Top Ad unit 728 × 90

Trending

random
.

Festival Eritrea 2014 In Winnipeg, Canada Concluded successfully




ፈስቲቫል ኤርትራውያን ኣብ ዊኒፐግ ካናዳ ብድምቕ ዝበለ ኣገባብ ብዕለት 20 መስከረም 2014 ተባዒሉ

ኣብ’ቲ ዓመት መጸ ብፍቕርን ስኒትን ተሰንዩ ናይ ሎሚ ዓመት (2014) ፈስቲቫልና “ንርሁው-ጽባሕ ሎሚ-ንስርሕ” ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ ከምኡው’ን መበል 53 ዓመት ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኢርትራ ዝኾነን፡ ዝኽሪ ብምግባር ብልዑል ኣገባብ ተባዒሉ።

ኣብቲ ኣጋጣሚ ኣቦ ወንበር ሽማግለ ብዓላት ኣት መድሃኔ ሃብተ ናይ እንቛዕ ድሓን መጻእኩም ድሕሪ ምስምዑ፡ ኣቶ ላምብሮስ-ክርያካኮስ ኣቦ ወንበር ኤርትራዊ ማሕበረ-ኮም ዊኒፐግ ካናዳ ብወገኑ፡ ንኣዳለውቲ ኮሚተ ብዓላት፡ ንመንግስቲ ማኒቶባን መንግስቲ ሃገረ ኤርትራን በቲ ዝተገብረ ሓገዝ ምስጋና ድሕሪ ምቕራቡ፡ ኣብቲ ብዓል ብኣካል ንዝተሳተፉን ሰላምታን  መልእኽቲ ምሕዝነት ንዝለኣኹ፡ ወከልትን መሓዙትን ዓሰርተ ናይ ዝተፈላለዩ ማሕበራትን መንግስትን የዕሩኽ ካናዳውያን ኣብ ጎድንና ብምዃን ሰናይ ትምኒቶምን ምትሕግጋዞምን ንዝገብሩ መጉሱ። ኣብቲ ኣጋጣሚ ካናዳውያን ኣዕሩኽ ኤርትራውያን ኣብ ዝልኣኹዎን ኣብ ዘስምዕዎን መደረታት ነፍስ ወክፎም ንሓያል ኣወዳድባ ኤርትራውያን ካንዳውያን ማሕበረ-ኮማት ኣድናቖቶም ገሊጾም።

ብድሕሪ’ዚ ሓላፊ ህዝባውን ቆንስላውን ጉዳያት ሃገረ ኤርትራ ኣብ ቶሮንቶ ካናዳ፡ ኣቶ ኣሕመድ-ኢማም ንታሪኽ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ድሕሪ ምዝርዛሩ፡ እቲ ልዑል ተራ ፈስቲቫላትና ኣብ ሓድነት ሕዝብና ኣትሪሩ ድሕረ ምዝኽኻር ታሪኻዊ ኣመጻጽእ ፈስቲቫላትና ገሊጹ። ኣስዒቡ ኣቶ ኣሕመድ ኤርትራውያን ካናዳውያን ንዘጓንፎም ዘሎ ብድሆታት፡ በቲ ኣብ ህዝብና ሰሪቱ ዘሎ ሓያል ሃገራዊ ሕልና ክብድህዎ ኣቲባቢዑ።

ዕብየት ባህላዊን  ሃገራዊን ምስሌነ ህዝብና ኣብ ካናዳ ምስ ዝዓዝዝ ህዝብን መንግስትን ካናዳ ንሃብታም ታሪኽናን ባህልናን ብግቡእ ከለልዮን ከምዘተባብዖን ንኣምን ብምባል ንህዝቢ ዊኒፐግ ንዘቕረቡዎ መደብ ፈስቲቫል ኣሞጊሱ።

ኣብ’ቲ ኣጋጣሚ ጉጂለ ባህሊ  ሕድሪ ናይ ዝተፈላለዩ ብሄራትና ዘንጸባርቕ ሳዕሲዒት ድሕሪ ምቕራቦም፡ ብህቡባት ድምጻውያን ኣክሊሉ ፎቶ (ተፈኖ)፡ ምሕረት ዘርአሓንስ፡ መብራህቱ ሕድራይ ተሰንዩ ብዝተፈላለይ ቛንቛታት ንሕሉፍ ገድሊ ዘዘኻኽር ሃገራዊ ዝኾነ ደርፍታት ብምቕራብ ድማ ንመኸተን ጽምዶን ዝገልጽ ሓያል ወኒ ብምልዕዓል፡ ብድምቀት ተባዒሉ። ውህደት ቅኒት ባህልታትና ሕላገት መንነትና ብምዃኑ ቀጻሊ ዕብየት ፈስቲቫላት ኤርትራውያን ካናዳውያን ናብ ዕብየት የምርሕ ከምዘሎ ኣረጋጊጹ።



ዘለኣለማዊ ዝኽሪ ንስውኣትና

ዓወት ንሓፋሽ!​











Sponsored Ads
Festival Eritrea 2014 In Winnipeg, Canada Concluded successfully Reviewed by Admin on 3:10 PM Rating: 5

7 comments:

  1. Winnipeg is fast becoming our northern "degen" Thanks for your dedication to the national cause and for making us all proud. Above all, for being a worst nightmare to the traitors and sellouts.

    ReplyDelete
  2. In a land/area where the 'opposing forces aka traitors' claim to have run a successful campaign of defamation and to have choked the gallant Eritrean-Canadians, the undaunted deki Halal Meriet, regardless of the immense threats, held and concluded their 2014 Festival with pomp and grace.

    መን ከማኹም፣ ደቒ ኤረ አናብስን ዋዕሮታትን !!!!

    ReplyDelete
  3. Awet ne Hezbena ab kurnaàt nay allem terekebu kullukum be habera

    ReplyDelete
  4. Well done deki ErI! Awet N'hafash!!!

    ReplyDelete
  5. Hahahahahah, awet nehafsh, ayenay hezbi eritrea, wala tegray.meknyatusi, hezbi eritrea yelen tenfasu, mmoliku eu, besedet, bee hesum nabra, betiga.kembeal demhit, yemane charli, yemane manki, wedi kasa, hagosena kisha, beabieu, eti gawna, isias...eziom kulom tegaru, eyom emoo, neeom dika maletey eyee.

    ReplyDelete
  6. I smell your burning soul of envy and anger from afar, uuuffff damn!
    LOL LOL

    ReplyDelete

All Rights Reserved by Madote © 2016

Contact Form

Name

Email *

Message *

Powered by Blogger.