Top Ad unit 728 × 90

.

ሞሳ ዝተነፍጎ ሰናይ-ግብሪ ኤርትራውያን


Former Ethiopian leader, Mengistu Haile Mariam - Credit: Alamy



ሞሳ ዝተነፍጎ ሰናይ-ግብሪ ኤርትራውያን
ብ መም በየነ ዓስቡ


ኣብ ግዜ ሽግርን ፈተነን ኣብ ጎንኻ ኮይኑ ዝሕግዘካን ዝትሓባበረካን ናይ ሓቂ ብጻይካ ኢዩ። ዝገበረልካ ግበረሉ ወይ ንገረሉ ከም ዝብሃል እቲ ብዝተፈላለየ ዓይነት መገዲ ጽቡቅ ዝገበረልካ ትፈድዮ። ብኣንጻሩ ብጻይካ ኣብ ግዜ መከራን ጸበባን ከሎ ነቲ ጽቡቅ ዝገበረልካ ጠሊምካ ብሕማቅ ትፈድዮ ኴንካ ማለት ኣብ ክንዲ ዘኾለስኩ ኢደይ ተነኸስኩ ኮይኑ፡ ፍንፉን ኣረማዊ ኣራዊት ትብሃል። ጽቡቅ ግበር፡ ንመን፡ ንማንም፡ እንዳተባህለ ኣብቲ ባህልን ልምድን ህዝቢ ኤርትራ ረቛሒ መሰረት ኮይኑ ንዓመታት ሰናይን ጻድቅን ንውሉድ-ወለዶ ማሕበራዊ ተግባራት ክፍጽም ጸኒሑን ኣሎን።

ዝኾነ ኮይኑ እምበኣር እስከ ኣብ ከነስተብህለሉን ክንነቅሓሉን ዝግብኣና ገበናት መራሕቲ ኢትዮጳያ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ሕሉፍ ሓጺር ጽሟቅ ታሪኽ ንርአ። እዛ ቀደም ምድረ- ሓበሻ ትስመ ዝነበረት ሕጂ ኢትዮጵያ ኮይና ዘላ ሃገር ብዙሓት መስፍናውያን ነበርዋ። ስልጣን ንምድልዳልን ናይ ግዝኣት መሬት ምስፍሕፋሕን ምጕባትን ነናሕድሕዶም ይዋግኡን ይስዕሩን ይስዓሩን ነበሩ። ኣብ ውሽጢ ኤርትራ’ውን ከምኡ ዝኣመሰለ ናይ መስፍናውያን ውግእ ነይሩ ኢዩ።ባዕዳውያን- ገዛእቲ ኣብ ዶብ ከባቢ ኢትዮጵያ ዝነበሩ ማለት ጣልያን እንግሊዝ ፈረንሳ፡ መታን ንሓደ መስፍናዊ ምውጋእን ምስዓርን ቀሊልን ዝሓሸን ምዃኑ ኣቀዲሞም ስለዝፈልጡ፡ ንምነሊክ ባርዳዊ-ብረትን ገንዘብን ወፈይሉ’ሞ ንብዙሓት መስፍናውያን ገዛእቲ ወረሞን ካልኦትን ቀንጸለን ኣድከመን፡ ካብዚ ተበጊሱ መንግስቲ ምነሊክ ደልደለ። ብ1898 ጣልያን ንኤርትራ ወረራ ወግዓዊት ግዝእቲ መንግስቲ ጣልያን ኮነት። ኤርትራውያን መግዛእቲ መንግስቲ ጣልያን ጸሊኦምን መሪርዎምን ሸፈቱን ተሰዱን እሞ ብባህልን ብምስልን ኢትዮጵያውያን እቀርቡና ብማለት ክዋግኡን ክሕግዙን ብዓቢኡ ክዕቆቡን ተሰዱ። ምነሊክ ሓይልን ስምን ረኸበ፡ ምስ ንጉስ ጣልያን ኤምበርቶ ብምትሕብባር ዝተፈላለየ ወትሃደራውን ገንዘባውን ሓገዝ ብምርካብ ብንግስነት ኢትዮጵያ ዝፍለጥ ስልጣን ጨበጠ። ኣምሳያ ናይቲ ዝተዋህቦ ወግዓውነት ድማ ምነሊክ ንደግያት ኣበራ በዓል ጸዓዘጋን ደግያት ማሕራይን ካልኦትን ንጣልያን ኣረከቦም’። ምነሊክ ምስቲ ክፉእ ግብሩ ብሕማም ምኽንያት ሞተ። ድሕሪ ሞት ምነሊክ ወዲ ራስ መኮነን ተፈሪ ማለት ሃይለስላሰ ብንግስነት
ስልጣን ናይ ምሉእ ኢትዮጵያ መራሒ ኮነ።

