Top Ad unit 728 × 90

Trending

random
.

ላል ምስ መምህር ኣስረስ ተሰማ

ዕላል ምስ መምህር ኣስረስ ተሰማ

ንመምህር ኣስረስ ተሰማ ካብ ፍልም ሱሳታት ኢየ ዝፈልጦም። በቲ ግዜ’ቲ ከም ኣባል ማሕበር መንእሰይ ፍኖተ ብርሃን፡ በብዓመቱ ተዋስኦታት ልደትን ስቅለትን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ቀጽሪ እንዳ-ማርያም የርእዩ ነበሩ። ብናእሽቱና ልዕሊ ህንጻታት እንዳ ማርያም ቤት-ትምህርቲ ብምሕዃር፡ ነቶም ተዋስኦታት በታ ካብ ኢዶም ዘይትፍለ ቀያሕ ኣኮርድዮን ብምውቃዕ ከሰንይዎም ክንሰምዕ፡ ኣዚና ንምሰጥ ነበርና። ብግዚኡ መእተዊ ዋጋ ዓሰርተ ሳንቲም ኢዩ ነይሩ።

ኣብ ፍልም ሰብዓታት ኣቢሉ፡ ኣደይ ሓደ ቀረባ ዘመድና፡ ገለ ግጥምታት መምህር ኣስረስ ተሰማ ዘንበበላ ብኣፋ ነገረትኒ። ኣደይ ጽሒፋን ኣንቢባን ዘይትፈልጥ ክነሳ፡ ኣዝያ በላሕን ክእለት ዘረባ እትዓደለትን ነበረት። ካብ ምሁሮ ኣእምሮ ዝብል ብሂል ኣቦታትና ክሳብ ክንደይ መስተውዓልትን ለባማትን ከም ዝነበሩ የረድኣና።

ካብ 1965-1970 ኣብ ኤርትራ ብዝተራቀቀ መንገዲ፡ ባህላዊ ትንሳኤ ብሙዚቃን፡ ተዋስኦን፡ ጽሑፉን ሱሩ ሰዲዱ ነይሩ ክበሃል ይከኣል። ብሕልፊ ብግዚኡ መጽሓፍቲ ከም “ ናይ ምስጢር ማህደር” ከምኡ ትርጉም “ ሮመዮን ጁልየትን ማክበትን” ንብዙሓት ዓበይትን ንኣሽቱን ደረስቲ ዘናቃቅሑ ኢዮም።

ኣሜሪካውያን ብ1968 ኣቢሉ ሓንቲ ሰባት ዝሓዘት መንኮርኮር (manned space ship) ኣብ ወርሒ ከም እትዓልብ ንምግባር ይሸባሸቡ ከም ዝነበሩ ዝዝከር ኢዩ። ብዙሕ ተመሲጠ። በዚ ዝኣክል “ እንተድኣ እታ መንኮርኮር ምስ ሰባ ኣብ ወርሒ ብደሓን ዓሊባ፡ ዛንታታት ሸክስፒር ናብ ትግርኛ ቋንቋ ክትርጉሞም ኢየ” ብምባል ቃል ኣቶኹ።

ዓለበት ድማ።

ስራሓት ትርጉም ጀመርክዎ። ብሓቂ ብሓቂ ከም ጀማራይ መጠን ቀሊል ኣይነበረን። ሽዕኡ ኣብ ሻሙናይ ክፍሊ ኢየ ነይረ። ድሕሪ ሓደ ዓመት ጨረስኩዎ ።

ብድሕሪ’ዚ መምህር ኣስረስ ጽሑፈይ ምእንቲ ክእርሙለይ፡ ናብ’ቲ ኣብ ምምሕዳር ክፍሊ ትምህርቲ ዝርከብ ቤት ጽሕፈቶም (ማለት ኣሰምቢለያ) ከድኩ። ኣብ ላዕለዋይ ደርቢ ዝርከብ ግሉል መዕለሊ ክፍሊ ተቀበሉኒ። ብድሕሪ’ዚ ብዛዕባ ፋላስፋታት እንግሊዛውያን ከም በዓል ስፐንሰር ዝኣመሰሉ ብምጥቃስ ክመያየጡኒ ከለው፡ ብሓቂ ብሓቂ ብኣገላልጽኦምን ብዝነበሮም ዕቑር ፍልጠት ኣዝዮም ምሁር (scholar) ከም ዝዀኑ ክግንዘብ ክኢለ። ካብ ኩሉ ዘገረመኒ ግና፡ ትሑቱን፡ ሙቁሉልን፡ ጭዋን ብምዃኖም ኢዮም። ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ባህሪያተ ሰብ፡ ናይ ሓደ ተውህቦ ዘለዎ ደራሲ፡ ኣምር ወይ መለዮ ምዃኖም ኣይዝንጋዕን።

