Top Ad unit 728 × 90

Trending

random
.

ጾታዊ ማዕርነት ኣብ ልምዓት ሃገር




ጾታዊ ማዕርነት ኣብ ልምዓት ሃገር



ልምዓት ሃገር ዝብል ኣምር ብዙሕ ትርጉም ኣለዎ። ልምዓት ሃገር ማለት ምዕባሌ ሃገራዊ ቴክኖሊጂ፡ ኢንዲስትሪ፡ መራኸቢታት፡ ሕርሻ፡ ህንጻ፡ ቁጠባን ካልእ ማሕበርዊ ዕብየት ህዝብን የጠቓልል። ኣብ ሕቶ ሃገራዊ ልምዓት፡ እቲ ዘገድስ ነገራዊ ምዕባሌ ጥራይ ዘይኮነ፡ እንተላይ እቲ ኣብ ዜጋታት እታ ሃገር ዝመጽእ ሓፈሻዊ ለውጢ ኣብ መነባብሮን፡ ኣካልን፡ መንፈስን ጥዕናን እዩ፡፡ ኣብ ብዙሓት ዝናኣድ ሃገራዊ ልምዓት ዝተጓናጸፋ ሃገራት ዝረአ ሓደ ኣሰካፊ ጉዳይ ግን ኣሎ። ሃገራዊ ልምዓት ኣብ ነገራዊ ለውጢ ጥራይ ኣቶኲሩን ንዉሑዳት ዜጋታቱ ጥራይ ኣርቢሑን ንብዙሓት ካልኦት ዝርስዕ ዘተሓሳስብ ጉዳይ። ኣብ ብዙሓት ሃገራት ከምዝተረኣየ: ሃገራዊ ምዕባለ ንቕድሚት ክስጉም ከሎ ብዙሓት ዜጋታት ግን ኣብ ዕጹው ዓንኬል ድኽነተ ተሓጺሮም ይተርፉ ኣለዉ። ነዚ ዝፈጥር ድኽመታት ብዙሕ እዩ። ሓደ ጭቡጥ ድኽመት ግን ነቶም ንገዛእ ርእሶም ኣካል ሃገራዊ ምዕባሌ ክገብሩ ኣኽእሎን: ባይታን: ዕድላትን ዝሳኣኑ ዜጋታት፡ ኣካል ሃገራዊ ልምዓት ንምግባሮም ዝውሰድ ሃገራዊ ሕግን ፖሊስን ኣብ ግብሪ ዘይምውዓሉ እዩ። ፕሮግራም ልምዓት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ከምዝገልጾ፡ ደቀንስትዮ ኣብ ትምህርቲ፡ ጥዕናን፡ ሽቕለትን ፖለቲካዊ ውክልናን ካልእን ኣሉታዊ ኣድልዎ ብዙሕ ጊዜ የጋጥመን እዩ። ኣብ ከምዚ ዓይነት ኩነታት ዝያዳ ዝህሰዩ፡ እቶም ንገዛእ ርእሶም ከማዕብሉን፡ ክከላኸሉን ዕድመን፡ ጾታን፡ ኣካላዊ ብቕዓትን ዘየገላብጦም ከም ህጻናት፡ ኣካለ ስንኩላን፡ ኣረገውትን፡ ደቀንስትዮን ዝኣመሰሉ እዮም። ምርግጋጽ ጾታዊ ማዕርነት ኣብ ሃገራዊ ልምዓት እምባኣር፡ ነተን ብሰንኪ ማሕበራውን ቁጠባውን ጸቕጥታትን በደላታን፡ ካብ ሃገራዊ ልምዓት ዝግለላ ደቀንስትዮ ኣቶኲሩ፡ ተሳታፍነተን ዝረጋግጻሉ ባይታ ዝፈጥር እዩ።

ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ፡ ንጾታዊ ማዕርነት ደቀንስትዮ፡ ብመትከልን ግብርን ተቓሊስሉን ሰሪሕሉን እዩ። ህዝባዊ ግንባር መሰል ደቀንስትዮ ኣብ ሕቶ መሬት፡ ሕርሻ፡ ባይቶ፡ ማሕበራዊ ውዳቤታትን፡ ኣብ ትምህርቲ ጥዕናን ሽቕለትን፡ ብዓብዩ ድማ ኣብ ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ኤርትራውያን ደቀንስትዮ ጎኒ ጎኒ ኣሕዋተን ደቂተባዕትዮ ክቃለሳን ከቃልሳን ክመርሓን ኣኽኢሉ እዩ። ኣብ ህዝባዊ ግንባር ልዕሊ 30% (30,000) ደቀንስትዮ ምንባረንን ኣብ ኩሉ ወታሃደራውን ማሕባራውን ፖለቲካውን መደባት ይሳተፋ ምንባረን ሰነዳት ይምስክሩ። ኣብ ወጻኢ ሃገርን ኣብ ውሽጢ ጸላእን ከይተረፈ፡ ኤርትራውያን ደቀንስትዮ ታሪኽ ሰሪሐን እየን። ህዝባዊ ግንባር፡ ደቀንስትዮ ብጥርኑፍ ተወዲበን መሰለን ብጻዕረን ከረጋግጻ ዘኽኣለን ሃገራዊ ማሕበር ደቀንስትዮ ካብ እግሪ ተኽሊ መስሪቱን ኮስኪሶን እዩ። መሰለን ብሕጊ ክረጋገጽ ድማ ኣብ 1977 መሰል ደቀንስትዮ ብንጹር ኣብ ሃገራዊ ዲሞክራስያዊ ፕሮግራሙ ኣስፊርዎ እዩ። ብተወሳኺ ኣብ 1984 ንመሰል ደቀንስትዮ ዝሕሉ መርሓ ሕንጻጽ መርዓ ኣውጺኡ እዩ። ብደረጃ ዓለም ጽልዋ ዘሕድር ብቑዕ ኣብነትዊ ሃገርዊ ትካል ሃማደኤ ምህናጹ ድማ፡ ምስክር እምነት ህዝባዊ ግንባር ኣብ ጾታዊ ማዕርነት እዩ። ኤርትራውያን ደቀንስትዮ ብወገነን በቲ ዝተፈጠረለን ዕድልን፡ ንድርብ ወጽዓ ብምቅላስን፡ ሃገራዊ ማሕበር ኣብ 1979 ኣቒመን። ነቲ ኣብ ጊዜ ሰውራ “ማዕርነት በተኻፋልነት ኣብ ስራሕ” ዝብል ጭርሖአን ብምቕጻልን ብምሕዳስን ድማ መሰለን ኣብ ናጻን ልኡላዊትን ኤርትራ ዘረጋግጻሉ ባይታ ሃኒጸን ኣለዋ።


ኤርትራ ሃገራዊ ልምዓት ብሰብኣውነት ኣማእኪሉ ክዓቢ ትገብር ዘላ ሃገር እያ። ሰብኣዊ ምዕባለ ክባሃል ከሎ ኣብ ነገራዊ ልምዓት ከይተሓጽረ ዜጋታት ከም ደቂሰብ መጠን ብኣካልን፡ ኣእምሮን፡ መንፈስን ተሃኒጾም ተኻፈልቲ ጸጋታት ሃገሮምን ሃነጽቲ ኩለንትናዊ ምዕባሌኦምን ዝገብር እዩ። ንማእከልነት ሰብ ኣብ ምዕባሌ ኣመልኪቱ ሃገራዊ ቻርትር ኤርትራ ከምዚ ይብል፡ “... ኣብ ናይ ምዕባሌ ስትራተጅና ኩሉ ሳዕ ሰብ ማእከላይ ቦታ ክሕዝ ኣለዎ ... ብቐዳምነት ኣብ ሰብ ክምርኮስ፡ ነገርውን መንፈሳውን ድሌታቱ ንምርዋይ ክዕልም ኣለዎ”። ካብ ሰብ ናብ ሰብ ድማ፡ ኣብ ኤርትራ ኣቶኵሮ ዝግበኦም ዜጋታት ዓቕሚ ደሊቦም ብሕግን፡ ተወዳዳርነትን፡ ተሳታፍነትን፡ ብቕዓትን መሰሎምን ሰብኣውነቶምን ኣብ ምዕባሌ ዘረጋግጽሉን፡ ዘውሕሱሉን ሃገርዊ ልምዓት ይሰላሰል ኣሎ። ሃገራዊ ቻርተር ኤርትራ ንራእይ ማሕበራዊ ፍትሒ ኣመልኪቱ “ፍሉይ ቆላሕታ ንዝተወጽዑ ወገናት” ይብል። ነዞም ኣተኵሮ ተጌርሎም ኣብ ሃገራዊ ልምዓት ኤርትራ ተሳታፍነቶም ክረጋግጸ ዝጻዓረሎም ዘሎ ዜጋታት ተወሳኺ ብራኸ ንምሃብ፡ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ርእሲ እቲ ካብ ጊዜ ብረታዊ ቃልሲ ኣትሒዙ ዝሰራሓሉ መትከላትን ፖሊሲታትን ኣካል ኣህጉራዊ ውዕላትን ትካላትን ኮይኑ ኣሎ። ንኣብነት ኣብ 2000 ዓ.ም. ኤርትራ ነቲ ንምኽባር መሰል ደቂሰብን ማዕረ ዕድላት ንደቂተባዕትዮን ደቀንስትዮ ንምትብባዕ ኣገዳሲ ዝኾነ ውዕላት ዓለምለኻዊ ውድብ ዕዮ ኣጽዲቓቶ እያ። ስለዚ ኣብ ኤርትራ ጾታዊ ማዕርነት ኣብ ልምዓት ሃገር ክረጋገጽ ዝተሰራሓሉን ዝስራሓሉን ዘሎ እዩ።

