Top Ad unit 728 × 90

Trending

random
.

ጽንዓት



ጽንዓት

ነዚ ጽንዓት ዝብል ኣርእስቲ ጽሑፍና ከዳሉ ዝደረኸኒ ቀንዲ ምኽንያት ኣቀዲመ ክገልጽ እፈቱ። ኣጋጣሚ ኰይኑ ብወርሒ
ነሓሰ 1988 ኣብ ዋሽንግተን ዲ.ሲ. ዝተገብረሉ ጉባኤ ኤርትራውያን ብዝተረኸብኩሉ ግዜ፡ ሓደ ካብ’ቲ ንምርኢትን
ንመሸጣን ዝቐረበ ባትሪ “ ጽንዓት” ስም ዝተዋህቦ ኣርኣየኒ። ቀጺሉ’ውን ብሃልዮት ህዝባዊ ግንባር ከም ዝስራሕ ምስ
ገለጸለይ፡ ንኽኣምኖ ስለ ዘሸገረኒ፡ ሰጋእ እናበልኩ” ባትሪ ካብ ምስርሑ ምቅማጡ (storing) ዘሸግር ስለ ዝዀነ፡
ከመይ ጌርኩም ዕምሩ ምእንቲ ከይሓጽር ወይ ከይባላሾ ክትከላኸልዎ ትኽእሉ?” ኢለ ምስ ሓተትክዎ “ እወ እትርድኦ ሰብ
ኢኻ መስለኒ….” ኢሉ፡ ሹዱሽተ ባተሪታት ብናጻ ክህበኒ ከሎ፡ እዚ ጽንዓት ዝብል ብዕምቖት ከተሓሳስበኒ ጀመረ። ኣብ
መጨረሽትኡ’ውን ብጽሑፍ መልክዕ ከቕርቦ መደብኩ።
ይኹን እምበር፡ ካብ’ቲ ልዕል ኢልና ዝጠቀስናዮ ዋጋ ባትሪ ነዚ ጽሑፍ ከዳሉ ዝወሰደለይ ግዜ ይበዝሕ። ምኽንያቱ ጽንዓት
ዝብል ቃል ብውልቃዊ እንተዘይኰይኑ፡ ብሓፈሻዊ ባህሪ (individual versus mass psychology) ብሰፊሑ
መጽናዕቲ ስለ ዘይተገብረሉ ኢዩ። ምኽንያቱ ኣብዚ ግዜ’ዚ ኩላትና ብሓደ ቃል ሰሚርና “ጽንዓት” ዝብል እንኸተል ዘለና፡
መሰረቱ ካብ ብሕቲ ኣተዓባብያና ዝመጸ ኢዩ። ኣብ ሞንጐ ኩላትና ተቐባልነት ስለ ዝረኸበ፡ ኣብ መጨረሽታ ናይ ሓባር
ስሚዒት (collective conscience) ክኸውን ከኣለ (1)
ብዝተረፈ ንጽንዓት ብንኣምነሉ ነገር ተደሪኽና ብሓባር ኰነ ኣብ ብሕቲ ህይወትና ምስ እነዘውትሮ፡ ኣብ ዝደለናዮ
ክንበጽሕ ንኽእል። እዛ ዘለናያ ዓለም ብስነ-ፍልጠትን ኢደ-ጥበብን ብዝበለጸ ክትምዕብለሉ ዝኸኣለት ምኽንያት፡ ብሳላ
ጽንዓት ዝብል ቃል ኢዩ። ንኣብነት ኣልበርት ኣንስታይን ብዝረኸቦ ሓዲሽ ስነ-ፍልጠት ኣቶሚክ ቦምብ ንክስራሕ መንገዲ
ዝኸፈተ ክኸውን ከሎ፡ ብፍላይ ብተምሳል ሓሳብ (Relativity Theory) በተን ዝቐለላን ዝሓጸራን ፊደላት ላቲን
ንምድላው ወይ ሰሪዑ ንምቕራብ ዝወሰደሉ ግዚያት ሰላሳ ዓመታት ኣቢሉ ይኸውን። እወ ዳርጋ ፍርቂ መዋዕል ህይወቱ!
