Top Ad unit 728 × 90

.

“ኤርትራን ኣሜሪካን ኮሚኒቲ ላስ ቬጋስ” - ናይ መወዳእታ ሽርሒ ወያነ!!



“ኤርትራን ኣሜሪካን ኮሚኒቲ ላስ ቬጋስ”
ናይ መወዳእታ ሽርሒ ወያነ!!

By YPFDJ-Vegas

ናይ ከዳሚ ስርዓት ወያነ ላዕለዎት ሓለፍቲ “ኤርትራዊያን ውሻጤኦም ጹቡቅ ጌርና ስለ እንፈልጦም ልክዕ ከም ሶማል ፋሕ ከነብሎም ኢና።” “ኤርትራዊያን እታ ኤርትራ ትብል ቃል ረሲዖም ብእንዳን ቀቢላን ኣዉራጃን ከም ዝዛረቡ ክንገብሮም ኢና” ክብሉ ብተደጋጋሚ ክፍኩሩ ከምዝጸንሑ ዝፍለጥ እዩ። ነዚ ዘይግሃድ ጠፋሽ ሕልሞም ግብራዊ ክገብሩ ድማ ሓድነት ኤርትራዊያን ክብትኑ ስለ ዝነበሮም እቲ ዝልዓለ ባጀት ሰሊዖም ክንቀሳቀሱ ካብ ዝጅሙሩ ድሮ ዓሰርተታት ዓመታት እኳ እንተቁጸሩ ብዘይካ በጻብዕቲ ዝቁጸሩ ዑሱባት ምዉዳብ ካልእ ዘፍረይዎ ነገር ኣይነበረን።

ሎሚ እዉን እንተኾነ ከደምቲ መራሕቲ ወያነ ንኣብ ወጻኢ ዝነብር ህዝብና ሓድነቱ ንምዝራግ ሓድሽ ሜላ ብምኽታል ለይትን ቀትርን ክሰርሑ ይርኣዩ ኣሎ። እዚ ድማ ነቶም ብስም ኤርትራዊያን ካብ ትግራይ ናብ ዲያስፖራ መጺኦም ከም ኤርትራዊያን ተመሲሎም ኣንጻር ህዝብን መንግስቲ ኤርትራን ዝንቀሳቀሱ ዘለዉ ተወላዶ ትግራይ በቶም በጻብዕቲ ዝቁጸሩ ዑሱባት ኣቢሎም ነቲ ናይ ኤርትራዊያን ሓድነት ምብታን እከይ ተግባራቶም ንምቅጻል ሽፋን ዝኾኖም ናይ “ኤርትራዊያን ማሕበረ ኮም” ምምስራት ዝብል እዩ። ነዚ ሓቂ ዘግህድ ተርእዮ ድማ እቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ላስ ቬጋስ ተጌሩ ዝተባህለ ብኣዝማሪኖን ኣሰናን ዝተሓበረ ወረ እዩ።

እቲ በቶም ብዘይጠቅማ ቁንጣሮ ገንዘብ ተዓሲቦምን፡ በተን ኣዲስ ኣበባን መቀለን እንዳተመላለሱ ዘምጽእወን፡ ሽሮን በርበረን ዙርያን ተጠቢሮም፡ ናይ ሓሳድ ወያነ ኢደበይዛ ብሙኻን፡ ንሓድነት ኤርትራዊያን ነበርቲ ላስ ቬጋስ ንምብታን፡ ለይትን ቀትርን ከይተሓለሉ ዝሰርሑሉ ግብረ እከይ ተግባራቶም፡ ፍረ ኣልቦ ኮይኑ ስለዝተረፈ፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ይኣይ ስትራተጂ ተቀይሩለይ ተባሂሉ፡ “ንሕና ናይ ኤርትራን ኣሜሪካን ኮሚኒቲ ላስ ቬጋስ ካብ ዝኾነ ናይ ፖለቲካ ጽልዋ ነጻ ዝኾነ ማሕበር መስሪትና ኣለና” ክብሉ፡ በተን ስርዓት ወያነ ዘማሓድረን መርበብ ሓቤሬታ ኣዝማሪኖን ኣሰናን ከይሓፈሩ ከምዘጋዋሕዎ ዝዝከር እዩ። ዘገርምዩ!! ካድራት ወያነን ኣሰናን ኣዝማሪኖንን ብኣካል ዝተሳተፍኦን ኣብ መርበባተን ብእልቢ ዘይብሉ ኣንጻር ህዝብን ሃገርን ኣነዋሪ ጸርፍታት ኣሰንየን ዘጋዎሖኦ ዜና ካብ ፖለቲካ ጽልዋ ነጻ ዝኾነ ማሕበር ምባለንሲ ኣየናይ ኤርትራዊ እዩ'ሞ ክደናገር!!!!