ብደረጃ ሃገር፡ ጾታዊ ማዕርነት ኣብ ልምዓት ንምርግጋጽ፡ መንግስቲ ኤርትራ ዝኽተሎም ራእይን ፖሊስን ንጹራት እዮም። ሃገራዊ ቻርተር ንራእይ መጻኢ ክግለጽ ከሎ “ሕበረተሰብ ኤርትራ ብስኒት ኣብ ሞንጎ ዝተፈላለዩ ክፍልታቱ፡ ብማዕርነት ኣብ ሞንጎ ወዲ ተባዕታይን ጓል ኣንስተይትን ... ዝልለ ክኸውን” እዩ ይብል። ንዕላማ ማሕበራዊ መሰላት ክገልጽ ከሎ ድማ፡ “ደቀንስትዮ ኣብ ኩሉ ሜዳታት ብማዕርነት ተሳተፍቲ ንኽኮና ምጽዓርን፡ ንማዕረ ስራሕ ማዕረ ደሞዝ ከምዝረኽባ ምርግጋጽን። ብማሕበር ተወዲበን መሰላተን ንኽከላኸላ ምትብባዕን” ይብል። ስለዚ ጾታዊ ማዕርነት ኣብ ልምዓት ሃገር ኣብ ሃገራዊ ቻርተር ሰፊሩ ዘሎ እዩ።

ካብ ሕግታትን ፖሊሲታትን መንግሲት ኤርትራ ንምጥቃስ ማክሮ ፖሊሲ 1994፡ ኣዋጅ ሲቪላዊ ሕጊ ቁ.1/1991፡ ኣዋጅ ተጠቃምነት መሬት ቁ.58/1994፡ ንድፊ ቅዋም ኤርትራ 1997፡ ከምኡ ድማ ናይ ኤርትራ ናይ ጀንደር ፖሊስን ሃገራዊ መርሓ ግብሪ ጀንደር 2004 ኣብነታት እዮም። ኣብ 1995 መንግስቲ ኤርትራ ነቲ ንኽሉ ዓይነት ኣድልዋ ኣብ ልዕሊ ደቀንስትዮ ዘወግድ ውዕል ኣጽዲቕዎ እዩ። ኣብ 2007 ድሕሪ ሓያል ጻዕሪ ምኽንሻብ ደቀንስትዮ ብኣዋጅ ቁ.158/2007 ብሕጊ ተኽልኪሉ ኣሎ። መጽናዕቲ ባንክ ልምዓት ኣፍሪቃ (2014) ከምዝሕብሮ ኤርትራ ኣብ ምጽባብ ጾታዊ ጋግ ብቕዓትን ደረጃ ትምህርትን ደቀነስትዮ ብምሕያል ዝረአ ዓወት ኣመዝጊባ ኣላ። እዚ መጽናዕቲ ከምዝሕብሮ ኣብ ኩለን ሚኒስትርታት መንግስቲ ጾታዊ ኣተኵሮ ዝከታታል ኣሃዱ ክቐውም ሃማደኤን መንግስቲ ኤርትራን ተበግሶ ወሲዶም ኣለዉ። ሃገራዊ ፖሊሲ ኤርትራ ኣብ ትምህርቲ፡ ጥዕና፡ ኣከባቢ፡ ጻዓት፡ ሕርሻ፡ ውሕስነት መግቢ፡ ዋኒን ንብረት፡ ውርሻን ካልእን ንጾታዊ ማዕርነት ዘረጋግጹ ዓንቀጻት ኣለውዎ። እዞም ፖሊሲታት እዚ’ኣቶም ንጾታዊ ማዕርነት ኣብ ልምዓት ሃገር ብኹሉ ሸነኻቱ ዝጸልዉ እዮም። ነተን ፍርቂ ሕበረተሰብ ዝኾና ደቀንስትዮ ካብ ተጸበይቲ ናብ ንጡፋት ኣካል ሃገራዊ ምዕባሌ ንምግባረን ድማ ብተወሳሳቢ መንገዲ ዝሰርሑ ፖሊሲ ተሓንጺጾም ኣለዉ። ንኣብነት ጾታዊ ማዕርነት ኣብ ትምህርቲ እንተሪእና፡ ደቀነስትዮ ኣብ ማኣዲ ትምህርቲ ክሳተፍ ዝሕግዝ ነናሓድሕዱ ተደጋጊፉ ዝኽይድ ናይ ጥዕናን፡ ሕርሻን፡ ኣከባብያዊ ፖሊሲን፡ ዘቤታዊ በደላትን ኣድልዎን ዝኽልክል ሕግን ፍትሕን ኣሎ። ኣብ ትምህርቲ ዝዋዓለት ጓል ኣነስተይቲ ኣብ ገዛኣ እኹል ጊዜ ክህልዋ ዝሕግዝ፡ ብፍላይ ድማ ነተን ኣብ ገጠራት ዝነብራ ከም ዝስተ ማይ ኣብ ቀረባ ኣከባቢአን ከምዝህሉ ይግበር ኣሎ። ሞጎጎ ኣድሓነት ኣብ ጥዕናን መንፈሳዊ ሩፍታን ጉልበትን ደቀንስትዮ ብትገብሮ ዘላ ኣበርክቶ ንሰብኣውነት ምዕባሌ ብፍላይ ድማ ንደቀንስትዮ ኣብነታዊት እያ። ኣብ መባእታ፡ ማእከላይ፡ ካላኣይ ደረጀን ላዕለዎት ትምህርታዊ ትካላትን ዝሳተፋ ዘለዋ ተማሃሮ ደቀንስትዮ ቁጽረን ካብ ዓመት ናብ ዓመት ይውስኽ ኣሎ። በቲ ካብ 2015 ዓ.ም. ጀሚሩ ቁጽሪ ኣብያተ ተምህርቲ ንምውሳኽ ተታሒዙ ዘሎ መደብ፡ ዕድል ናይ ትምህርቲ ዝረኽባ ደቀንስትዮ ክውስኽ ምኻኑ ርዱእ እዩ።

