Top Ad unit 728 × 90

Trending

random
.

እቲ ካልእ ውግእ- ዳግማይ ባህላዊ ኲናት!


Eritrean kids performing traditional Tigre dance


እቲ ካልእ ውግእ- ዳግማይ ባህላዊ ኲናት!


ወድ ምስግና

1ይ ክፋል

“ቅድሚ ኩሉ ሃገር ትሃልዉ!” ናይ ኩልና ሓቀኛን ዘይቅየርን ጭርሖ ልብን ልሳንን እዩ። ጉዳይ ሃገር ኣብ ምልክት ሕቶ ዘይኣቱ ኤርትራዊ ኣተሓሳስባ ምባል’ውን ምግናን ኣይከውንን። እዚ ጽኑዕን ጽሩይን እምነት እዚ፣ ናይ ኩል ግዜ ማሕተም ልቢ እዩ። ተፋሒቑ ካብ ቆር ልቢ ወጽእ ዝኽእል’ውን ኣይኮነን። ንህላውናን ምዕባለን ውሑስ ቀጻልነትን ሃገር፣ ኩሉ ዜጋን ኩል ግዜን ክሰርሕ፣ ለበዋ ወይ ምሕጽንታ ዘድልዮ  ኣይኮነን። ረቂቕ ሓይሊ ሃገር ማለት ወይ ዓሚቕ ፍቕሪ ኤርትራ ማለት፣ ብቐሊል ዝግለጽ ወይ ዝተትንተን ኣምር ስለዘይኮነ።

ዛዕባይ ሓድሽ ኣርእስቲ ኣይኮነን። ዘቕርቦ ሓሳብ’ውን ትኩስ ዜና(breaking news) ኣይብሎን። ኩሉ ሰብ ዝፈልጦ ዘሎ ጉዳይ ግን ከኣ ዕቱብ ኣቓልቦ ዝሓትት ኣርእስቲ  ከልዕል እየ። ኣብዚ እዋን እዚ፣ ኣንጻርና ዝካየዱ ዘለዉ ውግኣት፣ ብቑጽርን ዓይነትን ኣዝዮም ዙሓት’ዮም። ንሓደ ካብኦም’የ ክመጽር-ንባህላዊ ውግእ።

ኣብዚ ቀረባ ዓመታት፣ ንእስትራተጂ ባህላዊ ውግእ ብዝሰፍሐ መልክዑን ብገጂፍ ወጻኢታትን ናብ ህዝቢ ኤርትራ ብሓፈሻ፣ ናብ መንእሰያት ድማ ብፍላይ ዝቐንዐ፣ ደርማስ ወፍሪ ክካየድ ምጽንሑን ይካየድ ምህላዉን ንኹልና ጋህዲ እዩ። እዚ ዘይሓድሽ  ውጥን እዚ፣ ንልዕሊ  ፍርቂ ዘመን ተሰሪሕሉ። እናተደጋገመን መልክዑን ኣገባቡን እናቐየረ’ውን ኤርትራዊ ሃገራዊ መንነት ንምሕካኽ፣ ዘይተኣደነ ማል ፈሲስዎ፣  ፈረ ዘይተረኽቦ ዓውደ ውግእ ኔሩን ኣሎን።

እዚ ብኻልእ ጥበብ ዳግም ንምብርባሩን ዝፍተል  ውዳበታትን ንትግባረኡ ዝሕንጸጽ መገዲታትን ምኽንያት ንምፍላጥ ብዙሕ ምርምርን ቅመራን ዝጠልብ ኣይኮነን።  እዚ ኲናት እዚ፣ ቀደም ኔሩ፣ ሎሚ ኣሎ፣ ጽባሕ’ውን ክቕጽል ምዃኑ ኣየጠርጥርን። ናይዚ ረቂቕ ዝመስል ግን ከኣ ኣዝዩ ቃልዕ ጥበብ፣ ብእዋኑን ኣብ ልክዕ መዓልቱን ምኽርዳንን መስመሩን መገዱን ምስትኽኻልን ናብ ምምካት ስጉምቲ ምውሳድ ኣዳልዪ እመስለኒ።