ብዙሓት ሰባት ብዛዕባ ጠባዩ ክገልጸሎም ክሓትዎ ከለው “ ሓንሳእ ዝጀመርክዎ ስራሕ ኣይገድፎን ኢየ። ከምኡ’ውን ካብ
ዝዀነ ሓንቲ ነገር ከይደለኹ፡ ባዕላይ ንባዕለይ ዝመርሕ ሰብ ብምዃነይ ሕጉስ ኢየ” ይብሎም ነበረ። ስለዚ ፍረ ሓሳቡ
ጽንዓት ኰነ ነብስኻ ምኽኣል ኣዝዩ ኣድላዪ ከም ዝዀነ ይገልጽ። ከምኡ’ውን ኣብዚ ግዜ’ዚ… ጽንዓት ዝብል ቃል ኣብ
ኤርትራ ስረጸተ-ሓሳብ ዘነጸባርቕ ስለ ዝዀነ፡ ኣመጻጽእኡ ከመይ ከም ዝዀነ እንሆ ብዝመስለና ብሓጺሩ ንፍልሞ።
ጽንዓት እንታይ ማለት ኢዩ?
ዝዀነ ሰብ ዝገጥምዎ ሽግራት፡ ዕንቅፋታት፡ ፈተናታት ወዘተ… እናተቃወመ፡ ሓንሳእ ዝጀመሮ ስራሕ ክሳዕ ዝፍጽም ከየቛረጸ
ብዘካይደሉ ግዜ ጽንዓት ይበሃል (2)። ወይ ከኣ ባህርያዊ ጽንዓት (psychological hardiness) ማለት ሓደ
ካብ ዓቅሙ ንላዕሊ ዝጓነፍዎ ግድላትን ሽግራትን ከይተዳህለ፡ ከይተናወጸ መፍትሒ ንኽረኽበሎም ዘርእዮ ዘየቛርጽ ጻዕሪ ወይ
መኸተ ኢዩ (3)። ብሓጺሩ ጽንዓት ማለት ፍጡር ሰብ ከይተሓለለ ዘርእዮ ዘይጭበጥ፡ ዘይድህሰስ ረቂቕ ባህሪ ኢዩ።
ስለ ጽንዓት ዝምልከቱ ሐተታታት
ይኹን እምበር ሽሕ’ኳ ጽንዓት ባህሪ ሰብ ዘመልክት እንተዀነ፡ ንማንም ብተውህቦ፡ ብዕድሎት ወይ ብወለዶ ዝኣክል ዝስረጾ
ኣይኰነን። እንታይድኣ ከም ዝገለጽናዮ፡ ካብ እነሕልፎ ናብራ ወይ ኣተዓባብያ ዝኣክል ዝልመድ ጠባይ ኢዩ።
ስለዚ ጽንዓት ነብሱ ዝኸኣለ ጽንሰ-ሓሳብ (concept) ብምዃኑ መጠን፡ በብግዚኡ ኣብ ትምህርቲ መድርኽ ብዙሓት
ሊቃውንቲ ዘካትዑ ሓተታታት ወይ ርእይቶታት ዘቅርብሉ ኢዩ። ነዚ ብቃል ወይ ብሓሳብ ጥራይ ከይኰነስ፡ ከምኡ ብግብሪ
ሓቅነቱ ንምርግጋጽ ብዝተፈላለዩ ብልሓታትን መንገድታትን ከም እተመራመርሉ ኣብ ዝስዕብ ክጥቀስ ይከኣል።
ስለ ጽንዓት ዝተገብረ ምርምር
ጽንዓት ካብ ክእለት (4)፡ ካብ ዘይምዕዋት (5)፡ ካብ ብሄር ከምኡ’ውን ካብ ዕድመን ጾታን ፍልልይ (6) ካብ
ምጽማም፡ ካብ ብቀሊሉ ዘይምስሓት (7) ካብ ምትብባዕ (8) ካብ ልዕል ዝበለ ትምህርቲ ዝኣክል (9) ከም ዝስረጽ
ተፈሊጡ ኣሎ። ንኣብነት ሓንሳእ ዝተሰነፈ ሰብ ክሳብ ዝዕወት ደጋጊሙ ዘርእዮ ጻዕሪ መረዳእታ ክዀነና ይኽእል። ብኻልእ