ደቀንስትዮ ኤርትራ ክማሃራን ክሰርሓን፡ በዘይፍርሕን ምሹቕራርን ኣብ ዝመረጸኦ ጊዜ ክነቀሳቐሳ ዝኽእላላ ሃገራዊ ስኒትን ሰላምን ዝሰፈና ሃገር ኣላተን። እዚ ድማ ኣካል ሃገራዊ ሰራዊት ኤርትራ ኮይነን ዘረጋግጸኦ ዘለዋ ድሕነት ሃገር እዩ። ኣብ ቁጠባ ርእሰን ክኽእላን ናይ ገዛእ ርእሰን ምንጪ ኣታዊ ክረኽባን፡ ኣብ ስራሕ ድማ ማዕረ ደቂተባዕትዮ ክሳተፋ ዝሕግዘን ሕግን ስልጠናን ናይ ገንዘብ ለቓሕን ምትሕግጋዝን ይዋሃበን ኣሎ። መጽናዕቲ ባንክ ልምዓት ኣፍሪቃ ከምዝሕብሮ ኤርትራውያን ደቀንስትዮ ኣካል ዓቕሚ ሰራሕተኛታት ኤርትራን፡ ወነንቲ ናኣሽቱን ማእከላይን ብሕታዊ ትካላት ምኻነን ይገልጽ። ካልእ ተመሳሳሊ መጽናዕቲ ከምዝሕብሮ ካብ ብዝተፈላለዩ ኣካላት ዝዋሃብ ለቓሕ ልዕሊ 40% ተጠቀምቲ ደቀንስትዮ እየን። ኣብ ተጠቃምነት መሬት ካብ 2009 ክሳብ 2012 ኣብ ዘሎ ጊዜ ካብ 17,684 ናይ ገጠር መሬት ንዝተፈላለየ ኣግልግሎት ዝተዓደሎም ዜጋታት፡ እተን ልዕሊ 32% ደቀንስትዮ እየን። ካልኦት ዕድለን ክውስኑለን ከይተጸበያ ድማ፡ መራሕትን ኣባላትን ኣገደስቲ ሃገራዊ ትካላት መንግስቲ ኤርትራ ብሙኻን ብደርጃ ሚኒስተራት፡ ዳይረክተራት፡ ኣባላት ባይቶን ናይ ኣከባብን ዓድን ዳኛታትን ኣነባበርትን ክኾና በቒዐን ኣለዋ። ብመሰረት ኣዋጅ ዞባዊ ምምሕዳር ቁ.86/1996፡ 30% ባይቶ ንደቀንስትዮ ሕዙእ ከኸውን ከሎ ኣብቲ ዝተረፈ 70% ድማ ክወዳደራ የፍቅድ። ብኣዋጅ ኮማዊ ቤት ፍርዲ ቁ. 132/2003 ሓደ ሲሶ ማለት 30% ኮማዊ ዳኛታት ንደቀንስትዮ ሕዙእ እዩ። ዋላኳ ከምቲ ዝደለ ብዝሒ ንምርካብ ጊዜን ጻዕርን ክሓትት እንተኾነ ልዕሊ 22% ኣባላት ባይቶ ደቀንስትዮ ምኻነን እቲ ክሳብ ሕጂ ተበጺሑ ዘሎ ደረጃ ዓቢ እዩ። ምኽንያቱ ሕቶ ጾታዊ ማዕርነት ኣብ ልምዓት ሕቶ ዝሓለፈ መግዛእታዊ በደላትን ባህላዊ ተጽዕኖታትን ስለዝኾነ ብቐሊሉ ዝምለስ ኣይኮነን።

