Top Ad unit 728 × 90

Trending

random
.

መበል 54 ዓመት ምጅማር ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ከተማ ከለን ብኽብሪ ተባዒሉ






መበል 54 ዓመት ምጅማር ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ከተማ ከለን
ብክብሪ ተባዒሉ


ኤርትራውያን ተቐማጦ ከለንን ከባቢኣን ብምኽንያት መበል 54 ዓመት ምጅማር ቃልሲህዝቢ ኤርትራ  ኣብ ከተማ ከለን ብዕለት 19.09.2015 ካብ ስዓት 17.00 ክሳብ ፍርቂ ለይቲ "ልምዓት ብጽንዓት" ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ ንሕጻናትን መንእሰያትን ወለድን ዘሳተፈ ዕዉት በዓል ተኻይዱ።
መደብ ክብርቲ ብዓል ባሕቲ መስከረም ብዝኽሪ ሰማእታት ብድሕሪ ምክፋት ፡ ብኣካየድቲ ኣካላት መንእሰያት ህ.ግ.ደ.ፍ. ጉጅለ ህ.ግ.ደ.ፍ.ከለንን  ንተሳተፍቲ  ናይ እንቋዕ ደሓን መጻእኩም መልእኽቲ ብድሕሪ ምቕራብ ንብምኽንያት ዝኽሪ ሓደ መስከረም ምጅማር ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ካብ ቤት ጽሕፈት ህ.ግ.ደ.ፍ. ሃ/ጀርመን ዝተላእከ ረዚን መልእክቲ ብምንባብ ፡ ንተሳተፍቲ ጽምብል ሓደ መስከረም ናይ ዮሃና መልእኽቲ ቀረበ። ስዒቡ ሓለፍቲ ሃገራውያን ማሕበራት ከተማ ከለንን ከባቢኣን ሓድነቶም ውህደቶምን  ዝገልጽ መልእኽቲ ውዳቤታቶም ብድሕሪ ምቅራብ ዕዉት በዓል ባሕቲ መስከረም ንኽኾነሎም ዕዙዝ ትምኒቶም ገለጹ።
ብድሕሪዚ ተሳተፍቲ ኣብቲ ተዳለወ ባህላውን ዘመናውን መዘናግዒ ፡ መደባት  ብምስታፍ ብውዕዉዕ ሃገራዊ መንፈስ ቀጸለ። ዕድመ ኣኽቢሮም ነቲ ኽቡር በዓል ንምጽንባል ዝመጹ ሃገራውያን ተሳተፍቲ ብዝተራእየ ሕጉስን ሓድነት ዝመልኦ ሃዋህውን ነቲ በዓል ፍሉይ ድምቀትን ምዓርግን ብምሃብ ፡ መደብ ጽምብል ክብርቲ ዕለት ሓደ መስከረም ኣብ ከተማ ከለን ብዓወት ክዛዘም ከሎ ፡ ተሳተፍቲ ድማ ንዓመታ ከምዚ የድግመና እናበሉ ብጽቡቕ ምንዮት ተፈላለዩ።


ዓወት ንሓፋሽ
ዘልኣለማዊ ክብርን ዝኽርን ነቶም ምእንታና በጃ ዝሓለፉ ጀጋኑ

ኣወሃሃዲት በዓል ሓደ መስከረም ከተማ ከለን ዕለት 19.09.2015
Sponsored Ads
መበል 54 ዓመት ምጅማር ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ከተማ ከለን ብኽብሪ ተባዒሉ Reviewed by Admin on 12:07 AM Rating: 5

No comments:

All Rights Reserved by Madote © 2016

Contact Form

Name

Email *

Message *

Powered by Blogger.