ሓደ ካብዚ ዓበይቲ መሳርያ ባህላዊ ውግእ፣  ዓውደ ስነ ጥበብ ተመሪጹ ኣሎ። ብሕልፊ ድማ ሙዚቃን ጃንዳ ሙዚቃን። ምስኡን ማዕረኡን  ከም ንሰምዖን ንዕዘቦን ዘለና ደርፍታት፣ ድራማዊ ክሊፕ ሙዚቃ፣ መጽሓፍቲ፣ ብመርበብ ሓበሬታ ዝዝርግሑ ዘለዉ በበይኖም ዓይነት ጽሑፋት፣ ጥቕስታትን ካርቱናትን ስእልታትን ኣለዉ። ነዚኦም ብዘይ ዕረፍቲ ተራቢሖም ናብ ኩሉ ንምብጻሕ “ይስርሓሎም ኣሎ” ኢለ ከም ውዑይ ዜና ክጠቕሶም ኣይኮንኩን። ተልእኾኦምን ዕላምኦምን ኣዝዩ ንጹር እዩ፣ ከንቱ ሕልሚ ዳግማይ ጐበጣን መዝሙር ኣንድነትን። ነዚ ዘይርድኦን ዘይትርጉሞን የለን። ሓደ ነገር ግን የሕስበኒ ኣሎ።  ኩሉ ብሓደ መረዳእታ፣ ብንቕሓት፣ ኣተኲሩ ይከታተሎምን ይዕዘቦምን ንምምካቶም “ይሰርሕ ኣሎ ዶ?” ዝብል ሕቶ እዚ መልሲ ይደልይ እዩ።

ብወገነይ፣ ኣካልን ብዝተፈላለየ ናይ መራኸቢ መገዲ፣ ብዛዕባ እዚ ኣርእስቲ ከዕልል ካብ ዝጅምር ውሑድ ኣይኮነን። እቲ ብሕቶን መልስን ዝረኽቦ ሓሳባትን ዝህቡኒ መልስታትን ዝተፈላለየ’ዩ። ብፍላጥ ይዂን ብዘይፍላጥ ንዝኽሸን መግቢ ምድንጋር ዝቐመሱ ናይ የዋሃን ኣረዳድኣ ይገርመኒ እዩ።

“ እዚ ስነ ጥበብ እንድዩ፣ ንምንታይ ከም ሙዚቃ ጥራይ ዘይንዘናግዓሉ?” ዝብሉኒ ኣለዉ። ብመዘንግዕ ኣይትዘንግዕ’ዩ ዝብሃል። ውሑጅ’ውን እናኣዘናግዐን እናስሓቐን’ዩ ዝወስድ። ነዚ ዘይጋሻ ውሕድ ምዕጋቱ’ዩ ዘምሕር።

ካልኦት’ውን “ ስለምንታይ ደርፊ ብዓይኒ ፖለቲካዊ ጽልኢ ይጥመት? ምስ ፖለቲካ ምትእስሳሩ ኣርባሒ ድዩ?” ዝብሉኒ’ውን ኣይሰኣንኩን።  ስነ ጥበብ ንኹሉ ዓውደ ፍልጠት፣ ፍልስናን ሓቚፉን ኣሕቂቑን ከም መድሃኒት ዘምዑግ ዘውሕጥን፣ ከም መንፈሳዊ ሓይሊ ዝሰርጽን ካብ ስምዒት ኣውጺኡ፣ ናብ ስጋን ተግባረ መቐይሮን ዘስግር ሓይሊ ዶ ኣይኮነን። ስነ ጥበብ፣ ነጺልካ ዝርአ ኣይኮነን። ክኸውን’ውን ኣይክእልን’ዩ። ይትረፍ እዚ ኣብ ፍሉጥ ዓይኒ ዕዳጋ ፖለቲካ ዝርከብ እቲ ስዉር’ውን ካብኡ ኣይወጽእን እዩ።

