Top Ad unit 728 × 90

Trending

random
.

A Tale Of Deafness Awareness

ለውጢ ገንዘብ

ብመሰረቱ ነዚ  እዋናዊ ዝዀነ ኣዋጅ “ለውጢ ባጤራ ሃገርና” ኣብነት ብምግባር: ነቲ ንቅሓት ኣካለ-ስንኩልነት ( Disability Awareness) ዝብል መትከልናን  መርሖናን ንህዝብና ንምግላጽ ኢዩ። ብፍላይ ንቅሓት ዝብል ጽንሰ-ሓሳብ (concept) ካብ ብረቂቁ ብግዙፉ (dramatic) ጌርካ ንምግላጹ ስለ ዝጥዕም፡ እንሆ እዚ ተሞክሮ እዘነ-ጽሙም ብዛንታ መልክዕ ነካፍለኩም፡

       ባህታ ካብ ዝውለድ ኣትሒዙ ኣብ ሓደ ዓዲ ይቅመጥ ነበረ። ብጀክኡ ኣብ’ቲ ዝነብረሉ ዓዲ ካልእ ዘጻውቶ ዓርኪ ኣይነበሮን። ስለዚ ጓሳ ኰይኑ ካብ ጸሓይ ብራቅ ክሳዕ ጸሓይ ዕራርቦ ኣማል ክሕሉ ይውዕል ነበረ። በይኑ ካብ ምዃኑ ዝተላዕለ፡ ኩሉ ዘይርድኦ ናይ ገዛእ ርእሱ ቋንቋ መሃዘ። በዚ ምኽንያት ምስቶም ደቁ ዓዱ ክራዳዳእ ስለ ዘይከኣለ፡ የንጸርጽር ነበረ።

       ዓቅሚ ኣዳም ምስ ኣኸለ፡ ስራሕ ጒስነት ገዲፉ፡ ናብ ከተማ ክሰርሕ መጸ። ምስ ኣዝማዱ ብኢዱ ክዘራረብ ስለ ዘይከኣለ፡ ኣብ ሓደ ገዛ ንበይኑ ክቅመጥ ጀመረ። ኣብ ከተማ ከምኡ ዝኣመሰሉ እዝነ-ጽሙማን በብግዚኡ’ኳ እንተተራኸበ፡ ብጠባዩን ብኣዘራርብኡን ዝኣክል ኣይተቀበልዎን። ኣይተረድኦን ድማ። ምኽንያቱ በይኑ ስለ ዝዓበየ። ሓሊፉ ተሪፉ ከምኣቶም ቤት-ትምህርቲ ኣትዩ ብመጠኑ ኣይተማህረን ከምኡ ኩሉም ዝርድእዎ ምልክት ቋንቋ ኣይመለኸን።

       ባህታ ስራሕ ጀመረ። ዱልዱልን ሓያልን ብምዃኑ፡ ንፉዕ ሰረሕተኛ ነበረ። ክሳብ ኣተሓሕዛ ገንዘብን ጥቅምን ዝለማመድ ቀረባ ኣዝማዱ ይሕግዝዎ ነበሩ። ብድሕሪ’ዚ ተማሂሩ ነብሱ ምስ ከኣለ፡ ደሞዙ ባዕሉ ክቅበል ጀመረ። ብገንዘብ ዝመጸ ኣዝዩ ጥንቁቅ ኢዩ ዝነበረ። ስለዚ’ውን ዝተረፎ ዘበለ ኣብ ሳንድቁ የቀምጦ ነበረ። ድሕሪ ብዙሕ ዓመታት ብዙሕ ገንዘብ ብምእካቡ ደስ በሎ።

        ሓደ ግዜ ካብ ሳንዱቁ ገለ ገንዘብ ኣውጺኡ፡ ንዕዳጋ ወረደ። ዋጋ ሓደ ሳእኒ ዝኸውን ገንዘብ ነቲ ሸቓጣይ እንተሃቦ፡ ርእሱ እናነቅነቀ ምቅባል ኣበዮ። ስለዚ ባህታ እቲ ዝሓዞ ዋጋ ሳእኒ ዘይኣክል ስለ ዝመስሎ፡ ብተወሳኺ ገንዘብ ከምጽእ ናብ ገዝኡ ከደ። ናብ’ቲ በዓል ዱኳን ተመሊሱ ነቲ ዝወሰኾ ገንዘብ እናርኣየ ሳእኒ ክህቦ ሓተቶ። እንደገና እቲ በዓል ዱኳን ርእሱ እናነቅነቀ ኣበዮ ። ሕጂ’ውን ባህታ ዘይኣክል ምዃኑ ሰለ ዝመሰሎ፡ ኣርባዕተ ግዜ ተመላለሰ። ኣብ መወዳእትኡ ዳርጋ እቲ ኹሉ ዘዋህለሎ ገንዘብ ናብቲ ብዓል ዱኳን ኣምጸኦ።

       እዚ ክኸውን ከሎ፡ ባህታ ብረድዩን ብጋዜጣን ብተለፍጅንን ብሰብ-ሰብን ገንዘብ ይልወጥ ከም ዝነበረ ኣይሰምዐን። ኰይኑ በዓል ድኳን ንወዱ ጸዊዑ “ እስኪ ኣረጊት ገንዘቡ ወሲዶም ሓዲሽ ባጤራ  እንተሃብዎ  ናብ ባንካ ሒዝካዮ ኪድ” በሎ። ግን ሰብ ባንካ ነቲ ወዱ “መዓልቲ ኣዋጁ ሓሊፉ ኢዩ። ሓዲሽ ገንዘብ ኣይንህቦን ኢና” በልዎ።

       ብወገኑ ባህታ ፈጺሙ ኣይተረድኦን፡ እቶም ሰብ ባንክ እውን ብምጽማም ዝኣክል ዝወረዶ ሽግር ኣየስተውዓሉን። That is the impact of deafness on everyday life.

       ክቡራት ኣንበብቲ እዚ ዝገለጽኩልኩም ሓቂ ዛንታ፡ ዳርጋ ጭልፋ ናይ’ቲ ማእለያ ዘይብሉ ተሞክሮታት እዝነ-ጽሙማን ኢዩ። ነስተውዕል። (Awareness First).

-ሃይለ
Sponsored Ads
A Tale Of Deafness Awareness Reviewed by Admin on 11:48 PM Rating: 5

No comments:

All Rights Reserved by Madote © 2016

Contact Form

Name

Email *

Message *

Powered by Blogger.