ብድሕሪ’ዚ ዝኣረሙለይ መጽሓፍ ክቅበል፡ ንኻልኣይ ግዜ ኣብ ቤት ጽሕፈቶም ተራኸብክዎም። ሓደ-ሓደ ኣጸሓሕፋ ቃላት (spelling) እንተዘይኰይኑ፡ ስልቲ ኣቀራርብኡ ምእራም ከም ዘይድልዮ ገለጹለይ። ኣስዒብና ብዛዕባ ናይ “ምስጢር ማህደርን፡ ምስጢር ደብዳቤን” ክንዛነ ጀመርና። መምህር ኣስረስ ነዞም ዝገለጽናዮም መጽሓፍቲ ከም ዘደንቁ፡ ብሕልፊ ግጥምታት ዓይነቶም ብዘመልክት፡ ንናይ ኣቦ ወልደኣብ ወልደማርያም ከም ዝመሳሰሉ ብምጥቃስ ዘድሊ መብርሂ ለጊሶምለይ። ኰይኑ ኣቦ ወልደኣብ ንከም ዓበይቲ ደረስቲ ኤርትራውያን ዝኣመሰሉ ንኣብነት መምህር ኣስረስ ዘይሃስስ ኣሰር ከም ዝገደፍሎም ንግንዘብ ። ኣብ መጨረስታ “ እዚ መጽሓፍ ንኽሕተም ግዜ ይወስደልካ ይኸውን። ኣጆኻ! ኣይትገረም! ገሊኦም መጽሓፍቲ ድሕሪ ዕስራን ሓሙሽተን ዓመታት ክሕተሙ ይኽእሉ ኢዮም” በሉኒ።

ወይ ትንቢት!

ኰይኑ ከም ዝተነበይዎ፡ ወታሃደራት ደርጊ ገዛና ድሕሪ ምውራሮም፡ ተዓቂቡ ዝጸንሐ መጽሓፈይ ፡ ድሕሪ ዕስራን ሓሙሽተን ዓመታት ሓፍተይ ናብ’ዚ ዘለኹዎ ሃገር ኣሜሪካ ሰዲዳትለይ። ክልተ ግዜ ኣብ ኮምፒዩተር ምስ ቀረጽክዎ፡ ብቫይረስን ጌጋን ዝኣክል ተደምሰሰ። ንሳልሳይ ግዜ ግን ቀሪጸ ክሓትሞ ከኣልኩ። ኣብዚ ዓመት’ዚ ኣብ ኢድ ኣንበብቲ ከቅርቦ ተስፋ እገብር።

ብድሕሪ’ዚ ንሳልሳይ ግዜ ምስ መምህር ኣስረስ ቅድሚ ኣርባዕተ ዓመታት ብስልኪ ኣብ ሃገር ኣሜሪካ ተራኸብና። ክዝክሩኒ ኣይከኣሉን። ንመረዳእታ ዝኸውን ገለ ካብ’ቲ ዝኣረሙለይ ክፋል ቅዳሕ ገይረ ሰደድኩሎም (ፎቶ ኮፒ)። እንደገና ብስልኪ ምስ ተራኸብና፡ ብሉስሉስ ድምጾም “ ለካስ ዘሎስ ከይተራኸበስ ኣይተርፍን ዝብልዎስ ሓቂ ኢዩ” በሉኒ። ቀጺሎም “ ክንደይ መጽሓፍቲ ደሪስካ?” ኢሎም ሓተቱኒ። ኣነ “ ዕስራን ሾሞንተን መጽሓፍቲ ደሪሰን ተርጒመን” በልክዎም። ኣስዒቦም “ እስከ ገለ መጽሓፍትኻ ዘርዝረለይ” ምስ በሉኒ “ ጥንታዊ ወግዕን ብሂልን ኤርትራን፡ ኤርትራ ብዘመን ባሕሪ ነጋሲ ወዘተ…” ኢለ ጠቀስኩሎም። ንሶም “ ብዛዕባ ባሕሪ ነጋሲ፡ ብግዜ ቃልሲ ኣብ ረድዮ ድምጺ ሓፋሽ ኤርትራ ሰሚዐ ነይረ። ኣብ’ቲ “ሞሳዝጊ” ዝብል መጽሓፈይ ጠቂሰዮ ኣሎኹ” በሉኒ። ኣብ መወዳእትኡ ካብቶም ዝነበሩኒ ዓሰርተ በብዓይነቶም መጽሓፍቲ ንመዘክርታ ሃብክዎም። ከምኡ’ውን ዕስራ ቅዳሓት ናይ’ቲ መጨረስታ መጽሓፎም፡ ኣርእስቱ “ እሂን-ምሂን” ዝብል ናብ ግዱሳት ኤርትራውያን በብግዚኡ ዘርጋሕክዎም።

