Top Ad unit 728 × 90

Trending

random
.

Traditional Tigrigna Love Songs (Part Three)




   " ጥንታውያን ደርፍታት ፍቅሪ ትግርኛ (ሳልሳይ ክፋል)"

እቲ ቀንዲ ዓላማ ናይ'ዚ ጹሑፍ "ብትምክሕቲ ቋንቋ/language chauvinism" ዝኣክል፡ ናይ ካልኦት ኣህዛብ ልሳን ምንዓቅን፡ ምንእኣስን፡ ምልጋጽን ዝርኤ ተግባር ናይ ጭዋታትን፡ ለባማትን፡ መስተውዓልትን መለዮ ዘይምዃኑ ኢዩ ( a mark of distinction)። ኣብ'ዛ ዘለናያ ግዚያዊት ዓለም፡ ብስነ-ቋንቋ  መዳይ፡ ልሳናት ዓለም ብማዕርነት ኢዮም ዝረኣዩ። ምኽንያቱ "መፈጠርናን መራኸቢን"  ስለ ዝዀኑ። ስለ'ዚ ሓተታ ብሰፊሑ ንምዝርዛር ሓደ ነብሱ ዝኸኣለ ጽሑፍ ምድላው የድሊ።

- እንተዘይኣቶኻ በዚ ሰሙን
  ወዮ እኽሊ ኣይበልዕ ሰብ ኣይከውን።

- እንተዘይኣቶኻ በዚ ዘኽቲ
  ወይ እኽሊ ኣይበልዕ ማይ ኣይሰቲ።

- ስዕሊ ቅዱስ ጊዮርጊስ ሓዲስ ቀለም
  ኣታ ጢሊምካዶ እዝጊ ይጥለም።

- እንተ ኣነ ኮይነ በደለኛ
  ላዕላይ ሰማይ ይኹነና ዳኛ።

- ብርሌ'ዶ ንሁግ ይስፈሮ
  ከምዚ ኣነ ሰይጣን ዝኣሰሮ 
  ተፋቅርካ ጽልኢ መን ጀመሮ።

- ጥውጥዋይ ከም ቀርኒ ዓጋዘን
  ተፋቅርካ ጽልእስ ኣይኣዘዘን።

- ኣይኮነንዶ ኣይበልኩን ብቀደሙ
  ሕሱም ፍቅሪ ጽልኢ መደምደሙ።

- ደናጒኻ ምስ ስረ ስምምዕ
  እዝጊ ኣሎኒ ክፉኡኻ ዘስምዕ።

- ኣረቂ ሰትየ እኳ ጉስዕ
  ኣይርከብን ንዓኻ ዘረስዕ።

- ወዓግ ሸያብ ኢዩ ምቀደሰ
  ዝብኢ ሓንካስ ኢዩ ምሓረሰ
  ኽላ ወግድ ብስላሴ።

- መሸላ ክረምቲ ግላዕ ምላዕ
  ዝጐደለ ፍቅሪ ብምንታይ ይምላዕ።

-ኽምስ እንተበልኩ ዓሻ እመስል
  ክንዳይ እኳ የለን ዘስተማስል።

-ይቅጽል

Sponsored Ads
Traditional Tigrigna Love Songs (Part Three) Reviewed by Admin on 1:35 AM Rating: 5

No comments:

All Rights Reserved by Madote © 2016

Contact Form

Name

Email *

Message *

Powered by Blogger.