah bless my Nation and my People.

    ReplyDelete
  2. Good to see the collaboration of our people and celebrating the event together colorfully.

    ReplyDelete
  3. Their faces look like ethiopian

    ReplyDelete
  4. 25 March,2015

    35th Anniversary of the National Union of Eritrean Women (NUEW) Houston Texas.
    https://www.youtube.com/watch?t=747&v=fzGUZsKduF0

    ReplyDelete

All Rights Reserved by Madote © 2016

Contact Form

Name

Email *

Message *

Powered by Blogger.