መንግስቲ ጣልያን ኩነታት ኣጽኒዑ ኣብ 1935 ንኢትዮጵያ ወረራ። ብዙሓት ኤርትራውያን ወትሃደራት መንግስቲ ጣልያን ምዃን ገዲፎም ኣብ ጎኒ ኢትዮፕያውያን ኮይኖም ተሰለፉን ተዋግኡን፡ እንተኾነ ብዓወት ኢጣላውያን ተዛዘመ። ኢትዮጵያ ወግዓዊት ግዝእቲ ጣልያን ኮነት ሃይለስላሰ ከኣ ከም ዕቍበኛ ኮይኑ ንኤውረጳ ተሰደ።

ኪዳን ሓድነት ምዕራባውያን ማለት እንግሊዝ፡ ፈረንሳን ኣመሪካን ብሓባር ኣብ 1939 ምስ መንግስቲ ጣልያን ውግእ ገበራ እሞ ካብ ልብያ፡ ኤርትራ፡ ሶማልያ፡ ኢትዮጵያ፡ ስዒረን ኣውጽአኦ። ስልታዊ ውግእ ኢዩ ነይሩ ማለት ናይ ፖለቲካውን ጂኦግረፊካውን ስትራተጂ መን ጨበጠ። ሃይለስላሰ ብሓገዝ እንግሊዛውያን ካብ ናይ ስደት ዕቍባ ኣዲስ-ኣበባ ተመልሰ እሞ እንደገና ናይ ንግስነት ስልጣን ተዋህቦ። 

ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ምምሕዳር መንግስቲ እንግሊዝ ካብ 1941 ንዓሰርተ ዓመት ጸንሐት። እንግሊስ ሃብቲ ህዝቢ ኤርትራ ገፊፉ ወሰዶ ንኤርትራ ክመቃቅላ’ውን ሃቀነ ግን ኣይኮነሉን።2 ድሕሪ ዓሰርተ ዓመት ፍታው ህዝቢ ዘይኮነ ኤርትራ ብፈደረሽን ምስ ኢትዮጵያ ተቆርነት። ሃይለስላሰ ንፈለማ ግዜ ኤርትራ በጽሐ። ብባህሊ ኮነ ብመልክዕ ሓደ ህዝቢ ኢና ፍልልይ የብልናን ብምባል ናይ ተስፋ መደረ ኣስምዐ። ገሊኦም እሺ ብምባል ተቀበልዎን ሰገድሉን። እቲ ብስለት ዝነበሮ ህዝቢ ግን ናይ ፖለቲካ ምድንጋር ምዃኑ መግለጺ ኣቅረበ። ህዝቢ ኤርትራ ብሱልን ናይ ፖለቲካ ንቅሓት ስለ ዝነበሮ ካብ ዝፈርሖ ኣይወጸን።

