Top Ad unit 728 × 90

Trending

random
.

ንፋሚሊ ኣይዲን(FAMILY ID) ንመንነትን(ER-ID) ዝምልከት ህዝባዊ ኣኼባ ኣብ ኣብ ከተማ ቶሮንቶ ብ8 መጋቢት 2015 ተኻይዱ።



ንፋሚሊ ኣይዲን(FAMILY ID) ንመንነትን(ER-ID) ዝምልከት ህዝባዊ ኣኼባ ኣብ ኣብ ከተማ ቶሮንቶ ብ8 መጋቢት 2015 ተኻይዱ።
ህዝባዊ ሰሚናራት ዝተኻየደል ከተማታት ካናዳ፡- 

  • Ottawa, Montreal, Winnipeg, Kitchener, London, Vancouver, Victoria, Saskatoon, Regina Edmonton Calgary & Toronto.


ናብ^ዘን ኣብ ላዕሊ ኣስማተን ዝተዘርዘራ ከተማታት፡ ካብ ወርሒ ሕዳር 2014 ክሳብ መጋቢት 2015 ተኻይዱ።  ናይተን ተሪፈን ዘለዋ ከተማታት ካናዳ ድማ ክቅጽል ምዃኑ ንሕብር።
ዕላማ ናይ ህዝባዊ ኣኼባታት፡ ነቲ ብኽፍሊ ኢምግረሽንን ዜግነትን ድሕሪ መላእ ሓርነት ኤርትራ  ኣብ 1993 ኤርትራዊ ወረቐት መንነት ተዓዲሉ ዝነበረ፡ እዚ ሕጂ መተካእታ ኤ/ወ/መንነት ዝቐርብ ዘሎ፡ ብዓይነቱ ዝበለጸ ምድላዋት ዝተገብረሉ ኢዩ።
ናብዘን ኣብ ላዕሊ ዝተጠቅሳ ከተማታት ሰሚናራት ዘካየዱ ኣባላት ቤት ጽሕፈት ጠ/ቆንስል ሃገረ ኤርትራ ቶሮንቶ ድማ

1.     ኣማረሽ መብራህቱ፡

2.     ሳሚኤል ዑቅቡ

3.     እስቲፋኖስ ንጉሰ

4.     ተኽለ ገብረመስቀል

5.     .ኣሰፋው ሰነጋል ምንባሮም ንሕብር።

ብዕለት 8 መጋቢ 2015 ህዝባዊ ሰሚናር ኣብ ከተማ ቶሮንቶ ብኣቶ ኣሕመድ ኢማን ሓ/ቆ/ጉዳያት ተኻይዱ። ኣብዘን ዝተጠቅሳ ከተማታት ነበርቲ ዝኾኑ ኤርትራውያ ሃገራውያን ብተገዳስነት ከም ዝተሳተፍዎ። ካብ ኩሉ ማሕበራውያን ሓይልታት፡ ማሕበረ ኮማት፡ ምእመናታን ውልቀሰባትን ኣብተን ምዝገባ ከካይዳ ዝቆማ ሽማግለታት ተወኪሎም ከም ዘለው ንሕብር። ዝቐርብ ዝነበረ ሕቶታትን ርእይቶታትን ድማ ብኣገባብ ይበርህ ከም ዝነበረ ውን ይግለጽ ።
ዘልኣለማዊ ክብርን ሞጎስን ንሱውኣትና!!
ዓወት ንሓፋሽ!!













Sponsored Ads
ንፋሚሊ ኣይዲን(FAMILY ID) ንመንነትን(ER-ID) ዝምልከት ህዝባዊ ኣኼባ ኣብ ኣብ ከተማ ቶሮንቶ ብ8 መጋቢት 2015 ተኻይዱ። Reviewed by Admin on 9:21 AM Rating: 5

No comments:

All Rights Reserved by Madote © 2016

Contact Form

Name

Email *

Message *

Powered by Blogger.