“ እዚ እንታይ ማለት እዚ እዚ  በብእዋኑ ዝቐርብ ዘሎ ምልክታት ወይ ውከላታት እንታይ?” ንምባል ንዝብል ሕቶይ፣ ወረ ገሊኦም “ሰብ’ዩ ባዕሉ ምስ ከምኡ ዘተኣሳስሮ ዘሎ” ዝብል መልሲ ዘይሃቡኒ ኣይኮኑን።

ብባህሩ ስለ ጥበብ ኣዛማዲ፣ ኣነጻጻሪ፣ ተራኽብን ገላጽን ጥበብ ዶ ኣይኮነን ዝኽተል። ስነ ጥበበኛ  ስርሑ ናብ ህዝቢ ከቕርብ ከሎ፣ ኣዛሚዱ ከስተማቕር፣ ናይ ምግምጋም ሓይሉ ብምዕባይ ክንዮ እቲ ስራሕ ክመራመር ዶ ኣይኮነን።

ሕሉፋት’ውን “ንስነ ጥበብ ስለምንታይ  ከም ስነ ጥበብ ጥራይ ዘይንወስዶ” ክብሉኒ ተሰሚዖም። ኩሉ ዕዮታት ስነ ጥበብ፣ ናይ ገዛእ ርእሱ ስነ ጥብብ ዘስምይዎ ኣገዳስቲ ኣዕኑድ ዝኽተል ዶ ኣይኮነን። ብውሑዱ፣ ጭብጢ ሓሳብ ወይ መልእኽቲ ከይሓዘ ዶ ይነቅል እዩ? ገለ ንምባል ዶ ኣይኮነን ዝስራሕ? ኣብ መወዳእታ ነቕርቦ ሕቶ እንታይ ድዩ?

ሰሪ ብዕምቈት ዘይምግንዛብን ዘይምርዳእን ዝመሉቚ ስምዒታዊ ዘረባ ደጊምካ ምስማዕን ልክዕን መልክዕን ምምላስ ኣገዳሲ እዩ። ብርድኢት ናብ ንቡር ምምላስ ጥራይ ክንሰርሕ ኣድላዪ። ርድኢት ምዕባይ ልቦና ኣብ ምስፋሕ ሓጋዚ እዩ።

ውሑዳት ብሓዲድ መጋበርያ ዘሽከርክሩን መጉልሕ ድምጺ ባቡር ክድምናን ዝነፍሑ’ውን የጋጥሙኒ እዮም። ናይዞም ወትሩ ናይ ኣንድነት መዝሙር ዘድምጹ፣ ዕዱጋትን ባዕለ ዕሱባትን ኣብ መዳይ ባህላዊ ውግእ ዓቢ ስራሕ’ዮም ዘካይዱ። ደይመደይ ኢሎም ነቲ ወፍሪ ንምዕባይን ንምስላጥን ናይ ወትሩ ክድምና ካብ ምክያድ ርሒቖም ኣይጸንሑንን።

ብዙሕ እዋን፣ ኤርትራ ከም ሃገር፣ ህዝቢ ኤርትራ ከም ህዝቢ ኤርትራ ናቱ ፍሉይነትን መለለዪን ዘለዎ ክቡር ዜጋ ምዃኑ ምዝኽኻር ጥራይ እኹል እዩ። በዚ ጥራይ ክሕጸር ከም ዘይብሉ እኣምን። ብዓቢኡ ነዚኦምን ዋናታት ባህላዊ ውግእ ዘካይዱን፣ ጉዶም ምቕላዕን ዕርቃኖም ምውጻእን ግዜኡ ኮይኑ እስመዓኒ።

ቅድሚ ውሑድ ዓመታት ዝረኣናዮም ሙዚቃዊ ውግእ እስከ ንዘክር። ብዝተፈላለየ ስም ከባቢታትን ቦታታትን ኤርትራ ዝተደርፉ ክንደይ ይበጽሑ? ኤርትራዊ ስምን ዛንታን ብምፍጣር  ክንደይ ናይ ደርፍታት ጠያይት ክትኰስ  ሰሚዕና?

