Top Ad unit 728 × 90

Trending

random
.

ጸብጻብ ፈስቲቫል ኤርትራን ጽንብል ባሕቲ መስከረምን ከተማ ዊንፐግ ካናዳ መስከረም 5-7, 2015 ኣብ ትሕቲ “ልምዓት ብጽንዓት” ዝብል ቴማ ብዓወት ተዛዚሙ።




ቀዳም 5 መስከረም 2015 ኣብ ሜዳ ሰይት ቪታል ፓርከ ዝተኻየደ መደብ ብዝተፈላለየ ናይ ዓበይትን ናኣሽቱን ስፖርታውን ባህላውን መደብ፡ በኣዴታት ዝቐረበ ዝተፈላለየ ባህላዊ መግብታትን መስተን ብናይ ንኤርትራን ምዕባሊኣን ዘንጸባርቑ ዝተፈላለዩ ኣልባሳትን ባንዴራን ወቂቡ ዊዒሉ።
ሰንበት መስከረም 6, 2015 ዝተኻየደ ናይ ሳዕስዒትን ባህላውን ምሸት ብናይ ዊኒፐግ ሰነጥበባውያንን፡ ብመንእሰያትን ዝቐረበ ግጥምታትን መግለጽታትን ንወኒን ልብን ህዝቢ ዘንቀሳቐሰን ንሃገራውነት ዘበረኸን መደብ ነይሩ።
ከም መዛዘሚ ሰሚናርና ሰኑይ መስከረም 7, 2015 ብኣቶ ኤልያስ ኣማረ ኣገዳስን እዋናውን ሰሚናር ተዋሂቡ። ኣቶ ኤልያስ ኣማረ ናይ ዝሑል ኩናት ምብቃዕን ብድሕሪኡ ዝተከሰተ ዓውሎማን/ግሎባላይዘሽን ሳዕቤናቱ ኣብ ልዕሊ ዓለምን ኤርትራን ብዘየማትእ ቃላት ብንጹር ንህዝቢ ኣብሪሁ። ብተውኺ ኤርትራን ህዝባን ግዳይ ናይ ዘይሓላፍነታዊ እገዳን ጸቕጥታትን መንግስታት ናይ ሰብኣዊ መሰላት ኮሚተ ብዛዕባ ኤርትራ ዘቕረቦ ጸብጻብ ብማእለያ ዘይብሎም ሓሶታት ዝተላዕጠጠን፡ ንቡር ናይ ምርምርን ፍተሻን ኣገባብ ዘይተኸተለን ከምዝነበረ ኣቶ ኤልያስ ኣማረ ጭብጥታት ብምስናይ ብተወሳኺ ኣቃሊዑ። ኣብ መጨረሻ ኣቶ ኤልያስ ህዝቢ ከምቀደሙ ሓድነቱ ኣትሪሩ መኸትኡ ከበርትዕ ብምልባው መደሩኡ ዛዚመ

ኣብ መጨረሻ ገዛ ንሕቶን መልስን ከፋት ኮይኑ፡ ተሳተፍቲ ሕቶታቶም ኣቕሪቦም ንሕቶታቶምውን ኣዕጋቢ ምልሲ ከምዝረኸቡ ድሕሪ ምግላጾም ሰሚናር ተዛዚሙ።

ሽማግለ ብዓላት ዊኒፐግ ማኒቶባ!!










Sponsored Ads
ጸብጻብ ፈስቲቫል ኤርትራን ጽንብል ባሕቲ መስከረምን ከተማ ዊንፐግ ካናዳ መስከረም 5-7, 2015 ኣብ ትሕቲ “ልምዓት ብጽንዓት” ዝብል ቴማ ብዓወት ተዛዚሙ። Reviewed by Admin on 12:24 AM Rating: 5

No comments:

All Rights Reserved by Madote © 2016

Contact Form

Name

Email *

Message *

Powered by Blogger.