Top Ad unit 728 × 90

Trending

random
.

No Matter the Daughter of Eve


ኣህጉራዊ በዓል ደቂ-ኣንስትዮ ብሳዕሲዕትን ብብልዖትን ዝኽበር ይመስለና ይኸውን። ኣይኰነን። ግን ኣብ ፍቀዶ ሃገራት ስለ ታሪኽን፡ ተሞክሮን፡ መሰልን፡ ምዕባሌን ደቂ ኣንስትዮ ዝምልከቱ ትምህርተ-ጉባኤ (ሰሚናራት) ይካየዱ። ሓደ ሓደ  ሊቃውንቲ ኣብዛ  እንነብረላ ዓለም ካብ ተጻብኦታት ዓይሌት ወይ ኣህጉራዊ ውግእ፡ብፍላይ  ቅራኔ-ጾታ (Gender Conflict) ኣዝዩ በዳሂ ከም ዝኸውን ይጠቅሱ። ምኽንያቱ ዘኸትሎ ሳዕቤናት  ብሓደ ወገን ሃነጽቲ  ክዀኑ ከለው፡ ብኻልእ ወገን ከኣ ኣዝዮም  ተጋራጨውትን  ኣካታዕትን ብምዃኖም  ኢዮም ። ዝዀነ ዀይኑ.... መንስኤ ሐተታኡ   ካብ ሕሉፍ ታሪኽን ተሞክሮን ደቂ ኣንስትዮ ፈሊኻ ኣይረኣይን ክበሃል ይከኣል። እስኪ እዚ ዝስዕብ ግጥሚ ኣብነት ይኹነና፡-  

"ድሓን ጓል ሄዋን"

ከኣ ይብሉኒ እንታይ እዋና ዓምቢባ
ገና ብቆልዓይ ከጥቡ ጸባ።

ገንሸል ድየ መንቀጺ-ደም
ንሓድሕዶም ክፋሰሱ ብደም።

ንግስቲ እመስል ጻዕዳ ቨሎ ተኸዲነ
እንታይ እሞ ብሕፍረት ደኒነ'

ንምርኣይ'ኳ ዘሕንኸኒ ንሰብኣይ
ጉዝጉዝ ደኣ በለኒ ብቨሎ መርዓይ።

መርዓት ብእልልታ ተዓጂባ ክትወጽእ
ኣዲኣ ኣእዳዋ ጨቢጣ ብማዕዶ ትነብዕ።

በዓል ኣደይ ይብላ "እልል"
ዘበትርጓሜሁ "ሃሌሉያ"
በል መባልዕታ ይግበሮ ሰብኣያ።

ብመርዓይ ውጽኣት መዓልቲ
ሓቁፎም ኣወጥሑኒ ከም ድንስቲ።

ድሕሪ'ዚ ኹሉ ሆሆታ፡ ሽሻይ፡ ግብጃ
ምስ ውቡእ  ኢደይ ብድሕሪ መጋረጃ።

እንታይ ኣድለየ ዓርኪ-ርእሲ ንሰብኣይ
ምንም ኣየምሕርን ክብል ሔማይ።

ንበይነይ ንጻወት ይብሉኒ ኣደሳሳቅ
እንተ ተጋገኹ ኩላቶም ስሓቅ።

እልልታ ጓል "ኣርባዕተ" ርሑስ ጋማ እልፊ
ኣሰየ ኣሰና ተኻሕስኪ ብሕልፊ።

መዛረቢት እመስል ብገዝመይ
ግን ካበይ የምጽእኦ ስኡናት መሰልተይ።

ውሑዱና ገዝሚ ብዕራይ ክብሉ ክትዝክሪ
ንስኺን'ዶ ካብ እንስሳ ትኸብሪ።

መርዓ ንወለደይ ዕዳ፡ ንዓይ ክብሪ ድሓን
ሰብኣየይ "ጊስ" ክብለኒ ተሰምዓኒ ሕስራን።

ወርቂ ጐባጉብ ተምሳል ዋልታ
ንዓይ መጋየጺ መደበሊ ንጐይታ።

ገጸይ ተሸፊነ ከም ጓል ግብጺ
ውቁጥ-ስኒ ኣየድልየንን መጋየጺ።

ድማ ይብሉ " ሰይተቦ ሰማየ ትርከቦ"
ወሽሙ ዘምጽኣለይ ኣቦ።

ንሕንጢት "ህድኣት፡ ንዕንዱ " መኰንን"
ኣፍ ኣውጺኡ ክፈርድ፡ ክኹንን።

"እንታይ'ድኣ" ይብለኒ ክወጽእ ክኣቱ
ከም'ዛ ዘይኰንኩ ኣደ ቆልዕቱ።

ድሓን ልኻይ እልከ ምስ በረቀ
ሰብኣይ ፈንፊኑ እንተ ረሓቀ።

ድልየተይ ከይነግሮ ፈርሔ ኩሉ ሳዕ
ካብኡ ሓሊፈ ይሕሸኒ ምጉራዕ።

-ሃይለ
Sponsored Ads
No Matter the Daughter of Eve Reviewed by Admin on 12:10 PM Rating: 5

No comments:

All Rights Reserved by Madote © 2016

Contact Form

Name

Email *

Message *

Powered by Blogger.