Top Ad unit 728 × 90

Trending

random
.

ግድል ፍልሰትን ዘላቒ ፍታሑን





By Alenalki,


ንሃገራት ኣፍሪቃን ኤውሮጳን ዓቢ ብድሆ ኮይኑወን ዘሎ ፍልሰትን ንግዲ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባትን ዝግትኣሉ መገዲ ኣመልኪቱ ዝዝቲ፡ ሚኒስተራት ሃገራት ኣፍሪቃን ኤውሮጳዊ ሕብረትን ዝሳተፍዎ ዋዕላ፡ ሎሚ 28 ሕዳር 2014 ኣብ ርእሰ ከተማ ኢጣልያ፡ ሮማ ክካየድ እዩ። ኣብቲ ዋዕላ ዝሳተፍ ዘሎ ላዕለዋይ ልኡኽ መንግስቲ ኤርትራ ድማ፡ ኣብዚ ጉዳይ’ዚ ዘሎ መርገጺ ኤርትራን ናይ ፍታሕ እማመን ብዝምልከት ሓሳቡ ከቕርብ እዩ።

ከምዝፍለጥ፡ ፍልሰት ኣህዛብ (Migration) ይኹን ንግዲ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባት (Human trafiking) ሕብረ-ብዙሕ ደራኺ ጠንቅታት ዘለዎ፡ ዝተሓላለኸ ኣህጉራዊን ዓለማዊን ተርእዮ እዩ። ብደረጃ ዓለም፡ ዓመታዊ ሚልዮናት ሰባት “ዝሓሸ ህይወት” ንምንዳይ ብዝብል ሓሳብ፡ ንሓደጋ ብዘቃልዕ ዘይውሑስ ኣገባብ ናብቲ “ምድረ-ገነት” ተባሂሉ ዝሕለሞ ከባቢታት ዓለምና ክግዕዙ ይርኣዩ። ኣብዚ ዓመት’ዚ ጥራይ ኣስታት 17 ሚልዮን ሰባት ንስደት ከምዘምርሑ ጸብጻብ ሕ.ሃ. የመልክት። ኣብዚ ዘይሕጋዊን ሓደገኛን ጉዕዞ’ዚ፡ ኣብ ልዕሊ ደቂ-ኣዳም፡ ብዝያዳ ድማ፡ ኣብ ልዕሊ መንእሰያት ዘጋጥም መከራ፡ ጭንቅን መቕዘፍቲን ጸዊኻ ኣይውዳእን። እዚ ኩነት’ዚ፡ ኣብ ልዕሊ ዜጋታት ኣፍሪቃ ብሓፈሻ፡ ኣብ ልዕሊ ዜጋታት ቀርኒ ኣፍሪቃ ድማ ብፍላይ ዘውርዶ ዘሎ ሃስያ ብቐሊል ዝግመት ኣይኮነን።

ቀዳማይን መሰረታዊን ጠንቂ ፍልሰት፡ ድኽነት ምዃኑ ዘካትዕ ኣይኮነን። ታሪኻዊ ድሕረ- ባይታ ድኽነትን ድሕረትን ከኣ፡ ቅድምን ድሕርን መግዛእቲ ኣብ ዓለምና ሰፊኑ ዝጸንሐ መዝማዚን ገባቲን ቁጠባዊ ፖሊሲታት እምበር፡ ድኻምን ስንፍናን ናይዞም ግዳይ ኮይኖም ዝርከቡ ኣህዛብ ኣይኮነን። ጠንቂ ፍልሰት፡ ብቐንዱ እዚ ዝተጠቕሰ ረቛሒ ይኹን’ምበር፡ ነዚ ኩነት’ዚ ብምምዝማዝ ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ዝተዘርግሐ መርበባት ንግዲ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባት (Human traficking) እውን ተወሳኺ መጋደዲ ረቛሒ ኮይኑ ይርከብ። ኣብ ርእሲ’ዚ፡ ንፖለቲካዊ ዕላማታት ተባሂሉ፡ ንኣዝየን ውሱናት ሃገራት ዒላማ ብምግባር፡ ብገለ ሃገራትን ተሓባበርቲ ትካላትን ዝፍጸም ኣእምሮን ጉልበትን ናይ ምምጻይን ምምካን ሽርሒታት እውን ናቱ ዘይንዓቕ ኣበርክቶ ኣለዎ።