ወገን ዝዀነ ካብ ዕድመ ምድፋእ ዝኣክል ካብ’ቲ ብጽሒ ዘይኣኸለ ጽንዓት ብምርኣይ ንዝገጥምዎ ሽግራትን ግድላትን መፍትሐ
ክረኽበሎም ይጽዕር። መበቆሉ ካብ ሓደ-ሓደ ብሄራት ዝዀነ ሰብ ብዝበለጸ ጽንዓት የርኢ። ካልእስ ይትረፍ ወዲ ተባዕታይ
ካብ ጓል ኣንስተይቲ ብጽንዓት ጸብለል ከም ዝብል ብምርምር ዝተረጋገጸ’ኳ እንተዀነ፡ ክሳብ ክንድ’ቲ ከተኣማምን
ኣይከኣለን። ኣብ መጨረሽታ ብቀሊሉ ዘይስሕት ከምኡ’ውን ብግዜ ሽግር ኰነ ዘድሊ ጉዳይ፡ ዋኒን፡ ስራሕ ወዘተ ክፍጽም ከሎ
ምትብባዕ ወይ ድጋፍ ዝተገብረሉ ሰብ ተስፋ ስለ ዝስምዖ፡ ብዝበለጸ ጽንዓት ከርኢ ይኽእል።
እምበኣርከስ ናይ ሓባር ባህሪ ብምኽታል ከምኡ’ውን ልዕል ኢልና ዝጠቀስናዮም ሓተታታት መሰረት ብምግባር፡ ኣብ
ሕብረተ-ሰብና ብዝተፈላለዩ መንገድታት ኣበሃህላን ከመይ ጌርና ከም እንዘውትሮም ንመልከት።
ምርቃ ንምብጻሕ
ኣደታትና ወይ ኣቦታትና ክምርቁ ከለው “ ደው በለለይ! ብርኽካ የጽንዓዮ ይብሉ። እዞም ዝጠቀስናዮም ሙሉኣት ሓሳባት
ብግልጺ ኰነ ብዝመሳሰል ትርጉም ጽንዓት ዝብል ቃል ዘንጸባርቁ ኢዮም። ብሓጺሩ ንኻልኦት ንኸነተባብዕ ሰናይ ምንዮትናን
ድልየትናን እንገልጸሎም ቃላት ምዃኖም ብዝጠቀስናዮ ምርምር ተረጋጊጹ ኣሎ።
ቃል-ኪዳን ንምሕላው
ብሕልፊ ኣብ ገለ ክፋል ኤርትራ ብዛዕባ ቃል-ኪዳን ወይ ስርዓት መርዓ ዘርኢ ጉዳይ ብሃይማኖት ወይ ብባህሊ ጥራይ
ከይኰነስ፡ ምስ ስርዓት እንዳባ (ብውርሻ መሬት) ዝተኣሳሰረ ኢዩ። ንኣብነት ብኣባ ያዕቆብ ገብረኢየሱስ ብዛዕባ ሓንቲ
ወረጃ “ ለባም ሰበይቲ ወርቂ ጽናዕቲ” ዝብል ዝተደርሰ ምንባብ የድሊ። ስለዚ ቃል-ኪዳን ብጽቢብ ከይኰነስ፡ ብሰፊሑ
ኣቃልቦ ዝወሃቦ ኢዩ። ብዝተረፈ እቲ ቀንዲ መልዓሊ ኣርእስትና ሓፋሽ ባህሪይ (Social Psychology) ስለ ዝዀነ፡
በዚ ኣንጻር ቃል-ኪዳን ከመይ ጌይሩ ሰሚሩ ከም ዝጸንዕ ነዞም ዝስዕቡ ምስላታት ምጥቃስ የድሊ፡-
-ጽንዓት ይሃብኩም፡ ንኢዮብ ዝደበሰ ይደብስኩም።
-ጓል ዓድኻ እንተ ተመርዓኻያ ሰበይትኻ፡ እንተፈትሓኻያ ሓፍትኻ።
-ክዳን እምበር ኪዳን ኣይበልን።
-ሳዕስዕ’ሞ ሓዳርካ ኣይትረስዕ።

