ሓወይ ምሳይን ኣባይን`ሎ!
ሓወይ ምሳይን ኣባይን`ሎ!
ሓበሬታ ስነኣጠቓቅምኡ ንዝፈልጥ ሓይሊዩ። ብርቱዕ ሓይሊ! ክሳብ ዕዳጋ ኣለዎ ይሽየጥ ይልወጥንዩ። ፈትዩ ብጥርሑ ሓበሬታ ዝህብ የሎን። ሓበሬታ ንግዲዩ። እቲ ዕዳጋ ግን፡ ከም ዝኾነ ዕዳጋ፡ ቡዙሕ ድንግርግር ኣሎዎ። ንኹሉ ተጠንቂቕካ ክትመዝን ይነብረካ። ካብ`ቲ ፈትዩ ነጻ ሓበሬታ ዝህብ ከኣ ብዙሕ ክትጥንቀቕ ኣሎካ። ሓደ ዓይነት ጸወታ’ዩ’ውን እቲ ዕዳጋ። ኣሪጉ ዝመሽመሸ ሓበሬታ መጽዊቱ ንዕኡ ኣገዳሲ ሰብ ምዃንካ ከርእየካ ዝደሊ ሸቃጢ ኣሎ። ወይ ነቲ ሓበሬታ ንዕኡ ብዘገልግል ጠምዚዙ ከዋፍረካ ዝደሊ ጎረሕ’ውን። ኣብ ልዕሊ ተጻረርቱ ኣሉታዊ ቅድመ ፍርዲ ክትሰርሕ ዘታልል’ውን ኣሎ። ክትዕድግ ኬድካ ንባዕልኻ ተሼጥካ ትምለሰሉ ዕዳጋ’ውን ኣሎ። ዳንኤል ተስፋይ።
ግዝኣተን ዘነጸራ ኩለን ዴሞክራስያውያን ይኹና ዘይ ዴሞክራስያውያን ሃገራት፡ ድሕነት ህዝበን ክሕልዋን ረብሓታተን ክከላኸላን ሕጋዊ መሰል ኣለወን። ነዚ ሕጋዊ መሰል ንምትግባር ዝሕግዙ ረቛሒታት ብዙሓት እኳ እንተኾኑ፡ ገዛእ ጸጥታዊ ርግኣት ሃገር ግን ብቐዳምነት ዝስራዕ ዕማም`ዩ። እብ`ዛ ናብ ቁሸት ዝጸበበት ዓለም ብዘይ ምትሕግጋዝን ምምልላእን ናይ ካልኦት ሃገራት በይና ሓንቲ ሃገር ክትምዕብል ዘይሕሰብ`ዩ። ከምኡ ስለዝኾነ ድማ ሓንቲ ሃገር ኣብ ልዕሊ`ቲ ናይገዛእ ርእሳ ትካላዊ ዓቕምን ጸጋን ብዛዕባ ካልኦት ሃገር ዝሕለንን ዝውጠንን ነገራት እንተፈሊጣ ጉዳያ ከተጻፍፍን ሓይላ ከተደልድልን ይሕግዛ። ነዞም ብኻልእ ዝውጠኑ ነገራት ንምፍላጥ ዝሕግዝ መስርሕ ስለያዊ (intelligence) ዓቕማ ግን ሓያል ምስ`ዝኸውን`ዩ።
ስለያ ክብሃል እንከሎ ብሕልፊ CIA, MI16,MOSSAD, ዝብሉ መጸውዒታት ኣብ ኣእምሮ ቡዙሓት ዝፈጠርዎ መረዳእታ ሰለዘሎ፡ satellite, advanced computer, smart phones ዝብሉ ኣምራት ምስተሓወስዎም ንዓና ገባሮ ወይ ተጣየስቲ ኣዚዩ ፍሉይ ነገር ዝገብሩ ይመስለና`ዩ። ኣብ መወዳእትኡ እንተድኣ ሪኢናዮ ግን ስለያ ሓበሬታ ምእካብን ሓበሬታ ምዝርጋሕን`ዩ ስርሑ። ክንዪኡ ዝኸይድ ካልእ ዋኒን የብሉን። እቲ ዝእከብ ሓበሬታ ግን ከከም ኣድላይነቱ ንጽቡቕን ሕማቕን ይጥቀሙሉ።
