The Passion for Industrial Arts
The Passion for Industrial Arts
ፍቅሪ ጥበብ
ብተፈጥሩኡ ሓረስታይ ኤርትራዊ ሓርኮትኮት (active) በሃላይ ኢዩ። ግን ካብ ዘይምስትውዓል ዝኣክል፡ ስነ-ጥበብ ወይ ሰንዓ (ተክኖሎጂ) ምስ ምጽኣት ጣልያን ኣብ ኤርትራ ዝተኣታተወ ይመስለና ይኸውን። ንኣብነት ከይተፈለጠና ከምዚ ዝስዕብ ንብል፡-

- ርሂጽካ ብላዕ።
- ዘይናትካ ኣይትብላዕ።
-ደርሆ እንተ ዘይጻሕተረት፡ ድኻ እንተ ዘይዞረ ጾሙ ምሓደረ።
- ሃብቲ ብዕዮ፡ ገነት ብዝጊዮ።
- ስራሕ ክብረት ኢዩ።
- ጻጸ ጻጸ ንእሽቶ ሓሰኻ
ክረምቲ ከይኣተወ ተእቱ መግብኻ (ሃኮተ)።
ኣብ ኣዲስ ኣበባ ከለኹ፡ “የስራ ሰዎች ናችሁ” ክብሉ ክሰምዕ ክሳብ ክንድ’ቲ ኣየስተውዕለሉን ነይረ፡ ምኽንያቱ መፈጠርና ስለ ዝዀነ። ንኣብነት መጽሓፍ ቅዱስ “ ብርሃጽ ገጽካ ብላዕ፡ መሬት ኢኻ’ሞ፡ ናብ መሬት ክትምለስ ኢኻ” ይብለና። ብኻልእ ወገን፡ ብምቅላል ሽመት ካብ ኢድ ስራሕ ኣጸቢቁ ዝኸበረ ምዃኑ የተንብሃልና ይኸውን። ሓተታኡ ሰፊሕ ኢዩ።
ኣቦታትና ድሕሪ ሱሳ ዓመታት መግዛእቲ ጣልያን፡ ባሕሪ ሰጊሮም ፍልጠት ክቀምሱ ዝነበሮም ሃረርታን ትምኒትን ሎሚ ክንዝክሮ፡ ኣዝዩ ዝብድሃናን ዘተሓሳስበናን ምዃኑ ኣይሰሓትን። ስለምንታይ ድሕሪ ናጽነት ሓደ ሓደ መንእሰያት ንትምህርቲ ብሸለልታ ስለ ዝርእይዎ። ትምህርቲ ንሕብስትን ንወይንን (pane e vino) ጥራይ ኣይኰነን። ብዘይ ሓደ ኲነት ምሒር ፍቅሪ ትምህርትን ጥበብን የድሊ። ብፍላይ ህልውናን ራህዋናን ምስኡ ዝተኣሳሰረ ብምዃኑ። በዚ ምኽንያት ከኣ’ዩ Albert Einstein, “ Learn for the sake of education” ዝበለ።
ብዝተረፈ ከም’ዚ ክብለና ከሎ ኣይንዘንግዕ። “ጥበብ ኅይል ውእቱ።” knowledge is power ማለቱ ኢዩ።
እምበኣርከስ ኣቦይ ባዕሉ ምንባብን ምጽሓፍን ዝተማህረ፡ እዚ ዝስዕብ መዝሙር ብንእሽቶይ ይዝምረለይ ከም ዝነበረ ሎሚ እዝክር።
ምንጪ (Source):-
ምምሕዳር ኤርትራ ክፍሊ ትምህርቲ (1962 ሳልሳይ ሕታም)። “መጽሓፍ ንባብን ኣስተዋጽኦ ፍልጠትን” ንሳልሳይ ክፍሊ። እዚ መጽሓፍ ንኹሎም ተማሃሮ ብመንግስቲ ኤርትራ መምሃሪ ክኸውን ይዕደል ነይሩ። ድሓር ግና ኣብ እስካሪኮ ማለት ኣብ መንገዲ ባጽዕ ዝርከብ ናይ ጣልያን መአከቢ ጐሓፍ ተኣኪቡ ተቃጸለ። ስዕሊ ረኣይ።
-ሃይለ

Post Comment