እቲ ጽቡቕ ነገሩ፣  እቲ  ተርባጽን ታህዋኽን  ዝዓብለሎ ውግእ ሙዚቃ፣ ንጽሉል ሕልሞም ቀልጢፉ እዩ ምስጢሩ ንግዳም ዘውጽኦ። ካብኡ ሓሊፉ’ውን  እቲ ደፋእ ኢሉ ንዝሓስብን ዝምርምርን’ውን ደርሆ ጻሕቲራ ትረኽቦ ሕቡእ ኣጀናዳ እዩ ዝኾኖ። ክንዝግንዖ ዘይብልና  ሓቂ ግን ኣሎ። እዚ ዓውደ ውግእ’ዚ መሳልል ዝሓለወ ወይ ደረጃ ብደረጃ፣ ካብ ገጻት ናብ ገጻት ይሰግር ምህላዉ ምግንዛብ ኣገዳሲ እዩ።

ካብ ንጽል ደርፊ፣ ናብ ናይ ጉጅለ ይሰጋገር ኣሎ። ኤርትራዊ ደሃያት ብምልቃም ሓድሽ እዩ ዝስራሕ፣፣ ዜማ መንዚዕካ ቋንቋ ብምቕያር፣ ቅኒት ወሲድካ ህርመት ብምልዋጥ  ክምስራሕ ጸኒሑ እዩ። ነታ ርግቢት፣ መዝሙር ርግቢ ኣስምዓያ፣ ክትመጻካ ዝዓይነቱ ጥበብ።

ኣብዚ ቀረባ ኣዋርሕ’ውን  ካብ ደርፊ ናብ ሙዚቃ ክሊፕ እዩ ተሰጋጊሩ።  ናይ ኤርትራ ከባቢታት፣ ባሕርን ከተማታትን ብንኣንድነት ዝቃነዕ ናፍቖት ተሰናዲኡ። እዚ ብንብዓት ሓርገጽ ዘሕዘንዝን ትሕዝቶ ከይተሓጽረ፣  “ሓደ ኢና፣ ሓደ እኮ ኢና” ናብ ዝብል  ደፋር ፈረ ነገር  ጺሑ። እዚ ከብዲ ዘይብልዕ ቅዛነ እዩ። ብትርጉሙን ዕላምኡን  ትንታነ ዘይደሊ፣ ቅሉዕ ቊንቊኛ እዩ። ኣብ ኩሉ ማሕበራዊ ሰክዔት ሓበሬታ  ብጻዕቅን ብዝተፈላለየ ኣገባብ ምድግጋሙ ግን፣ ንምሕሳብን ምስራሕን ዝዕድም እዩ። ዝተደጋገመ ሓሶት፣ ዋላ ሓቂ እንተዘይተቐየረ፣ ጥቓ
ሓቂ ክመስል ይኽእል እዩ።

ዛጊት ብዝተፈላለዩ ደረፍቲ፣ ንዛንታ ምፍልላይ ማእከል ዝገበሩ፣  ዳህላክ፣ ኣዱሊስ፣ ኣስመራ፣ ሰላምን ወዘተን እናበለ ክድጉዑ ይስምዑን ብቪድዮ ክሊፕ ተሰንዮም ምቕራቦም፣ መቐጸልታ ናይቲ ዘየዕርፍ መደረታትን ከንቱ ስብከታት ባሕሪ ኤርትራ ኢልና ጥራይ ክንሰግር የብልናን በሃላይ እየ። ከም መበሃሃሊ እዘን ሕቶታት እዚአን እስከ ንጥምተን፣-

