Top Ad unit 728 × 90

Trending

random
.

The Passion for Industrial Arts




 The Passion for Industrial Arts

                                         ፍቅሪ ጥበብ

       ብተፈጥሩኡ ሓረስታይ ኤርትራዊ ሓርኮትኮት (active) በሃላይ ኢዩ። ግን ካብ ዘይምስትውዓል ዝኣክል፡ ስነ-ጥበብ ወይ ሰንዓ  (ተክኖሎጂ) ምስ ምጽኣት ጣልያን ኣብ ኤርትራ ዝተኣታተወ ይመስለና ይኸውን። ንኣብነት ከይተፈለጠና ከምዚ ዝስዕብ ንብል፡-

        - ሓሪስካ ብላዕ።

         - ርሂጽካ ብላዕ።

         - ዘይናትካ ኣይትብላዕ።

         -ደርሆ እንተ ዘይጻሕተረት፡ ድኻ እንተ ዘይዞረ ጾሙ ምሓደረ።

         - ሃብቲ ብዕዮ፡ ገነት ብዝጊዮ።

         - ስራሕ ክብረት ኢዩ።

         - ጻጸ ጻጸ ንእሽቶ ሓሰኻ

           ክረምቲ ከይኣተወ ተእቱ መግብኻ (ሃኮተ)።


 ኣብ ኣዲስ ኣበባ ከለኹ፡ “የስራ ሰዎች ናችሁ” ክብሉ ክሰምዕ ክሳብ ክንድ’ቲ ኣየስተውዕለሉን ነይረ፡ ምኽንያቱ መፈጠርና ስለ ዝዀነ። ንኣብነት  መጽሓፍ ቅዱስ “ ብርሃጽ ገጽካ ብላዕ፡ መሬት ኢኻ’ሞ፡ ናብ መሬት ክትምለስ ኢኻ” ይብለና። ብኻልእ ወገን፡ ብምቅላል  ሽመት ካብ ኢድ ስራሕ ኣጸቢቁ ዝኸበረ  ምዃኑ የተንብሃልና ይኸውን። ሓተታኡ ሰፊሕ ኢዩ።

 ኣቦታትና ድሕሪ ሱሳ ዓመታት መግዛእቲ ጣልያን፡ ባሕሪ ሰጊሮም ፍልጠት ክቀምሱ ዝነበሮም ሃረርታን ትምኒትን ሎሚ ክንዝክሮ፡ ኣዝዩ ዝብድሃናን ዘተሓሳስበናን ምዃኑ ኣይሰሓትን። ስለምንታይ ድሕሪ ናጽነት ሓደ ሓደ መንእሰያት ንትምህርቲ ብሸለልታ ስለ ዝርእይዎ። ትምህርቲ ንሕብስትን ንወይንን (pane e vino) ጥራይ ኣይኰነን። ብዘይ ሓደ ኲነት ምሒር ፍቅሪ ትምህርትን ጥበብን የድሊ። ብፍላይ ህልውናን ራህዋናን ምስኡ ዝተኣሳሰረ ብምዃኑ። በዚ ምኽንያት ከኣ’ዩ Albert Einstein, “ Learn for the sake of education” ዝበለ።

ብዝተረፈ ከም’ዚ ክብለና ከሎ ኣይንዘንግዕ። “ጥበብ ኅይል ውእቱ።” knowledge is power ማለቱ ኢዩ።

እምበኣርከስ ኣቦይ ባዕሉ ምንባብን ምጽሓፍን ዝተማህረ፡ እዚ ዝስዕብ መዝሙር ብንእሽቶይ ይዝምረለይ ከም ዝነበረ ሎሚ እዝክር።

   መዝሙር ፍቕሪ ጥበብ

ጥበብ ተመሃሩ፡ ደቀይ ካብ ሎሚ

ሰብሲ ኣማሚ’ዩ እዝግኸ ፈጻሚ

ንዓ ሓወይ ንኺድ ክንሻየጥ ምኽሪ

ብኣየር ክንሓልፎ፡ ነዚ ምድረ-ባሕሪ።



ናበይ’ልኪ ሃገረይ ንግሆ ትግስግሲ

ጥበብ ተማሂረ፡ ክድይብ ናብ ርእሲ።

ኣበይ ነርኪ ፍቕሪ፡ ናይ ጥበብ መሰረት

ተኸዊለ ነይረ ብዓለባ ሳሬት።



ጽሕፈተይ ንባበይ፡ እንድሕሪ ወዲኤ

ስራሐይ እጅምር፡ ጥበብ ተዓጢቐ።

ጽሕፈተይ ንባበይ እንተ ወዲኤዮ

ሞደሻይ ኣልዒለ እኸይድ ናብ ዕዮ።



ጥቕሚ ሓጺን እንድሕሪ ፈሊጠ

ብኣየር ምኸድኩ ጥበብ ተቐኒተ።

ሓወይ’ታይ ትደሊ ካብ’ዚ ኲሉ ንብረት

ምስ ደቂ ዓድኻ፡ ትምህርቲ ምስ ሕብረት።



ኣቦይን ኣደይን’ታይ ግበር ትብሉኒ

ንጠበብ ክደልያ፡ ግዳ ሓግዙኒ።

ንጥበብ ረኺበ፡ ክነብር ብስርዓት

ካብ ዓደይ ክሰጎም፡ ንትህኪት ንዂርዓት።



ዓደይ ጀጋኑ ውለዲ፡ መኻን ከይብሉኺ

ጀጋኑ ውለዲ ደጊም ሓደራኺ።

ጀጋኑ ወሊደ እንተ ዘይተማህሩ

ከም ዘይወለድኩዎም፡ ደኣ ከይቚጸሩ።



ዕዮ’ዩ ዘብጽሕ፡ ናብ ክብረት ንኣና

ደጊም ሓደራኹም፡ ንሰማማዕ ኢና።


ምንጪ (Source):-

ምምሕዳር ኤርትራ ክፍሊ ትምህርቲ (1962 ሳልሳይ ሕታም)። “መጽሓፍ ንባብን ኣስተዋጽኦ ፍልጠትን” ንሳልሳይ ክፍሊ። እዚ መጽሓፍ ንኹሎም ተማሃሮ ብመንግስቲ ኤርትራ መምሃሪ ክኸውን ይዕደል ነይሩ። ድሓር ግና ኣብ እስካሪኮ ማለት  ኣብ መንገዲ ባጽዕ ዝርከብ  ናይ ጣልያን መአከቢ ጐሓፍ ተኣኪቡ ተቃጸለ። ስዕሊ ረኣይ።


-ሃይለ

Sponsored Ads
The Passion for Industrial Arts Reviewed by Admin on 8:00 AM Rating: 5

No comments:

All Rights Reserved by Madote © 2016

Contact Form

Name

Email *

Message *

Powered by Blogger.