Top Ad unit 728 × 90

Trending

random
.

15th Euro YPFDJ Conference convenes [Video]



15th YPFDJ Conference convenes

By Shabait

The 15th YPFDJ –Europe Conference convened today, 19 April in London under the theme “Nation Building in the Era of Peace and Development”. The Conference was officially opened by Mr. Yemane Gebreab, Head of PFDJ Political Affairs.

The four day conference is being attended by Eritrean Ambassadors and diplomats as well as about 700 youth representatives from Europe and America.

Indicating that the prevailing peace is the result of strong resilience of the Eritrean people and its leadership, Ms. Rahel Seyum, Chairperson of the YPFDJ-Europe, called for transferring the noble values to generations.

Pointing out that the conference is being held at the time in which the Eritrean people emerged victorious against external conspiracies targeting the Eritrean sovereignty, Mr. Estifanos Habtemariam, Eritrean Ambassador to the UK and Northern Ireland, called for strengthening organizational capacity and contribution in the national development drives.

The Chairman of the National Union of Eritrean Youth and Students, Mr. Saleh Ahmedin on his part called for active participation of the youth in the nation building process.

In his keynote speech, Mr. Yemane Gebreab, indicating that the conspiracies to reverse the independence and sovereignty of Eritrea have been foiled for the second time, underlined that the era of peace demands for channeling all resources for the development of the country.

The Chairperson of the National Union of Eritrean Women branch in Europe, Ms. Negisti Tsegai and Ms. Ruby Sandhu, friend of Eritrea, delivered messages of solidarity.












---------

"መበል15 ዋዕላ መንእስያት ህግደፍ ኤሮፓ ህንጸት ሃገር ፥ ኣብ መዋእል
ሰላምን ልምዓትን ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ ኣብ ዓባይ ብሪጣኒያ ብወግዒ ተከፊቱ"

*************************************************************
ሎሚ 18 ሚያዝያ 2019 መበል 15 ዋዕላ መንእስያት ህዝባዊ ግንባር ንዲሞክራስን ፍትሕን ህንጸት ሃገር ኣብ መዋእል ሰላምን ልምዓትን ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ ብውዕውዕ ሃገራዊ መንፈስ ተከፊቱ።

እቲ ሎሚ 18 ሚያዝያ 2019 ኣብ ዓባይ ብርጣኒያ ዝተከፍተ መበል 15 ዋዕላ መንእስያት ህግደፍ ኤሮፓ ብሃገራዊ መዝሙር ኤርትራን - ብመዝሙር ውድብናን'ዩ ብወግዒ ኣንበሳደራትን ሓለፍቲ ምሽንን ካብ መላእ ኤሮፓን ኣሜሪካን ዝመጹ ኣስታት 700 ወከልቲ መንእስያት ህግደፍን ህጻናት ሕድርን ኣብ ዝተረክብሉ ብሓላፊ ፖለቲካዊ ህግደፍ ኣቶ የማን ገብርኣብ ብወግዒ ተከፊቱ።

ኣብ መክፈቲ እቲ ዋዕላ ብኣቦመንበር ኣሰናዳኢት ሽማግለ እቲ ዋዕላ ናይ እንኳዕ ድሓን መጻኩም ቃል ድሕሪ ምቅራቡ ፥ ነቲ ዋዕላ ንምውዳብ ከይተሓለሉ ንዝሰርሑ ወለዲ መንእስያትን ማሕበረ ኮማትን ውዳቤታትን ምስጋና ቀሪቡ።

ኣደ መንበር መንእስያት ህዝባዊ ግንባር ንዲሞክራስን ፍትሕን ኤሮፓ ወይዘሪት ራሄል ስዩም ብስም ማእከላይ ኮሚቴ መንእስያት ህግደፍ ኤሮፓ ፥ ንተሳተፍቲ እንኳዕ ብድሓን መጻኩም ድሕሪ ምባል ሳላ ዝመከትናን ዝጸናዕናን ንኩሉ ውዲታት ሲዒርና ኣብ ዝልዓለ ቡሩሕ መጻኢ ተሰጋጊርና ፥ ሰላምና ኣዊሒስና ።

እንሆ መበል 15 ዋዕላ መንእስያት ህግደፍ ኣብ ቅድሜና ንዘሎ ሃገራዊ ዕማምን ብድሆታትን ክንሰግሮ ዋዕላና "ህንጸት ሃገር ኣብ መዋእል ሰላምን ልምዓትን" ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ ብሓበን ነቃንዕ ኣሎና ኢላ።

ኣሲዒቡ ኣምበሳደር ሃገረ ኤርትራ ኣብ ዓባይ ብሪጣኒያን ኣየርላንድን ኩቡር ኣምባሳድር እስቲፋኖስ ሃብተማሪያም ንዕድማት ኣጋይሽን ተሳተፍትን ኣብ ዘስምዖ ቃል ፥ ፉሉይነት መበል 15 ዋዕላ መንእስያት ህዝባዊ ግንባር ንዲሞክራስን ፍትሕን ኤሮፓ ኩሉ ውዲት ኣብ ዝተሳዕረሉ ፥ ህዝብን ኤርትራን ብዓወት ደሚቁ ኣብ ዝወጻሉን ሰላምና ኣረጋጊጽና ኣብ ልምዓትን ህንጸትን ሃገር ኣብ ዝተበገስናሉ ኣጋጣሚ