እቲ ኣብ ኣዝማሪኖን ኣሰናን ዝለጠፍዎ ናይ ሃበስ ቀደስ ጹሑፋቶም ገዲፍና፡ እዞም ሕጂ ቆርበት በጊዕ ተጎልቢቦም፡ ብስም “ኤርትራን ኣሜሪካን ኮሚኒቲ ላስ ቬጋስ”፡ እቲ ናይ ዑሱብነት ስራሕ ክቅጽሉዎ ዝህቅኑ ዘለዉ ግብረ እከይ ተኳሉ፡ ኣብዚ ዝሓለፈ ኣርባዕተ ዓመታት፡ ዝተፈላለያ ጉጅለታት፡ ንኣብነት ንምጥቃስ፡ ጉጅለ “ሰራዊት ሕድሪ”፡ ጉጅለ “ስምረት መንእሰያት ንለውጢ”፡ ጉጅለ “ደለይቲ ፍትሒ ላስ ቬጋስ”፡ ጉጅለ “ስመር ፓልቶክ”፡ ጉጅለ “ምንቅስቃስ መንእሰያት ንለውጢ”፡ ጉጅለ ጋንታ ኩዑሶ እግሪ ሽመልባ”፡ ጉጅለ “ኣቡነ ኣንበስ ዛላምበሳ”፡ ጉጅለ “እንዳ መስፉን ሓጎስ”፡ ጉጅለ ዘብሔረ ዓዲ ቀይሕን ዝኣመሳሰሉ ካልኦት ናይ እንዳታት ጉጅለታት መስሪቶም ንሓድነት ኤርትራዊያን ነበርቲ ላስ ቬጋስ ንምብታን ዘካየድዎ ኩሉ ሃቀነታት በርዒኑ እዩ ተሪፉ።

ሎሚ እዉን እታ ነዞም ዑሱባት ተኸድሞም ከዳሚት ስርዓት ወያነ፡ ብሙሉእ ህዝቢ ኢትዮጲያ ዋላ እዉን ብህዝቢ ትግራይ ከይተረፈ ተፈንፊናን ተናዒቃን፡ ብዝተፈላለዩ ዕጥቃዊ ቃልሲ ዘካይዱ ኢትዮጲያዊያን ሓይልታት ትጭፍለቅ ኣብዘላትሉ እዋን፡ በዞም ብናይ መቀለ በርበረን ሽሮን ዝጥበሩ ዑሱባት ኣቢላ ሓድነት ኤርትራዊያን ኣብ ላስ ቬጋስ ንምብታን ትገብሮ ፈተነ ፋይዳ ክትረኽበሉ ከምዘይምኳና ካብ ሑሉፍ ዉድቀታታ ክትምሃር ምተገብኣ።

ኣብ ከተማ ላስ ቬጋስ ዝነብሩ ኤርትራዊያን ብዘይካ በጻብዕቲ ዝቁጸሩ ዑሱባት ገዲፍካ፡ ብሙሉኦም ፈተውትን ተሓለቅትን ህዝቦም፡ ንሃገሮምን መንግስቶምን ንጸላእትን ጓኖትን ኣሕሊፎም ዘይህቡ፡ ሙዑታትን ውፉያት ሃገራዊያን ምኳኖም ምግላጽ ዘድልዮ ነገር ኣይኮነን። ብተወሳኺ ግን ነቲ ካብ ላስ ቬጋስ ወጻኢ ዝነብር ህዝብና፡ ሓቀኛ ምስሊ ኤርትራዊያን ነበርቲ ላስ ቬጋስ ክህልዎ መታን፡ እዚ ዝስዕብ ብሰነዳት ዝተረጋገጸ ሓቂታት ምጥቃስ ይክኣል።

ዓወት ንሓፋሽ
መንእሰያት ህግደፍ
ላስ ቬጋስ
ypfdjnevada@gmail.com

Sponsored Ads
“ኤርትራን ኣሜሪካን ኮሚኒቲ ላስ ቬጋስ” - ናይ መወዳእታ ሽርሒ ወያነ!! Reviewed by Admin on 12:10 AM Rating: 5

Post Comment

All Rights Reserved by Madote © 2016

Contact Form

Name

Email *

Message *

Powered by Blogger.