Top Ad unit 728 × 90

Trending

random
.

My Valentine Poem for Eritrea





"ንኤርትራ እንታይ ኢለ ክደርፈላ?"

ኣንታ መግለጺ ቃላት ስኢነላ
ግርም'ዶ ክብላ ድንቂ
ጥዕምቲ ሽቶ'ዶ ክብላ ኣረቂ
ክብርቲ'ዶ ክብላ ወርቂ
ሃሪ'ዶ ክብላ ጨርቂ
ሽሻይ'ዶ ክብላ ስንቂ
ብስልቲ'ዶ ክብላ ኣንጉዐይ
ሕንቅቅቲ'ዶ ክብላ ጓለይ
ኤረና'ዶ ክብላ ከቀባጥር
ጠስመይ'ዶ ክብላ ክቁንጥር
ናርገ'ዶ ክብላ ሰተ ሰምሃር
ሽኮረይ'ዶ ክብላ መዓር
ሎሚ'ዶ ክብላ ጽባሕ
ምዕጉርቲ'ዶ ክብላ ቱፋሕ
ዓይነይ'ዶ ክብላ ክነብዕ
ዝግነይ'ዶ ክብላ ክበልዕ
ኣሰና'ዶ ክብላ ክስዕስዕ
መርዓተይ'ዶ ክብላ ኩቱሻይ
ስልምቲ'ዶ ክብላ ሕምባሻይ
እኽሊ'ዶ ክብላ ቡቕሊ
ሰጋር'ዶ ክብላ በቅሊ
ሕኛ'ዶ ክብላ ዕላም
ከደረይቲ'ዶ ክብላ ጸላም
ብርለ'ዶ ክብላ ልምጽቲ
ሃንዛ'ዶ ክብላ ልስልስቲ
ለጋስ'ዶ ክብላ እንካ
ሓገዝ'ዶ ክብላ ኢዳ
ክብርቲ'ዶ ክብላ ብዕዮ
ጻድቃን'ዶ ክብላ ብዝጊዮ
ሰማይ'ዶ ክብላ ኣርያም
ርግቢ'ዶ ክብላ ሰላም
ብርሃን'ዶ ክብላ ሽምዓ
ሕንጢት'ዶ ክብላ ቆልዓ
ንኤርትራ እንታይ ኢለ ክደርፈላ
መግለጺ ቃላት ስኢነላ
ላ!ላ!ላ!ላ...............

ሃይለ
Sponsored Ads
My Valentine Poem for Eritrea Reviewed by Admin on 1:15 PM Rating: 5

No comments:

All Rights Reserved by Madote © 2016

Contact Form

Name

Email *

Message *

Powered by Blogger.