Top Ad unit 728 × 90

Trending

random
.

Aesop Fables


                                   ምስላ ዛንታታት ኤሶጵ
                                   ልቦና ግሪኻውያን


ዝከረኒ ቅድሚ ዓሰርተ ዓመት ኣቢሉ ሓንቲ ኤርትራዊት ኣደ፡ “ ኣነ ንእሽቶ ቦኹሪ ወዲ ኣሎኒ። ትግርኛ ክምህሮ ኣዝየ ኢየ ዝደሊ። እንታይ’ሞ ንዕኡ ዝኸውን መጽሓፍ ክረክብ ኣይከኣልኩን። እዞም ትሸጦም ዘሎኻ መጽሓፍቲ ናይ ዓበይቲ ኢዮም” በለትኒ። ብቋንቋ ዕድሜ ዝደፍኡ ኤርትራውያን ማለታ ኢያ። ልዕሊ ኹሉ ግና ብንያም ኣርኣያ ከም ኣቦ ቆልዑን ግዱስ ኤርትራዊን ከም ዝደፋፋኣኒ ወትሩ እዝክር።

ልክዕ ኢዩ… ቆልዑ  መጽሓፍቲ ክገዝኡ ስለ ዘይክእሉ፡ ልዑል ኣቃልቦ ኣይተዋህቦምን። ስለዚ ዝዀነ መጽሓፍ ነቶም ክገዝኡ ዓቅሚ ዘለዎም ሰባት ዝዓለመ ይመስል። ኣብ ርእሲ’ዚ ብዝተፈላለዩ ማዕከናት ሃገር ስለ “ዋሕዲ መጽሓፍቲ ቆልዑ” ክንገር ዝጸንሔ ኢዩ። ሓተታኡ ሰፊሕ ኢዩ፡ ምኽንያቱ ዝተማልኤ ናይ ሰብ ዓቅሚ (human power): ስርዓተ-ትምህርቲ ህየሳ (curriculum development) ከምኡ ተሳትፎ ወለዲ (parental involvement) ዘድልዩ ብምዃኖም።

ብመሰረቱ እዚ መጽሓፍ ነቶም ኣብ ወጻኢ ዘለው ዝዓለመ ኢዩ። ንመጀመርያ እቶም ናብ ብዙሓት ቋንቋታት
ዓለም ዝተተርጐሙ “ ዛንታታ ኤሶጵ” (Aesop Fables)፡ ብኹሉ ዝርድኦ ትግርኛ ተተርጒሞም ኣለው። ከምኡ ንምርድኦም ምእንቲ ክጥዕም ነፍሲ ወከፍ ዛንታ ምስናይ ድሙቅ ስዕሉ (engraved picture) ቀሪቡ ኣሎ። እዚ ክኸውን ከሎ፡ ዛንታ ምንባብ ጥራይ ከይኰነስ፡ እንታይድኣ ቆልዑ ነቶም መሰጥቲ ስዕልታት ብምርኣይ ብሃንቀውታን ብትግሃትን “ኣሳኣእላ ንምምሃር” ኢዩ። እዚ መጽሓፍ ብድምሩ ካብ ተስዓ ንላዕሊ ሓጸርቲ ዛንታታት ኣለዎ። ብፍላይ ወለዲ ደቆም ብዝርድእዎ ቋንቋ ነቶም ዛንታታት ብምንጋር (rewording/adaptation)፡ ንዓታቶም ዝመሳሰሉ ጽውጽዋያት ብዝቀለለ መንገዲ ብምግላጽ ካብ ብቃል ብግብሪ ክሳተፉ የድሊ። ምኽንያቱ ቆልዑ ካብ እንብሎ፡ እንገብሮ ዘበለ ምስዓቡ ስለ ዝቀለሎም። Children are realistic by nature; and for this,  teach them by example እኳ’ድኣ ይበሃል።

ዛንታታት ኤሶጵ ዕድሜ ብዘየገድስ፡ ኩሉ ክንብቦም ይኽእል። ምኽንያቱ ፍረ ነገሮም ምስ ህይወትና ዝተኣሳሰሩ ብምዃኖም።

ብመሰረቱ ግን... ዕላማ ናይ’ዚ መጽሓፍ’ዚ፡  ኣብ ኤርትራ ንምሕታም ኢዩ። እወ ፍልጠት ምትሕልላፍ (transfer of knowledge)  ዝብል መትከል ብምግባር። ስለዚ ዝዀነ ዜጋ ኣብዚ ዕማም ክትሓባበረና ንደሊ። ልዕሊ ኹሉ ግና ኣባላት ወይ ሓለፍቲ ማሕበረ-ሰብ ኣብ ስደት (ዲያስፖራ) ዘለው።

 “ደቅና ቅድመና” ወይ our children come first ዝብል መርሖ ብምኽታል ንቅድሚት ንገስግስ። ዮሃና ማሕተም ኣብ ዝስዕብ  ንቖልዑ ኤርትራውያን ዝዀኑ መጽሓፍቲ ዘቅርብ ምዃኑ ነፍልጥ።

ንሓበሬታ፡ HBokure@aol.com ጽሓፉ።
Sponsored Ads
Aesop Fables Reviewed by Admin on 12:00 AM Rating: 5

No comments:

All Rights Reserved by Madote © 2016

Contact Form

Name

Email *

Message *

Powered by Blogger.