Top Ad unit 728 × 90

Trending

random
.

Eritrean Embassy, South Africa: ጸብጻብ ኣኼባ ኤርትራውያን ነበርቲ ኣንጎላ



ዜና፣          ኣኼባ ኤርትራውያን ነበርቲ ኣንጎላ


ኣባላት ማሕበረ-ኮም ኤርትራውያን ነበርቲ ኣንጎላ ብዕለት 02/01/2016 ኣኼባ ኣካዪዶም። ኣብቲ ብዛዕባ ዓመታዊ ገምጋም ሓፈሻዊ ንጥፈታት ማሕበረ-ኮም፣ ምፍታሕ ማሕበራዊ ጸገማት ኣባላትን፣ ኣብ ጥሙር ሃገራዊ መኸተ፣ ኣንጻር’ቲ ብኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ብጉልባብ ሰብኣዊ መሰላት


ዝካየድ ዘሎ ጸለመ ምምካትን ዝብሉ ኣርእስታት ዘትዮም።


ኣብቲ ብኣቦ-መንበር ማሕበረ-ኮምን ኣቦ-መንበር ሽማግለ መኸተ ኤርትራውያን ኣብ ኣንጎላን ዝተመርሐ ኣኼባ፣ እቲ ማሕበር ኣብ ዓመተ 2015 ዘካየዶም ንጥፈታት፣ ወኪል ማሕበረ-ኮም ምስ ኤምባሲ ብምትሕብባር ንዜጋታት ቆንስላዊ ኣገልግሎታት ኣብ ምሃብ ዝተኻየዱ ንጥፈታትን ዘጋጠሙ ብድሆታትን፣ ከምኡውን ኣብ ዜጋታት ዘጋጠሙ ማሕበራዊ፣ ቁጠባዊ፣ ባህላውን ሕጋውን ጸገማትን፣ ማሕበረ-ኮም ንምፍትሖም ዘካየዶም ዕማማትን ሰፊሕ ጸብጻብ ቀሪቡ ተዘቲዩሎም። ኣብዚ ኣጋጣሚ ንጥዕናን ኩነታት መነባብሮን ቁጠባዊ ጸገማትን ህዝቢ እትፈትሕን እትከታተልን ምስ ኣካያዲት ኣካል ማሕበረ-ኮምን ምስ ቤት-ጽሕፈት ኤምባስን እትተሓባበር 5 ዝኣባላታ ሽማግለ ከኣ ቆይማ።

ቀጺሎም ኣብዚ ግዜ’ዚ ኮሚሽን ምጽራይ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ብመገዲ መሰረት-ኣልቦ ጸብጻብ፣ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝዝርግሖ ዘሎ ክስታት፣ ንኤርትራ ዘይዘቅኑዕ ምስሊ ብምሃብ ዘካይዶ ዘሎ ተጻብኦታትን፣ ንጸለመታትን ሓሶታትን ንምብዳህን ንምፍሻልን ተራ ዜጋታት ኣብዚ ንጡፍ ሃገራዊ መኸተ ኣመልኪቶም ተመያዪጦም። ተሳተፍቲ እቶም ብኮሚሽን ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝቐርቡ ዘለዉ ክስታት መሰረት-ኣልቦን ካብ ክውንነት ዝረሓቑን ከምዝኾኑ ብምርጋግጽ፣ ነቲ ብኮሚሽን ዝቐረበ ጸብጻብ ብምኹናንን ንሓቀኛ እንታይነት ኮሚሽን ንምቅላዕን ውልቃውን ሓቀኛን ምስክርነት ብምሃብ ንተጻብኦታት ንምፍሻልን ቅሩባት ምዃኖም ኣረጋጊጾም።

ኣብ መወዳእታ ተሳተፍቲ ኣብ ጎድኒ ህዝብን መንግስትን ኤርትራ ደው ብምባል ብጽንዓት ከም ዝምክትዎን፣ ኣብ ዳግመ-ህንጻን ልምዓትን ሃገርን ግቡእ ተርኦም ከምዝጻወቱን ዳግም ኣረጋጊጾም።

ዓወት ንሓፋሽ!
Sponsored Ads
Eritrean Embassy, South Africa: ጸብጻብ ኣኼባ ኤርትራውያን ነበርቲ ኣንጎላ Reviewed by Admin on 4:26 PM Rating: 5

No comments:

All Rights Reserved by Madote © 2016

Contact Form

Name

Email *

Message *

Powered by Blogger.