ስለዚ ብሰንኪ ሞት ዝመጽእ ሽግር ሓዳር ምእንቲ ከይፈርስ፡ ከይዘናበል “ጽንዓት ይሃብኩም” እናበልና ንድብስ፡ ነተባብዕ።
ካልእስ ይትረፍ ብምእትታው ዝተመስረተ ምሕዝነት ድሕሪ ምፍታሕ እውን ጸኒዑ ከም ዝነብር የረድኣና።
ቅንዕናን ፍትሕን ንምኽባር
ኣብ ኤርትራ ልዕሊ ኹሉ ፍትሕን ቅንዕናን ከም ዝኽበር መረዳእታ ክዀኑና ዝኽእሉ ብዝሒ ስርዓታት እንዳባ ኢዮም።
ብስርዓት-ህዝቢ (ዲሞክራሲ) መሰረት ነፍሲ-ወከፍ ብሄር ናይ ገዛእ ርእሱ ሕግታት እንተለዎ’ኳ፡ ብብዝሒ ዝረኣይሉ ግና
ኣብ ከበሳታት ኤርትራ ኢዩ። ካብ ኣውራጃታት ሓሊፉ ክሳብ ወረዳታት ዝዝውተሩ ዝተፈላለዩ ስርዓታት ኮንቶ ሮሲኒ ዝመዝገቦም
ኣለው። ካልእስ ይትረፍ ብዙሓት ምስላታት ትግርኛ ብዛዕባ ፍትሕን ፍርድን ዝገልጹ ክዀኑ ከለው፡ እቲ ጽንዓት ዝብል ቃል
ከየንጸላለዎም ኣይተረፈን። ንኣብነት፡-
-በትሪ ሓቂ ትቀጥን እምበር ኣይትስበርን።
-ሕጊ ይነብር ተተኺሉ፡ ስርዓት ይነብር ተዛዊሩ።
-ሰማይ ኣይግልበጥ፡ ፍርዲ ሰለስተ ኣይልወጥ።
ከም ኣበሃህላኡ ትቀጥን ማለት ትጸንዕ ማለት ኢዩ። ከም ዝገልጽናዮ፡ እንጥቀሞም ቃላት ይለዋወጡ ድኣ’ምበር፡
ዘይሮምሲ…ነቲ ድጉል ሓሳብና ምግላጾም ኣይተርፍን።
ፍጹም ጅግንነት ንምርኣይ
ዳርጋ መብዛሕትኡ ህዝቢ ኤርትራ ብሰብእነት ወይ ብጅንነት ዝኣምን ኢዩ። ብሕልፊ ኣብ ሓደ-ሓደ ክፋል ኤርትራ ስሚዒት
ሰብእነት ኣጸቢቁ ዝሰፈነሉ መረዳእታ ክኸውን ዝኽእል ኣጸዋውዓ ስም ኢዩ። ስለዚ ዝዀነ መንእሰይ ኣብ ክንዲ ብስሙ፡ ብስም
ኣቡኡ ወዲ በርሀ፡ ወዲ ሸቓ፡ ወዲ ባሻይ፡ ወዲ’ዞም ዓበይቲ ወዘተ እናተባህለ ኢዩ ዝጽዋዕ። መንግስቲ ጣልያን ነዚ ስለ
ዝፈለጠ ከኣ’ዩ ዕስክርና ኣብ ኤርትራ ዘስፋሕፍሐ። ስለዚ ዝዀነ መንእሰይ ካብ ንእስነቱ ኣትሒዙ ንሰብእነት መምርሒ
ዝዀንዎ ቃላት፡-
-ድሎ ከይትዕሎ፡ ጽናዕ ከይትምናዕ።
-ካብ ወዲ ደረቅ፡ ካብ ዓጽሚ መረቅ።
-ተመኪሕካ ኣይትህደም።
ዝብሉ ዝስረጽዎ (introjection) ምዝርዛር የድሊ። ነዚ ዝረኣዩ ትግሬ ማለት ኤርትራዊ “ደረቅ ነው” እንተበሉ
ከም ትዕዝብቲ ክቁጸረሎም ይግባእ።
መጸውዒ ስም ንምሃብ
“ዓንዲ” ምልክት ጽንዓት ኢዩ። “ከመ ዓምደ ፅኑዕ” እኳድኣ ይበሃል። ዋላ’ኳ ብኻልእ ኣተራጓጉማ መጸግዕየይ ወይ
ደጋፊየይ ዝብል እንተዀነ። ይኹን እምበር እዚ መልዓሊ ኣርእስትና ዝዀነ ኣብ ኣእምሮ ሕብረተ ሰብና ከይወጸ ቁልጭ ኢሉ
ዝረኣየሉ ክንፈልጥ እንኽእል፡ እቶም ኣቦታትና ካብ ውሉድ-ወለዶ ዘዘውትርዎም ኣስማት ክንመራመረሎም ጥራይ ኢዩ። ስለዚ
ከም ዓምደጽዮን፡ ዓምደሚካኤል ወዘተ ዝኣመሰሉ ክጥቀሱ ይከኣሉ።
ፍቅሪ ሃገር ንምግላጽ
ሓላፍን መጻእን ዕድል ኤርትራ ምስ’ቲ ስነ-ምድራዊ ኣቀማምጥኣ ዝተኣሳሰረ ኢዩ። በዝን ክንድዝን ዝኣክል ዳርጋ