  • ነዚ ሓድሽ ውግእ ከመይ ነንብቦ ኣሎና?
  • ዶብ ዕላማን ናይዚ ረቂቕን  ዕዮ ክሳብ ኣበይ ክበጽሕ’ዩ?
  • መጋበርያ ናይዚ ጸወታ መንመን’ዮም?
  • ውግእ ብሙዚቃ ብኸመይ መገዲ ኣበየናይ ዓውድን ይካየድ ኣሎ?
  • ንተልእኾ ምዝራግ ወይ ምድኻም ኤርትራዊ ሃገራዊ ሓሳብን ኣተሓሳስባ ብኸመይ ይጸምዶ?
  • ብመስርሕ ንምህናጽ እቲ ካልእ ኣረዳድኣን ዝሁምነትን እንታይ ኣሎ?
  • እዚ  ስዉር  ገያሺ(ተጓዓዚ) ብኹሉ ሸነኻት እንታይ ክሃርም ይድለይ ኣሎ?

ምፍጣር ሉኡምነት ካብ ዋና ጉዳይን ዛዕባን ከመይ ክጸልው ይኽእል? ዝብል ሕቶታት ተኻዕዩኒ ኣሎ።

በዚ ዓንቀጽ ኣቢልና ክንበሃሃልን ክንለባበምን ናይ ሓባር ጽኑዕ ዕርዲ ክንፈጥር ከኣ ክጽውዕ እየ። ንኣይ ዝመስለንንን ዝኽሰተለይን ዘሎ ምስናይ ኣብነታቱ ክገልጽ ክፍትን እየ።


Sponsored Ads
እቲ ካልእ ውግእ- ዳግማይ ባህላዊ ኲናት! Reviewed by Admin on 8:17 AM Rating: 5

11 comments:

  1. Wedi Msgna,
    All I can say is that you read the bottom of my heart. This is perhaps the biggest front that needs not just talking but organized counterattack by our artists. Art-based war can only be effectively foiled by the power of art.

    Wetru Awet n Hafash!!!

    ReplyDelete
  2. why are we teaching the kids this stupid dance with knife?

    ReplyDelete
  3. Stupid Dance? Are you serious about that? :)
    Don't show your stupidity. Kids need and should learn their tradition, be it in dancing or any other. You should ask what the use of knife in the traditional dance signifies. I hope you are not thinking of teaching them other peoples traditional dance, like Arabic, western dance, etc. It is good to love what you own and nothing wrong with trying to modernize it like using a fake knife.

    ReplyDelete
  4. Give me a C
    Give me a A
    Give me an L
    Give me a T
    Give me a U
    Give me an R
    Give me an E
    WHaT do u get ? CULTURE , YYAAAYYYY !!!

    ReplyDelete
  5. And ehat do cowboys kids have on therwaist growing up ? GUNS , WEEEEHA ! :)

    ReplyDelete
  6. Why is the knife needed

    ReplyDelete
  7. I have a problem with using a REAL knife too. Why can't they use a harmless stick?

    ReplyDelete
  8. Some ppl are just victims of their own imagination.
    Where do you see a real knife? Look closely ...

    ReplyDelete
  9. And ohh btw, you can kill with a "HARMLESS stick" just as you can kill
    With a real knife. There are a lot of GUNS in some households, & how much crime are in ERITREA ?? ZEEEEEERO ! WHY ?
    We are that civil and humble people!

    ReplyDelete
  10. semere zeykewin iske aytzareb. is there no crime in eritrea? In which planet do you live ? abza tiqay intetihlu beza harmless zibelkaya betri gere meseraserkuka nere kkkkkkkkkkkkkkkkkkkk

    ReplyDelete
  11. Sheytan kesh kesk yebilka rugum agame!
    Mask awtsayo kidim, haloween kedem halifu, dehar tigray mis eritra aytewadadir ember somaliland ( ab map yelan eya) salsay AAAAKKKKK TOOOF algid adgi !

    ReplyDelete

All Rights Reserved by Madote © 2016

Contact Form

Name

Email *

Message *

Powered by Blogger.