ሃይለስላሰ በብቅሩብ ወትሃደራዊ ንዋትን ድልዱል ሰራዊትን ብሓገዝ ባዕዳውያን ደለበ፡ ጎብለል ናይ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኮነ። ሓይሉ ስለዝኣመነ ካብዚ ተበጊሹ ውዕል ፈደረሽን ጠሓሶ። መንግስቲ ኤርትራ ዝብል ኣልጊሱ ምምሕዳር ለወጦ። ባንደራ ኣውረዳ፡ ቋንቋ ትግርኛ ዝነበረ መምሃሪ፡ ኣምሓርኛ ክኸውን ተወሰነ፡ ህዝባዊ ባይቶ ኤርትራ ኣፍረሶ፡ ኤርትራ ካብ ሃገር ናብ ጠቅላይ ግዛት ኮነት። ጸኒሑ ከኣ “ ንሕና መሬት ጥራይ እምበር ህዝቢ ጠሪሹ ኣየድልየናን’ዩ”  ብምባል ንህዝቢ ኤርትራ ጠለሞን ኣዘኽተሞን። ብዘይ ምቝራጽ ሰለማዊ ሰልፊን ፖለቲካዊ ምንቅስቃሳትን ተኻይዱ ግን ሰማዒ ጠሪሹ ኣይረኸበን። መሰል ወዲ-ሰብ ሓለውቲ ኢና ዝብላ ሓያላት መንግስታት፡ መንግስቲ እንዳፈረሰ ኣዒንተን ሸፈና። ጥልመት ሃይለስላሰ ደረት ኣይነበሮን፡ ብዝተፈላለየ ዓይነት መገዲ ምኽንያት ብምግባር ብዙሓት ንጹሃት ኤርትራውያን ብዘይ ፍርዲ ኣሰረን ቀተለን፡ ዓድታት ኣቃጸለ፡ንብረትን ጥሪትን ኣዕነወን ኣጽነተን። ከምቲ ሓደ ዓሳውርታ (ሻሆ) ማሕበር ኣንድነት፡ ኢትዮጵያ ወይ ሞት ዝብልዎ ዝነበሩ ጭርሖ ጠቂሱ “ኢትዮጵያን ሞትን ብሓባር መጺአን ይብል”። ብርግጽ ሓቂ’ዩ ክልቲአን ብሓንሳብ መጺአን።

ምስ እዚ ኩሉ ግፍዕታት ብኣንጻሩ ሎረንሶ ታእዛዝን ብላታ እንጌታ ተወልደመድህን ሚኒስተራት ኮይኖም ኣካይዶም፡ ጀነራል ዓንዶም’ውን ኣብ ሰሜን ኮረያን ሶማልያን ተዋጊኡን ኣዋጊኡን፡ካልኦት’ውን ብዝተፈላለየ ዓይነት ስራሕ ኣበርኪቶም። ዘገርም ኢዩ ዛንትኡ፡ ዘሕፍር ግን ገባር-ጽቡቅ ህዝቢ ኤርትራ ብሕማቅ ተፈድዩ፡ ሞሳኡ ተነፊጉ። ብወትሃደራዊ ስልጣን ደርጊ ዕልዋ ተገይሩ ሃይለስላሰ ካብ ስልጣኑ ምስ ወረደ ቅሩብ እዋን ካይጸንሐ ሞይቱ ኣብ ትሕቲ ቤት ጽሕፈት መንግስቱ ተቀብረ።