ኣብ መደመደምታ መምህር ኣስረስ “ ክንዲ’ዚ ዝኣኽሉ መጽሓፍቲ ደሪስካ፡ ብግቡእ ብዘይ ምፍላጡ ዘተሓሳስብ ኢዩ። ስለዚ ናብ ኣስመራ ምስ ተመለስኩ፡ ብዛዕባ’ዚ ክዘራረብ ኢየ” በሉኒ። ድሕሪ ዓመት ብሓልዮት ኣሕተምቲ ሕድሪ “ ኤርትራ ብዘመን ባሕሪ ነጋሲ” ዝብል መጽሓፈይ ተሓትመ።

ብልበይ “ሕልመይ ተጋሂዱ” በልኩ።

ኣብ ኣሜሪካ ተሓኪሞም ናብ ኣስመራ ምስ ተመልሱ፡ ሓንሳእ ጥራይ ኢና ብስልኪ ዝተራኸብና። ሽዕኡ ብሕክምና ምኽንያት ንወጻኢ ሃገራት ይመላለሱ ነይሮም። ካብዛ እንነብረላ ዓለም ድማ ብኣካል እምበር ብመንፈስ ከይተፈልዩና ኣብ መበል ሰማንያን ሓደን ዓመቶም ዓረፉ።

መንግስተ ሰማይ የዋርሶም።

መምህር ኣስረስ “ጸጋ ዕድመኦም” ጥራይ ከይኰነስ፡ ከምኡ ኣብ ታሪኽ ስነ-ጽሑፍ ኤርትራ ዘበርከትዎ ምዕባሌን ዕዙዝ ፍቅሪ-ሃገር ዘገድስ ብምዃኑ፡ ወትሩ ተዘኪሮም ክነብሩ ኢዮም። ብፍላይ ትሕዝቶ ጽሑፋቶም ኰኑ፡ ልኡማትን፡ ጽቡቓትን፡ መሰጥትን ግጥሚታቶም (belles lettres)፡ ብደረጃ ቋንቋ ትግርኛ ክርኣዩ ከለው፡ ዝለዓሉን ዝዓዘዙን (canonized) ኢዮም። ስለዚ’ውን ኤርትራዊ ሸክስፒር ክበሃሉ ይከኣል። ይኹን እምበር ብግዜ ሃይለስላሴ፡ እዚ ምዕቡልን ፍሉጥን ዝዀነ ሴማዊ ቋንቋ ትግርኛ ስለ ዝተደቁሰ፡ ኤርትራውያን ከምቶም ካልኦት ደረስቲ ኢትዮጵያውያን ሽልማት ስነ-ጽሑፍ ኣይተዋህቦምን።

መምህር ኣስረስ ብስነ-ቅኒትን (lyricism) ተዋስኦን መዳይ ዘበርከትዎም ከይጸብጸብካ፡ እቶም ዝደረስዎም መጽሓፍቲ ከምዚኦም ዝስዕቡ ኢዮም፡-

1. መነጸር “ልብን ሳዕርን እናሓደረ ይበቊል”

2. መጋረጃ ( ናይ ደም ጽሑፍ) ቀዳማይ መጽሓፍ

3. መጋረጃ (ዝተሓዝለ ሰብኣይ) ካልኣይ መጽሓፍ

4. ክልተ መፋትሕ

5. ንስኻን መሬትን

6. ኣስመራ፡ ትርግታ ናፍቆት

7. ደሃይ ባህሊ

8. ሓዊ እግሩ

9. ሞሳዝጊ

10. ጠዓሞት

11. እሂንምሂን



ሃይለ ቦኹረ
Sponsored Ads
ላል ምስ መምህር ኣስረስ ተሰማ Reviewed by Admin on 1:53 AM Rating: 5

1 comment:

  1. 'Sebe yemewet sheme gene ayemewetene eyu'. He was a well known writer. Let the Almighty rest his soul in peace!

    ReplyDelete

All Rights Reserved by Madote © 2016

Contact Form

Name

Email *

Message *

Powered by Blogger.