Top Ad unit 728 × 90

Trending

random
.

Book Reveiw: "Mnbar/Existentialism"


ኣርእስቲ መጽሓፍ ፡ "ምንባር"
ደራሲ፡ ተዓገስ ክፍለዝጊ ድማም
ገምጋም፡ ሃይለ ቦዂረ                        

                                             "ምንባር"

                ማንም  ኣንባቢ ብተራ ወይ ልሙድ ኣገላልጻ  እዚ  “ ምንባር” ዝብል ቃል   “ናብራ” ዝእምት ይመስሎ ይኸውን። ብመሰረቱ ብፍልስፍናን ስነ-ፍልጠትን መዳይ ነብሱ ዝኸኣለ ጽንሰ-ሓሳብ ኰይኑ፡ ብእንግሊዝ “Existentialism” ብዝብል
ይፍለጥ። መሰረተ ሓሳቡ ካብ’ቲ ሶቅራጥስ “ነብስኻ ፍለጥ” know thyself) ዝበሎ ዝፈለቀ ክኸውን ከሎ፡ ንዳሕራዩ ከም ስነ-ኣምር ተንተንቲ (psychoanalysts) ከም በዓል ፍረውድ፡ ፍራንክ፡ ኪረጋርድ፡ ሃይደገር፡ ሳርትረ፡ ቡበር፡ ቢኒስዋገር፡ በብግዚኡ እናማሓየሹን እናመላልኡን ዘስፋሕፍሕዎ ዓውዲ ፍልጠት ኢዩ። ብቀጻሊ እውን  ከም ዶስቶየቮስኪ፡ ካሙስ፡ ቶማሶ ደረስቲ ዓለም ኣብ ምንባር ዝተመርኰሱ ጹሑፋት ከቅርቡ ክኢሎም። እዚ ከኸውን ከሎ፡ ኣናብባ ኣስማት (pronunciations)ናይዞም ዝጠቀስክዎም ሊቃውንቲ ከም ዘጸግመኒ ኣይሰሓትን።

        ደራሲ ናይ ህዝብና ወቅታውን ወድዓውን ተሞክሮታት ብዑምቀት ድሕሪ ምምርማርን ምዕዛብን ብስነ-ኣምር ኣተሓሳስባ ዝዀነ ሰብ ካብ ካልእ ዝተፈልየ ብምዃኑ ነብሱ ክፈልጥ (self-awarenss) ከም ዘለዎ የተሓሳስበና። እዚ ክብል ከሎ: መንፈዓቱን ድኽመታቱን ዓቅሙን ፈሊጡ፡ ብሓሳብ ጥራይ ኰይኮነ ከምኡ ብግብሪ ኣብ’ዛ ዘለናያ ዓለም ንምውሳእ ዝዓለመ ኢዩ።  ኣብርሃም ማስሎ ነዚ ከምዚ ዝኣመሰለ መኸተ ህይወት (self-actualization/human potential) ብዝብሉ ሃንጽቲ ቃላት ክገልጾ ከሎ፡ ደራሲ ኣብ መጽሓፉ ብሰፊሑ ክጠቅሶ ንርኢ። እቲ ቀንዲ ዓላማ ዘመናውያን መንእሰያት ሃገርና ነብሰ-ተኣማንነት (self-confidence/self-realiaztioin) ብምሕዳር ኣብ ክንዲ ንኻልኦት ስፖርታውያን፡ ደረፍቲ፡ ተለሃይቲ፡ ደረስቲ ዓለም ምምላኽን ትፈዞ ምዃንን ብግብሮምን ብገዛእ ጻዕሮምን ክፋለሰፉ፡ ክምህዙ፡ ክፈጥሩ ኣብ’ቲ ዝብጻሕ ክበጽሑ ዘተኰረ ኢዩ። ምኽንያቱ ከምዚኦም ዝኣመስሉ ባህርያት ኣብ’ዛ ብስነ-ፍልጠትን ተክኖሎጂን እተወናጨፈሉ ዘላ ዓለምና ኣዝዮም ወሰንቲ ብምዃኖም።