መብዛሕትኦም ህዝብታት ኤርትራ ካብ ወጻኢን ውሽጥን መጥቃዕቲ ከምኡ ካብ ሓደገኛታት ኣራዊት ንምክልኻል ኣብ ብርኽ ዝበለ
ስፍራታት ንምንባር ዝተገደዱ። ስለዚ’ውን “ እምባ ንጽንዓት፡ ማይ ንጽምኣት” ዝብል ብሂል ምስ’ዚ ዝገለጽናዮ ዝተኣሳሰረ
ኢዩ።
ቀጺሉ’ውን ኣብ’ዚ በጽሕናዮ ዘሎና ሰውራዊ ዘመን፡ ብሃልዮት ህዝባዊ ግንባር ዝተዳለው ብዙሓት ደርፍታት፡ ተንቀሳቀስቲ፡
ምርኢታት ወዘተ ብዛዕባ ጽንዓት ሰውራ ኤርትራ ኢዮም ዝገልጹ። ከምኡ’ውን እቲ “ኣይትምበርከኽ-Never kneel
down” ዝብል መጽሓፍ ምስ’ቲ ብርክኻ የጽንዓዮ ዝብል ሰናይ ምርቃ ዝሳማማዕ ኢዩ። እዚ ቃል (ኣይትምበርከኽ) ብግዜ
ብረታዊ ቃልሲ ርሱን ጭርሖ (slogan) ከም ዝነበረ ይዝከር። ብሕልፊ ከም ተወላዶ ስፓርታ ማለት ጥንታውያን ግሪኽ
ብግዜ ስቅያትን ውግእን ዘዘውትርዎ ዝነበረ ትሪ ወይ ጽንዓት (stoicism) የንጸባርቅ።
ብተምሳል ወግዒ ንምግላጽ
ኣርእስቲ ጽሑፍና ኣብ ብዙሓት መጽሓፍቲ ከም ጽውጽዋይ ወይ ዛንታ መልክዕ ተጠቂሱ ይርከብ። ንኣብነት ኣብ “ጥንታዊ
ወግዕን ብሂልን ኤርትራ” ዝብል ዝተደርሰ መጽሓፍ እስኪ ‘በዓል ጉራዕ ቆራጽ ዕንፅጨይቲ” ዘርእስቱ ከም ኣብነት ጌርና
ንውሰድ። እቲ ቆራጽ ዕንጨይቲ ብዝወረዶ ሓደጋ ሞት ዝኣክል ናብ ገዝኡ ተመልሰ። ድሕሪ ምሕዋዩ ግና፡ እንደገና ብድድ ኢሉ
ናብ ደገ ክወጽእ ከሎ፡ እታ ሰበይቱ “ ኣታ ናበይ ገጽካ ኢኻ ትኸይድ ዘሎኻ?” ኢላ ሓተቶ’ሞ፡ ትቅብል ኣቢሉ “ ኣንቲ
ዕንጨይቲ ከምጽእ’የ” በላ። እቶም ነዚ ዝሰምዑ እኩባት ሰባት “እዚ ኹሉ ሓደጋ እንተወረዶ’ኳ፡ ገና ንሰበይቱ ሰናይ
ነገር ክገብር ይሓስበላ” እናበሉ ኣስደመሙ። ግን እናፈለጡ ወይ ከይተፈለጦም ዘገረሞም ዝነበረ እቲ ጽንዓቱ ኢዩ።
መደምደምታ
ጽንዓት ዝብል ኣምር፡ ብውልቂ ዀነ ብሓባር ኣብ ዕለታዊ ተግባራትናን ሓሳባትናን ከም እነዘውትሮ፡ እንሆ ልዕል ኢልና
ዝዘርዘርናዮም ቃላትን ብሂላትን መረዳእታ ክዀኑና ይኽእሉ። ዝዀነ እውን ነዚ ጽሑፍ ድሕሪ ምንባቡ፡ ዝጠቀስናዮ ቃል
ከይፈለጠ ወትሩ ከም ዘዘውትሮ ሕጂ ትዝ ክብሉ ይኽእል ይኸውን። ምኽንያቱ ዝለመድካዮ ጠባይ ከም ዘይናትካ ጌርካ ብምርኣይ
(detachment) ወይ ግልል ኢልካ እንተ ዘይኣስተውዕልካሉ: ፈጺሙ ኣይስማዕካን ዋላ’ውን ኣይፍለጠካን ኢዩ።
ብዝተረፈ ኣብ ኣሜሪካን ዩኒቨርስቲ ከሎኹ፡ ሓደ ፕሮፈሶር እዚ ጽሑፍ እንተድኣ ናብ እንግሊዝ ተርጒመ ኣቅሪበሉ፡
ኣብ ክንዲ ምዱብ ድርሰት (term paper) ከም ዝቅበለኒ ነግሩኒ ነይሩ። ትውልዱ ዩጎዝላቭያዊ ክኸውን ከሎ፡
ብስነ-ሰብ (Anthropology) ብዘመልክት ብዙሕ ዝትመራመረን ዝጸሓፈን ኢዩ። ግን ብሰንኪ ርቀት ባህልናን ቋንቋናን
ኣረኣእያናን ዝኣክል፡ ዝወርዱ ወጥርታት ወሰንቲ ብምዃኖም፡ ብግዚኡ ክትርጉሞ ኣይፈቀድኩን።
ጥቅስታት፡-