ካብ ኩሉ ሰራዊት ዝተዋጽኡ ደርግ ዝብሃል ኣቆሙ እሞ መንግስቱ ኣባል ኮነ። መንግስቱ በብቅሩብ ኣብ ዝለዓለ ናይ ስልጣን ደረጃ ደየበ’ሞ ነቶም ብጾቱ ኣባላት ደርግ ቀንጺሉን ነጺሉን ዋና መራሕ ኣብዮታዊት ኢትዮጵያ ኮነን ስልጣን በሓቶ። ንህዝቢ ኤርትራ ብዙሕ መኻን ዝኾን ተስፋታትን ክትግበር ዘይካኣልን ኣቅረበ ሰማዒ ግን ኣይረኸበን። መንግስቱ ምስ ገስጋሲ ደንበ ማለት ሕብረት ሶቬት ኣሻርዩ፡ ብብልዮናት ዝግመት ብረት ገዝአ፡ ብተወሳኺ’ውን ዓመታዊ ብረታዊ ወፈያ ብብዝሒ ተዋህበን ረኸበን። ኣብዮታዊ መራሒ ፍናን ተሰምዖ፡ ካብዚ ተበጊሹ ንሰውራ ኤርትራ ሓንሳብን ንሓዋሩን ከጥፍኦ ኢየ በለ። “ዓሳ ምጽናት ማይ ምንጻፍ” ብምባል ትዕቢታዊ ፈኸራ ኣስምዐ። ቀይሕ ቀለም ጠራሙዝ መሊኡ፡ ተምሳል- ደም፡ ኣብ ጎደናታት ሰባበረን ሓምሸሸን። ካብዚ ኣረማውን ናይ ኣራዊት ተግባር ዕላማ ነቂሉ ብዙሓት ገጠራት ኣብ ሓሙኽሽቲ ለወጠን፡ ብዙሓት መንእሰያት ተቐትሉን ተሰዱን፡ ቍጽሪ ዘይብሉ ጥሪትን ንብረትን ባኸነ። ህዝቢ ኤርትራ ብመሪሕነት ውሕሉል ስልቲ ህዝባዊ-ግንባር ስኑ ነኺሱ፡ ነቲ መሪር ኵናት መኪቱሉ። ኣብ መጠረሽታ፡ እቲ ሃላሊ መንግስቱ ምስ ደገፍቱ፡ ሕፍረት ናይ ሕፍረት ተሸኪሙ ብወግዒ ተሳዕረ፡ ዝኸፍአ ነገር ከኣ ነቶም ን500 ዓመታት ኣብ ኢትዮጵያ ዝነብሩ ዝነበሩ ፈላሻ ዝብሃሉ ዓሌት፡ ንመንግስቲ እስራኤል ብገንዘብ ለዊጡ፡ ሽያጦም ገንዘብ ሓቍፉ ሃደመን ተሰደን። ዘገርም እንተኣልዩ ስርሒት ኣናብስ ናቅፋ፡ ንመንግስቱ ፈሽፈሽ ኣቢልዎ ከብቅዕ ዓቢ ትምህርቲ ከም ዝቀስም ገቢርዎ ኢዩ። ኩሉ ግዜ ብዱዕ ወዳቂ ኢዩ።

ወራዙት ወያኔ ከኣ ብጽቡቅ ኣቃራርባ ንሕና ግፉዓት ጭቁናት ግፉፋት መሰል ኢና ኢሎም ንሰውራ ኤርትራ ቀረብዎ።

ህዝቢ ኤርትራ ለዋህ ስለዝኾነ ኣመኖምን ተቀበሎምን፡ ነቶም ተቃለስቲ ከኣ ዓሊሙ ኣዕጠቆም። ኣብ መጠረሽታ ኩሉ ወራራት ደርጊ ብሕማቅ ፈሺሉን ተሳዒሩን ኣናብስ ናቅፋ፡ ንወያኔ ሓንጊሮም ኣዲስ ኣበባ ኣእተውዎ እሞ ኣብ ናይ ኮረሻ ስልጣን መራብሕቲ ምሉእ ኢትዮጵያ ክኾኑ ኮፍ ኣበሎም። ተቋወምቲ ውዱባት ወያኔ ዝነበሩ ብሓባር ሃገሮም ከማሓድሩ ተገብረ።

ህዝቢ ኤርትራ ንናጽነት እወ ወይ ኣፋል ዝብል ድምጺ ናይ ረፈረንዱም ምርጫ ኣብ ትሕቲ ትዕዝብቲ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ብጽቡቅ ተኻይዱ ናጽነት ኤርትራ ተኣወጀ። መዓልቲ ናጽነት ከኽብር ንኢትዮጵያ ወኪሉ መለስ
ኣስመራ መጸ። ኣብ መደርኡ “ድሕሪ ሕጂ ቑስሊ ምሕካኽ የልቦን” በለ። ህዝቢ ኤርትራ ኣመስገኖ ተስፋ ከኣ ገበረ። መሪር ቃልስናን ነዊሕ ትጽቢትናን ተማሊኡልና ሓቂ እንተኮይኑ ትንሳኤ ኤርትራን ኢትዮጵያን ሕጂ ኢዩ በለ። መንግስትን ህዝብን ናይ መለስ መደረ ናይ ምድንጋር ቃል ከይከውን ጠርጠሩ ኣብ ትዕዝብትን ግምትን ወገኖ። ሻዕብያ ብቅኑዕ መንገዲ ብዘይ ተንኮል ጻድቅ ዝኾነ ናይ ስራሕ መደብ ሕንጻጻት ኣውጽአ እሞ እቲ ዕላማ ንክልቲኤን ሃገራት ዝጠቅም ማለት፡ ብቁጠባ፡ ብፖለቲካ፡ ብማሕበራዊ፡ ከም ጎረባብቲ ብሓባር ዝምዕብላሉን ዝዓብያሉን ኣድሃበን ኣትኮረን።