        ደራሲ ምስ’ዚ ኣተኣሳሲሩ ኣተሓሳስባና (intra-psychic) ንተግባራትናን ንነብስናን (self-image) ዘሎና ኣረኣእያ ክሳብ ክንደይ ጸላዊ ወይ ጐዳኢ ከም ዝዀነ ደጋጊሙ ይጠቅስ። ከምኡ ኣሉታውያን ወይ ዘይሃንጽቲ ጠባያት ከም ዓመጽ፡ ቅንኢ፡ ሕምየት፡ ትህኪት፡ ተጸባይነት፡ ጉርሒ ክሳብ ክንደይ ኣዕነውቲ ባህርያተ-ሰብ ከም ዝዀኑ ድሕሪ ምትንታኑ፡ ኣብ ሕብረተ ሰብና ሱሮም ከይሰዱ ይላበውና። ንኣብነት ትማሊ ምሸት ፕረሲደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣብ ዝሃቦ ቃለ-ምልልስ ከም ዝሰምዕክዎ ክጥቀስ ይከኣል። ነዚኣቶም ንምውጋድን ብኡ’ውን ንምምሕያሽ ደራሲ ኣብ ሜዳ ዝነበረ “ርእሰ-ወቀሳ/self-criticism) ክሳብ ክንደይ ጠቃሚ ምዃኑ የዘኻኽረና።

        ኣብ መወዳእታ ደራሲ ትምህርቲ፡ ስራሕ ከምኡ ቊጠባ  ኣብ ህይወትና ኣዝዮም ኣገደስቲ ምዃኖም ይትንትን። ምኽንያቱ ስነ-ልቦናና (psychological well being): ኣእምሮና (mental health) ከምኡ ስሚዕትና (emotional state) ተዋሃሂዶም ክሰርሑ ምቹእ ኲነት ክፈጥሩ ብምኽኣሎም።  ግን  ነዚኦም ኣብ ግብሪ ንምውዓል ብሓደ ወገን ትምህርትን ስራሕን ዝተኣሳሰረ ንምግባር ከድሊ ከሎ፡ ብሓደ ወገን ከኣ ሕብረተ-ሰብ ከም ማዕርነት፡ ውድድር፡ ብቅዓት፡ ሞያውነት ዝዓሰሎ ጥጡሕ ባይታ (favorable condition) ከሰናድእ ከም ዘለዎ ደራሲ የተሓሳስበና። ምኽንያቱ ኣብ ህንጸት ሃገር ኣዝዮም ረቛሕቲ ብምዃኖም።

        ልዕል ኢልና ከም ዝጠቀስናዮ፡ ፈጠራን መሃዝነትን ምስ ስርዓተ-ትምህርትን (brain-centered education) ስልጣኔ ሃገርን ዝተኣሳሰረ ብምዃኑ፡ ሓደ ነብሱ ዝኸኣለ ጽሑፍ ምድላው የድሊ።

        እዚ መጽሓፍ ብኣዝዩ ዝተማህረን፡ ብዙሕ ዘንበበን ዜጋ ስለ ዝተዳለወ፡ ኣንቢብካ ብግቡእ  ክትርድኦ ምልከት  ቋንቋ እንግሊዝን  ኣፍልጦ ናይ’ዚ ዓውደ ትምህርትን (ሳይኰለጂ)  የድሊ። ከምኡ ማዕረ ሰብዓን ሓደን ምንጭታት ወይ ጽሑፋት (references) ብምውካስ ዝተዳለወ ብምዃኑ፡ መሃርን ሃናጺን ይገብሮ። ብፍላይ እዚ መጽሓፍ ንወለዲ፡ ንመምህራን፡ ንመንአሰያት፡ ንመዓድቲ (counselors) ወዘተ ኣዝዩ ጠቃሚ ኢዩ።

ሃይለ ቦዂረ

ገበር መጽሓፍ ንምርኣይ attachment ጠውቁ።

*ናብ consulting@selam-germany.com ብምጽሓፍ ክጥለብ ይከኣል።


Sponsored Ads
Book Reveiw: "Mnbar/Existentialism" Reviewed by Admin on 12:25 PM Rating: 5

No comments:

All Rights Reserved by Madote © 2016

Contact Form

Name

Email *

Message *

Powered by Blogger.