መርገጺ መንግስቲ ኤርትራ ኣብዚ ጉዳይ’ዚ፡ ተደጋጊሙ ዝተገልጸ ኣዝዩ ንጹርን ጭቡጥን እዩ። ቅድም ቀዳድም እዚ ተርእዮ’ዚ፡ ብዝተወሃደ መገዲ፡ ህጹጽ ፍታሕ ክርከበሉ ዘለዎ፡ ሓደ ካብ ዓበይቲ ዓለማዊ ግድላት ምዃኑ ክእመነሉ የድሊ። ካብቲ ብህጹጽ ክውሰድ ዘለዎ ስጉምቲታት ሓደ፡ ኣብ ንግዲ ምስግጋር ሰባት ዝተዋፈሩ ገበነኛታት ተኸታቲልካ፡ ኣብ ሕጊ ከምዝቐርቡ ብምግባር፡ እዚ ገበናዊ ንጥፈት’ዚ ብቕልጡፍ ዝግትኣሉ መገዲ ምፍጣር እዩ። ኤርትራ ብዓቕማ፡ ኣብ ከምዚ ዓይነት ንጥፈት ንዝተዋፈሩ ገበነኛታት ብጽኑዕ እናተኸታተለት፡ ቀጻዒ ስጉምቲ ክትወስድ ጸኒሓ ኣላ። መዳውብቲ ሃገራት ዝገብርኦ ክትትልን ዝወስድኦ ስጉምቲን ምስዝወሃድ ድማ፡ ዝያዳ ኣድማዒ ክኸውን ይኽእል። እቲ ካልኣይ ክውሰድ ዝግባእ ኣገዳሲ ስጉምቲ፡ ነቶም ድሮ ሃገሮም ገዲፎም ዝተሰዱ ሰባት፡ ናይ ምንባርን ምስራሕን መሰል ብምርግጋጽ፡ ሞያን ፍልጠትን ቀሲሞም፡ ናብ ዓዶም ተመሊሶም ዝነብርሉ ኩነታት ምምችቻእ እዩ። እቲ ሳልሳይን መሰረታዊን ፍታሕ ግን፡ ኣብተን ግዳይ ናይዚ ሽግር’ዚ ዝኾና ሃገራት፡ ምዕሩይን ፍትሓዊን ዕብየት ዘረጋግጽ መደባት ልምዓትን ቁጠባዊ ዕብየትን ምትግባር እዩ። እዚ፡ ብቐንዱ ሓላፍነት ናይተን ሃገራት እኳ እንተኾነ፡ ሃገራት ኤውሮጳ ኮነ ማሕበረሰብ ዓለም፡ እንተድኣ ሓቀኛን ዘላቒን ፍታሕ ዝደልዩ ኮይኖም፡ ሚዛን ብዘለዎ ጭቡጥ ደገፋት፡ መደባት ልምዓት ናይዘን ሃገራት ንክዕወት ብምትሕብባር፡ ሰባት ብዕዮኦምን ጻዕሮምን ሃገራቶም ኣማዕቢሎም፡ ኣብ መረበቶም ዝነብርሉ ኩነታት ኣብ ምፍጣር እወታዊ ተራ ክጻወቱ የድሊ። ምስዚ ተኣሳሲሩ ከኣ፡ እቲ ንከም ኤርትራ ዝኣመሰላ ውሱናት ሃገራት ዒላማ ዝገበረ፡ ኣእምሮን ጉልበትን ናይ ምጽጻይ እኩይ ፖለቲካዊ ሽርሒታት ክእረም ይግባእ።
Sponsored Ads
ግድል ፍልሰትን ዘላቒ ፍታሑን Reviewed by Admin on 4:32 AM Rating: 5

No comments:

All Rights Reserved by Madote © 2016

Contact Form

Name

Email *

Message *

Powered by Blogger.