ወያኔ ካብቲ ሕቡእ ማህደሩ ፍንፉን መስፍናዊ ጠባያት ሰይጠናዊ ምልኪ ከርኢ መደበ። ዶብ ሰጊሩ ዘይመሬቱ ክግብትን ከስፋሕፍሕን ጀመረ። ተስፋ ዝትገብረሉ ምዕባሌታት ነዊሕ ከይሰጎመ ተቆጽየ። ብዶብ ምኽንያት ብምግባር ኮነ ኢልካ ማሕለኻታት ምምሃዝ ዕረፍቲ ተሳእኖ፡ ዕርቅን ሰላምን ክኸውን ተፈቲኑ ዕንቅፋት እንዳተፈጥረ ኣብ ሸቶኡ ከይበጽሐ መኸነ። ኩነታት ኣብ ዝኸፍአ ተለወጠ። መለስ ካብ ካልኦት ዝበልዎ ቀዲሑ ሕብሪ ኣዒንቶም ባህ ኣይበለናን ኢሉ ኤርትራውያን ኣብ ኢትዮጵያ ዝነብሩ “ሃይለስላሰን መንግስቱን ዘይፈጸምዎ” እከይ ተግባር ብኣሽሓት ዝቍጸሩ፡ መበቆሎም ኤርትራውያን ኣባረረን ሰጎገን እሞ ኩሉ ንብረቶምን ገንዘቦምን ራሰየን ዘመተን። ሰብኣዊ መሰል ንሕሉን ንጣበቅን ኢና ዝብላ ሓያላት መንግስታትን ውድባት ሃገራት ዓለም ንዓገብ ወይ ናይ ድንጋጸ ቃል ኣየስምዓን። ህዝቢ ኤርትራ ናይ ሓቂ ጓሂ ተሰምዖ።

ጥልመት መለስ በዚ ኣየብቅዐን ኣይተወሰነን። ወትሃደራዊ ስጉምቲ ክንወስድ ኢና ኢሉ ደማውን ኣዕናውን ውግእ ኣወጀ። ትርጉም ዘይብሉ ንክልቲአን ሃገራት ጎዳእን ሃሳይን ውግእ ተኻይዱ። እንተኾነ ብደቂ ኣናብስ ናቅፋ ዋርሳይ-ይክኣሎ ኩሉ ወራራት ወያኔን ደገፍቱን ዕላምኡ ከይወቅዐ ተሳዕረ። ወያነ ምስ ሓገዝቶም ከም ብጸቶም ደርግ ክፊኦም፡ ሓፊሮም። ኤርትራ ክይትወረኒ ብዓቃብ ሰላም ናይ ሕቡራት መንግስታት ሓለዋ ይገበረለይ ብምባል፡ መለስ ጥርዓን ኣቅረበ እሞ ተገብረሉ። ውዕል ሰላም ናይ ኣልጀርስ ብክታሙ ዘጽደቆ ደገፍቱ ኣሚኑ ኣፍረሶ። ኩነታት ክልተ ሃገራት ኣይውግእ ኣይሰላም ኮይኑ ኣንጠልጢሉ ተሪፉ። ዘገርም’ዩ፡ እዚ ድዩ ሞሳ ኤርትራውያን?