1. Sahakian, W.S> (1972) Collective Conscience. By Emile Durkheim in Social
Psychology. Experimentation, Theory, Research.
2. Schofield, W. (1943) An Attempt to Measure Persistence in its
Relationship to Scholastic Achievement. Journal of Experimental Psychology.
3. Marrissy, C. (1986). Measurement of Psychological Hardiness in
Adolescents. Journal of Genetic Psychology. 148 (3).
4. Brintall, A.K. (1940). A Preliminary Study of Persistence and Ability.
Psychological Bulletin. V. 37.
5. Weiner, B. (1965). The Effects of Unsatisfied Achievement Motivation of
Persistence and Subsequent Performance. Journal of Personality (33)1.
6. Ibid (3)
7. Ryons, D.G. (1963). The Measurement of Persistence. An Historical
Review. Psychological Bulletin (36) 9.
8. Ganeller, R.J. (1984) Hardiness and Social Support as Moderators of the
Life Stress. Journal of Personality and Social Psychology (47) 1. See also
Pines, M. (1986). Psychological Hardiness. In the Pleasures of Psychology.
By Daniel Goldman and et. al.
9. Thornton, G.R> (1941). The Use of Tests of Persistence in the Prediction
of Scholastic Achievement. The Journal of Educational Psychology.
Sponsored Ads
ጽንዓት Reviewed by Admin on 8:50 AM Rating: 5

No comments:

All Rights Reserved by Madote © 2016

Contact Form

Name

Email *

Message *

Powered by Blogger.