ናይ ሓንቲ ሃገር ዕብየት ካበይ ይመጽእ?
![]() |
Eritrean Graduates |
ሓደ ሓደ ሀገራት ቀልጢፈን ክዓብያ ከለዋ ገሊኤን ግን ገና ከይተበገሳ ከለዋ ይወድቃ፡ እቲ ሕቶ ናይ ተፈጥሮ ሃብቲ ወይ ድማ ናይ ትምህርቲ ስርዓት ወይ ኣገባብ ኣይኮነን። ምዕባለ ዝመጽእ ብእኩብ ፍልጠት ናይ ሓደ ሕብረተሰብ ድኣ እምበር ብናይ ውልቐሰብ ወይ ብመንግስቲ ጥራሕ ክኸውን ኣይክእልን እዩ ምንም እኳ ሓደ መንግስቲ ወይ ዉልቐሰብ ጽቡቕ ራኢ ይሀልዎ። እቲ ናይ መጀመርያ ሕቶ ሓደ ሕብረትሰብ ብእኩብ እንታይ ክእለት ፍልጠት ኣለዎ እንታይከ ክገብር ይኽእል እዩ። እቲ ዝቅጽል ድማ ነቲ ፍልጠት ብተግባር ክሰርሓሉ ይኽእልዶ ኣህዛብከ ብዝተፈላለየ ክእለታት እንድሕር ሙኩራት ኮይኖም ንዖዖም ዝኸውን ኢንዱስትሪታት ኣሎዶ? ብናይ ተፈጥሮ ሀብቲ ንግዚኡ ሓንቲ ሀገር ገንዘብ ክትረክብ ትኽእል ግን ዘይውዳእ ናይ ተፈጥሮ ሀብቲ የለን ሕጂ እቲ ሀብቲ ምስዝውዳእ እታ ሀገር ብምንታይ ትትክኦ? ኣቀዲማ ግን እታ ሀገር ነቲ ብናይ ተፈጥሮ ሀብቲ ዝኣተወ ገንዘብ ተጠቂማ ንሕብረተሰባ ብዝተፈላለየ ክእለትን ትምህርትን ክስልጥኑ እንተጌራቶም ነቲ ቀጻሊ መኽሰብ እዉን ናብ ካልእ እዋናዊ ኢንዱስትሪታትን ዝተፈላለዩ ተክኖሎጂታትን ምዕባለታትን ቀይራ ነባሪ ዝኾነ ኣታዊን ምዕባለን ከትምጽእ ወይ ከተታኣታቱ ትኽእል።
ሕጂ ናብ ኤርትራ ንምጻእ እቲ መሪርን ጽንኩርን ኩናት ክካየድ ከሎ ኣብ ሃገርና ህዝብና ኣብ ገልታዕታዕን ከልበትበትን ኣደዳ ስደትን ኣደዳ ሞትን ገድልን ስለዝተቃልዔ ምሉእ ሂወቱ ኣንጻር ባዕዳውያን መግዛእቲ ክቃለስ ንትምህርቲ ኮነ ንዝተፈላለየ ክእለታት ከጥርየሉ ዝኽእለሉ ዝነበረ ግዜ ንናጽነት ክሰርሕ ክጋደል ክሓስብ ግዚኡ ኣሕሊፍዎ እቲ እኩብ ድምር ናይ ጻዕሩ ድማ ኣንጻር ጸላእቱ ሓያላት መንግስታት ብሓባር ጠጠው ስለዝበለ ናጽነቱ ረኺቡ መሊሱዉን ኣብ ዳሕራይ ወራር ልእላዉነቱ ኣረጋጊጹ። ከምኡ ኮይኑ ግን ኤርትራ ኣብ ሒማቅ ኣይወደቀትን እቲ መንግስቲ ኤርትራን እቶም ሰብ ጽቡቅ ራኢን ብኣጋ ነቲ ናይ ምዕባለ ሽግር ተረዲኦም ንናኣሽቱ ትዉልዲ ዝኸዉን ዝተፈላለየ ደረጃታትን ኣብ ሙሉእ ኤርትራን ናይ ትምህርቲ ዕድላት ከፊቶም ጥራሕ ዘይኮነስ ስጋብ እቲ ዝላዓለ ደርጃ ናይ ትምህርቲ ብናጻ ጌሮሞ። እዚ ሰናይ ራኢ ድማ ፍረ ጻማ ድኻሙ ሙሉእ ብሙሉእ ክረክብ ግድነት ጥራሕ ዘይኮነስ ኣብ ቀረባ እዋን ክዉን ክኸዉን እዩ ኣብ ሓደ ሓደ ዕማማት ናይ ሀገር እዉን ብተግባር ስራሓታቱ ጀሚሩ ከምዘሎ ንማንም ዝግደስ ኤርትራዊ ደጊምካ ምንጋር ዘድሊ ኣይኮነን። ኣብ ዉሽጢ ሀገርን ኣብ ወጻኢ ዘለዉ ንኣሽቱ ትዉልዲ ኤርትራዉያን ናይ ሕብረትሰብና ተካእቲ ኣብ ታሪኽ ናይ ኤርትራ ንመጀመርያ ግዜ ብዝላዓለ ብዝሒ ቁጽሪ ናይ ትምህርቲ ደረጀኦም ኮነ ፍልጠቶም ኣብ ሓጺር ግዜ ሓፍ ምባሉ ድማ እቲ ኣዉራ ተስፋ ናይ ሰናይ መጻኢና እዩ ። መንግስትና ድማ ነዚ እዩ ለይትን መዓልትን ከየዕረፈ ብናይ ካብ ተፈጥሮ ሀብቲ ዝረኸቦ መኽሰብ ንትምህርቲ ልዕሊ 40% ሀብቲ ወይ ባጀት ናይ ሀገር ወዚዑ ገናዉን ኣብ መስርሕ ይርከብ ኣሎ።
ፍልጠት ሕብረተሰብና ሓፍ እንዳበለ እዩ ምዕባለ ሀገርና ኸኣ እንዳተራእየን እንዳቀረበን እዩ። ስለዚ ኢድና ኣይነወጣዉጥ ምዕባለ ሀገር ብእኩብ ድምር ፍልጠትን ክእለትን ተወፋይነትን ናይ ሓደ ሕብረተሰብ ጥራሕ እዩ ዝመጽእ ኮይኑ ድማ በንጻሩ ኣብ ጥራሕ ጎልጎል ብዘይስራሕ ወይ ድማ ቁምነገር ዘይብሉ ነቲ ተወፍዩ ዝሰርሕ ዘሎ ምጽራርን ምትንኳልን ምስ ጸላኢ ምትሕብባርን ትርፉ ንኤርትራን ንኤርትራውይንን ብፍላይ ብፍላይ ከኣ ነቶም ኣብ ምክልካል ሀገር ዘለው መንእሰያት ኣብ ጸገምን ኣብ ዘይተኣደነ ማዕቐብን ምእታው ጥራሕ እዩ። ብተወሳኺ’ውን ዕብየት ኣብ ኩሉ መዳያት ናይ ሐንቲ ሀገር ዝርከብ እንታይ ክንከዉን ኔሩና ንዝብል ኣምር ጠንጢንና ሓንጎፋይ ምስ ንብል ነታ ብሓቂ በጺሕናያ ዘለና ሕጂ ጥራሕ እዩ::
ዘልኣለማዊ ዝኽርን ክብርን ንስዉኣትና
ወትሩ ዓወት ንሓፋሽ!

Post Comment