መለስ ካብ ፖለቲካዊ ምድንጋራት ኣልጊሱን ዓሪፉን፡ ተካእቱ ንሓቂ ክነቅሑ ትጽቢት ተገይሩ ግን ካብቲ ዓንከል ናይ ፖለቲካዊ ምህዞ ኣይወጹን፡ ጌና ኣብኡ ተጸሚዶም ከምቶም ዝሓለፉ4 ብጸቶም ይርከቡ። ቅዱስ መንፈስን ንጹር ኣእምራዊ ንቅሓትን ካብ መራሕቲ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ተራእዩን ተስሚዑን ጠሪሹ ኣይፈልጥን።

እዛ ናይ ክርስትያን ደሴት ትብሃል ምድረ-ሓበሻ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ግፍዓዊ ወረራትን ንዓመታት ከተዘውትር ጸኒሓ ግን ፈጺማ ተዓዊታ ኣይትፈልጥን። ፍሉይ ብናተይ ረቋሒ ርእይቶ > ኢትዮጵያ ታበጽህ ኢዳዊሃ ሃበ ፈረንጂ < ኢዩ ኮይኑ ዘሎ ምኽንያቱ ዕጥቅን ስንቅን ቀታሊ ብረትን ይወሃቡ እሞ ውረሩ ዝብል ትእዛዝ ምስ ረኸቡ ‘አረ-ገዳይ’ እንዳበሉ ንብጸቶም ጎረባብቲ ሃገራት ይወሩ፡ ኣብ ልዕሊ ሰባት ገበን ይፍጽሙ ንብረትን ጥሪትን ውን ይዘምቱን የዕንዉን።

እዚ እዩ ተግባር ናይ ክርስትያን ደሴት ሃገር!

እምበኣር ሞሳ ህዝቢ ኤርትራ እታ ብደም ስውኣትና ዝመጸት ልእላዊት ሃገር ጥራይ ኢያ፡ ናይ ናጽነት ባንደራና ምስ ናይ ሃገራት ዓለም ማእኪላ ተምበልብል ኣላ። ሓበንና ስውኣትና።

ክፉእ ወይ ፍንፉን ዛንታ እንተኣልዩ ናይ እዞም ኤርትራውያን ኢና በሃልቲ ናይ ከዳሚ ከደምቲ፡ ንጸላኢ ኣገልገልቲ፡ ዘይተጻሕፈ ዘንብቡ፡ ዘይተባህለ ዘዘንትዉ፡ ኣብ ህዝቢ ዘይምርድዳእ ክፈጥሩ ንከንቱ ህርድግ ዝብሉ ዘለዉ’ዩ። መልሱ ግን እምቢ ኣይንፈላለን ጥሙራት ሓደ ህዝቢ ሓደ ልቢ ኢና። ድሓን እምበኣር ካብቲ ናይ ትኳቦ ባጀት ተሰሊዑልኩም ኣሎ ስለዚ ከዳዕ ንነፍሱ ኢዩ ዝጎድእ ሞሳ’ውን የብሉን። ክርድኣኩም ዘለዎ መጻኢ ናይ ራህዋን ትንሳአን ህዝቢ ኤርትራ ርሑቅ ኣይኮነን፡ ኣብ ቀረባ ኢዩ። ጽሓይና ከምብሓድሽ ትበርቅ ኣላ።

እወ ሓቂ ኢዩ ብውግእ ተሃሲና ብቁጠባ’ውን ብሰንኪ ኣገዳ ተዳኺምና ብልእላውነት ሃገር ዝመጸ ግን ገና ምስ ምሉእ ሓይልና ኣሎና; ወይልኡ ዝትንክፈና።

ዘለኣለማዊ ዝኽሪ ንስውኣትና
ዓወት ንሓፋሽ
መም. በየነ ዓስቡ

Sponsored Ads
ሞሳ ዝተነፍጎ ሰናይ-ግብሪ ኤርትራውያን Reviewed by Admin on 12:32 AM Rating: 5

Post Comment

All Rights Reserved by Madote © 2016

Contact Form

Name

Email *

Message *

Powered by Blogger.