ታሪካዊ ኣጋጣሚ ይቃናዕ ብምሕላው ዋዕለኛታት ፥ ካብ ዚ ኩውንነት ተበጊሶም ፥ ንዝጽበዮም ብድሆታትን መደባት ህንጸትን ልምዓትን ውዳበን ብዓወት ከሳልጡ ውሽጣዊ ውዳበታቶንን ዕማማቶም ብጉብእ ክፍትሹን ናብ ሓያል ዕማማትን ውዳቤን ዘማእዝኑ መደባት ሂዞም ክወጹ ኣዘካኪሩ።

ኣቦ መንበር ሃገራዊ መንእስያትን ተመሃሮን ኤርትራ ኣቶ ሳልሕ ኣሕመዲን ፥ ነተሳተፊቲ ኣብ ዘስምዖ ቃል ፥ ንልዕሊ 20 ዓመታት ብዶብ ተሳቢቡ ፤ ምስኡ ሲዕቡ ንዝገጠሙና ሸርሕታት ሲዒርና ፥ ነጻ ፓለቲካዊ መስመርና ተዓዊቱ ሰላም ኣብ ዝሰፈነሉ ፤ ታሪካዊ ዋዕላኩም ተካይዱ ብምሕላውኩም ሑሉፍ ብድሆታት ዝገደፉልና በሰላ ንምሕዋይ ከም ኣብ መከተ ኣብ ህንጸትን ልምዓትን ዳግማይ ቅያ እንሰርሓሉ መድረክ ኢና እንርከብ ኢሉ።

ኣደ መንበር ሃገራዊ ማሕበር ደቂ ኣንስቲዮ ኤርትራ ዞባ ኤሮፓ ወይዘሮ ንግስቲ ጸጋይ ሃማድኤ ኣብ ጎኒ መንእስያት ደው ብምባል ኣብ ኩሉ ዘካይድዎ ሃገራዊ ዕማማት ሙልእ ደገፍ ከም ዘይፍለየኩም
የረጋግጸልኩም ብምባ ዕውት ዋዕላ ክኮነሎም ተመኒያ።

መሓዛ ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ወይዘሮ ሩቢ ሳንዱ ንተወፋይነትን ጽንዓት ህዝብን መንግስትን ግንባርን መንእስያትን ኣመልኪታ ንተሳተፍቲ ዋዕለኛታት ናይ ደገፍ ቃል ኣቅሪባ።

ኣብ መወዳእታ ሓላፊ ፖለቲካዊ ጉዳያት ህግደፍ ኣቶ የማነ ገብርኣብ ንመንፈስን ትርጉምን ቴማ መበል 15 ዋዕላ መንእስያት ህግደፍ ህንጸት ሃገር ኣብ መዋእል ሰላምን ልምዓትን ኣመልኪቱ
ኣብ ዝሃቦ መግለጺ።

መበል 15 ዋዕላ መንእስያት ህግደፍ ኤሮፓ ዋዕላን ጽንብል ጸላምንዩ እንኳዕ እንኳዕ ሞጎሰና ብምባልኣስዒቡ ቴማ ዋዕላኩም ከም ዘመላክቶ ዕላማና ዕላማ ህንጸት ሃገርን ልምዓትን'ዩ።

ካብ 1991 ስጋብ 2018 ናጽነትናን ሉ ኣላውነትናን ንምምንጣል ዝተገብረ ጻዕርታት ከም ኣብ ሓርነታዊ ቃልሲ ንካልኣይ ግዜ ከም ዝተሳዕረን ኣብ ማሕበራዊ ፍትሒ ዝተመርኮሰት ፍትሓዊትን ብልጽግትን ዲሞክራሳዊትን
ንምህናጽ ነቂልናሉ ኣብ ዘሎና መድረክ ህንጸትን ልምዓትን ከም ንርከብን ቴማ ዋዕላኩም ድማ ነዚ ዝገልጽን ህንጸት ሃገርን ልምዓት ዘበስርንዩ ኢሉ።

ኣብ ዝሓለፉ 28 ዓመታት እተን ዝነበራ ናይ ሰላም ዓመታት 7 ዓመት ምንባረንን ብምዝክካር ኣብ ዘለናዮመድረክ ስግኣታት ተሳዒሩዩ። ነዚ ታሪካዊ ዓወት ናብ ስራሕ ቀይርና ቡዙሓት ናብ ሃገሮም ክመጹን ኣብ ሃገሮም
ንከበርክቱ ባይታ ዘጣጠሓን ዝፈጠርን ሙኳኑ ክፍለጥ ጉቡእዩ ኢሉ።

ሎሚ 18 ሚያዝያ 2018 ኣብ ስዓታት ቅድሚ ቀትሪ ዝተከፍተ መበል 15 ዋዕላ መንእስያት ህግደፍ ገምጋማዊ ጸብጻብ መንእስያት ህግደፍ ኤሮፓን ኣብ ዝተፈላለዩ ኣርእስትታት መግለጺታትን ዘተን ከሙኡ ውን ብኣቶ የማነ
ገብርኣብ ንህሉ ኩነታት ሃገርን ዓለምን ዝምልከት መግለጽን ናይ ሕቶን መልስን መደባት ብምክያድ ቀጺሉ
ከምሲዩ።


Sponsored Ads
15th Euro YPFDJ Conference convenes [Video] Reviewed by Admin on 8:02 AM Rating: 5

No comments:

All Rights Reserved by Madote © 2016

Contact Form

Name

Email *

Message *

Powered by Blogger.