ካብዚ ኣብ ላዕሊ ተገሊጹ ዘሎ ሓሳባት ተበጊስና ኤርትራ ጾታዊ ማዕርነት ኣብ ልምዓት ከተረጋግጽ ጥጡሕ ባይታ ዘለዋ ሃገር ምኻና ክንድምድም ንኽእል። መስርሕ ጾታዊ ማዕርነት ኣብ ልምዓት ዝተሓላለኸን ነዊሕ ጊዜ ዝወስድን ስለዝኾነ፡ ኤርትራ ጌና ብዙሕ ዝተርፋ ክህሉ ከምዝኽእል ዝካሓድ ኣይኮነን። ኣብ ባህልን ጾታዊ መረዳእታን ዘሎ ናይ ህዝብና ኣተሓሳስባ ብዙሕ ጎስጋስን ትምህርትን ዘድልዮ እዩ። ብዓብዮ ቁጠባ ኤርትራ እናዓበየን እናሰፈሐን ክኽይድ ከሎ ጾታዊ ማዕርነት ኣብ ልምዓት ዝያዳ እናተረጋገጸ ክኸይድ እዩ። እቲ ክሳብ ሕጂ ተበጺሑ ዘሎ ኣተባባዒ ጾታዊ ማዕርነት ኣብ ልምዓት ሃገር ግን ዝምስገን እዩ። ነዚ ንምሕያሉን ንምውሓሱን ድማ ኣብ ጽንብል ታሪኻዊ ዝኽሪ መበል 35 ዓመት ምምስራት ሃማደኤ ነተን ብመስዋእተንን ተወፋይነተንን ናብዚ ዘብቃዓና ጀጋኑና ዘኪርና መብጻዓና ከነሐድስን ክነጽንዕን ከነውርስን ይግባእ።

ዓወት ንሓፋሽ!

ዮሴፍ ኣብርሃ

ሚነሶታ

01.10.2015

___________________
መወከሲ፡

1. ሃገራዊ ቻርተር ኤርትራ
2. ፕሮግራም ልምዓት ውድብ ሕቡራት ሃገራት (http://www.undp.org) (http://hdr.undp.org/en/content/genderinequality-index-gii)
3. African Development Fund. ADF/BD/IF/2009/60. March 2009.
4. The Government of the State of Eritrea: Report on the Implementation of the Beijing Declaration and
 Platform for Action (1995) and the Outcomes of the Twenty-third Special Session of the General
 Assembly (2000).



Sponsored Ads
ጾታዊ ማዕርነት ኣብ ልምዓት ሃገር Reviewed by Admin on 10:49 AM Rating: 5

2 comments:

  1. Eritrean lioness i'm proud of you all..you give haben, beauty to our Nation

    ReplyDelete
  2. The Eritrean mother/daughter, the dove and the tigress all bundled in to one. You did it all, You
    were there in the middle of the TEHAMBELE. Yes you were there. Enjoy your freedom and enjoy your equality for you have earned it with flying colors. Enjoy you children growing up in the peaceful and equal Eritrea you built.,



    As for me, your son, what do you expect? As they say "like mother/father like son/daughter!" i could only be that!

    ReplyDelete

All Rights Reserved by Madote © 2016

Contact Form

Name

Email *

Message *

Powered by Blogger.