ኣብ’ዘን ዝሓለፋ ዓመታት ብዛዕባ ኤርትራ እንታይ ጽቡቕን ሕማቕን ሓበሬታ ተሓቢሩ ንኽፈልጥ ክረኽቦ ዝኽእል ዘበለ ሓበሬታ ኣብ ምንዳይ ብዙሕ ግዜ በሊዐ። ቃለ-ምሕትት ናይ ኣብ ዝተፈላለየ ወተሃደራውን ሲቪላውን ጽፍሕታት ሃገርና ዝነበሩን ኔርና ዝብሉን ውልቀ ሰባት ዝሕብርዎ፡ ተጣበቕቲ መሰል ደቂ ሰባት ኢና ዝብላ ትካላት ዝሕብርኦ፡ ቡዙሓት ናይ ኤርትራውያንን ዘይኤርትራውያንን ናይ ኢንተርነት መርበባት ብዛዕባ ኤርትራ ዝሕብርኦ ተኽታቲለ። ኩሎም ሓበርቲ ከም ዋልታ ዝጥቀሙሉን ንጽህንኦም ከመስክሩሉ ዝፍትኑን ስነ ሞጎት ከኣ ”መንግስቲ ኤርትራን ደገፍቱን ንዓና ተለኣኣኽቲ CIAን ዕሱባት ወያነን`ዮም ዝብሉና” ዝብል`ዩ። ብርግጽ ዑሱባትን ተለኣኣኽትን ድዮም ባዕሎም ይፈልጡዎ፡፡ ዝፈልጥዎ ዘበለ ናይ ሃገርና ቁጠባውን ወታሃደራውን ምስጢራት ንዝሓተተን ዘይሓተተን ”ብናጻ” ንኹሉ እንዳሓበሩ፡ ዑሱባትን ተለኣኣኽትን ዘይሙዃኖምከ እንታይ መረጋገጺ ኣሎና? ኩሉ ሓባሪ ዑሱብ`ዩ ዝብል ደረቕ ኣተሓሳስባ የብለይን። ኩሉ ሓባሪ ደላይ ጽቡቕን ኣራምን`ዩ ዝብል የዋህ`ውን ኣይኮንኩን። ደቂ ሰባት ምስ ክዉኑነት ምስዘይቃደዉ ግን ንህይወቶም ክብሉ ንህላወኦም ዝህብዎ ክብሪ ኣብ ኣቃውምኦም የንጸባረቕ`ዩ።
እቲ ጽቡቕ ግን፡ መብዛሕትኡ ሰብ ህላወኡ ትርጉም ከምዘለዎን ህይወቱ ክብርቲ ምዃናን’ዩ ዝኣምን። ትርጉም ዘለዎ ህላወ ግን ከብዲ ጸጊቡ ብሰላም ምድቃስን ምትሳእን ጥራሕ ኣይኮነን፡፡ ከምኡ እንተዝኸውን ቡዙሓት ብምጽወታ ዝናበሩ ዘለዉ ምዓገቡ ኔሮም። ትርጉም ዘለዎ ህላወ ንዘሎና ሰብኣዊ ዓቕሚ ወይ እውን ተፈጥሮኣዊ ጸጋታትና ተጠቂምና፡ ባህግታትናን ራኢታትናን ብዘይ ገለ
ገዛኻ ኣንዲዱ ኣብ ገዝኡ ዘዕቁበካ ድዩ ዝሓልየልካ? ወይስ ብረሃጽካ ገዛኻ ስራሕ! ዝብል። ሞጎጎኻ ኣፍሪሱ እንጀራ ዝቶኾበልካ ለጋስ ድዩ? ንስድራኻ ብዘይ ንሕስያ ሓሪዱ ኣይትብከ እንዳበለ ንብዓትካ እንተደረዘ ለዋህ ድዩ? ብሓቂ ዘለናዮ እዋን ነዚ መልሱ ከም ትሑዝ ወሲድካ ከም ሕቶ ከተቕርቦ ዘይግባእ ሕቶታት ከም እትሓትት’ዩ ዝገብረካ። ኣብ`ዛ ንኹሉ ፍጡር ዘዐንግል ወሓዚ ማና እተፍልፍል መሬት ጠምዩ ዝሓድር ፍጥረት ፈጺሙ ክርከባ ኣይምተገበአን፡ ካብ ንመንበሪናን ንቀለብናን ሓሊፉ ንመጋየጺ ዝኾነና ጸጋ’ውን ዘይበቐቐትልና ክነሳ፡ ቦታ ከምዝተሳእነ ናይ ካልእ መሬት ዘቋምት ክህሉ ኣይምተገብእን። ስስዐ መሰረት ኩሉ ጸገም ኮይኑ ተበለጽቲ ስለ ዝወለደ ግን ዓለምና ተበጽቢጻ። ተበላጺ ወትሩ ሓላይኻ እንዳመሰለ ስለ ዝቐርበካ፡ ግርህ እንተልካ፡ ደምካ ሰትዩ፡ ኣንጉዕካ መጺዩ፡ ዘየድልዮ ነገር እንተ ተረፈካ፡ ንቡር ከይሃበ ናብ ዝብኢ ስጋብ ዝስንድወካ ሓላይ’ኻ እዩ ዝመስለካ። ”ውሕጅ እንዳኣስሓቐ ይወስድ” ከምዝተባህለ፡ ኣወሳስዳ ውሕጅ ከም ስልቲ ዝጥቀመሉ ገባቲ’ሎ!! እቶም ብዓይኒ መርፍእ ከይሓለፍካ ዝርከርብ ዘላቒ ራህዋ ከምዘየለ ዝፈልጡ ንቑሓትን ተባዓትን ግን፡ ንተበላጺ ምብዳህ ሓንትን ዝበለጸትን ምርጫ ምዃና ስለዝፈልጡ፡ ብሓያል ተጻብኦ ከይረዓዱ፣ ብነውራም ጸለመ ከይተሰከፉ ፣ ብደም ዝሰኽረ መልኣከ ሞት እንዳሃደኖም ፣ እንዳተጸመሙ ይጽመሙ። ጽባሕ ዝበለጸት ንኽትከውን ድማ ሎሚ ብትብዓት ይቃለሱ።
ህይወት ብኽልተ ተጻረርቲ ሓይልታት ማለት ሕማቕን ጽቡቕን ስለ ዝቖመት ግን፡ ክም’ቲ ጅግናን ተባዕን ዘሎ፡ ስሱዕን ጃጃውን እውን’ሎ። ስለዚ’ዩ ድማ ኣብ ነፍሲ-ወከፍ ታሪኻዊ ምዕራፍ ዓለም ተወኪስና ብጽቡቕን ብሕማቕን ዝዝከሩ እዋናት ይኹኑ ውልቀ ሰባት ንረክብ። ኣብ’ዚ ዘሎናዮ ዘመን እውን እንተኾነ ገሊኦም ንረብሓ ሃገርን ንስለ ዉጹዕ ህዝብን ክብሉ ነቲ ንቡርን መሰረታውን ጠለባት ናይ ወዲ ሰብ ተሓሪሞም እንዳተቓለሱ፡ ብኣንጻሩ ድማ ካልኦት ስሱዕ ሸውሃቶም ንምርዋይ ብዋጋ ሃገርን ድኻ ህዝብን ክጣልዑ ንርእይ ዘሎና። እዚ ማለት ግን ኣብ ትሕቲ ጸሓይ ሓድሽ ነገር ስለ ዘየለ እዚ`ውን ክሓልፍ`ዩ እንዳበልና ንዝኾነ ዘጋጠመና ዘበለ ከም ጽሕፍቶና ተቐቢልና ትም ንበል ማለተይ ከምዘይኮነ ትስሕትዋ ኣይብልን። ኣንጻር ዓመጽን ስሰዐን ግድን ክንቃለስ ኣሎና! እቲ ቐዳማይ ኩሉ ህዝብና ክሰማማዓሉ ዘለዎ፡ ቃልስና ክሓጽርን ኣድማዒ ክኸውንን ግን ነቲ ዓማጺ ምልላይ`ዩ። ብንጹር ክግለጽ መታን ቀዳማይ ጸላኢ ኤርትራ ይኹን ጸገም ናይ እዛ እንነብረላ ዘለና ዓለም ሕጂ`ውን ኣሜሪካን እቶም ንናይ ኣሜሪካ ስሱዕ ስነሓሳብ ንምስፍሕፋሕ ብፍላጥ ይኹን ብዘይፍላጥ ዝጽዕሩ ዘለዉ ተለኣኣኽቲ ኣሜሪካን እዮም። ኣብ`ዚ ነጥቢ ተረዳዲእናን ኣንጻር እዚ ስሱዕ ስነሓሳብ ብግብሪ እንተዘይተቓሊስናን ጸገምና ኣይክውዳእን`ዪ እንተበልኩ ሕማቕ ትምኒት ዘይኮነስ፡ እቲ ዝኸውን ጥራሕ`የ ዝእምት ዘለኹ።
ሙሴ ተኸስተ
![]() |
Heroic EPLF fighters |
.jpg)
Post Comment