Top Ad unit 728 × 90

Trending

random
.

ሓሶት ከም ቅቡል ባህሊ ፡ ምጽወታ ከኣ ከም ናይ ልምዓት ወፍሪ

Ethiopian Prime Minister Hailemariam Desalegn threatens war against Eritrea

ሓሶት ከም ቅቡል ባህሊ ፡ ምጽወታ ከኣ ከም ናይ ልምዓት ወፍሪ  
ሕዱር ሕማም መራሕቲ ኢትዮጵያ
ብግርማይ በርሀ (ሽካጎ)
07/09/2015

        መራሕቲ ኢትዮጵያ ፡ ክውንነት ሃገሮም ኮነ ፡ ቑጠባዊ ትሕዝቶን ዓቕምታትን ህዝቦም ዘንጸባርቑን ኣብ ጸብጻብ ዘእቱዉን ፡ ንቐጻሊ ዕቤት ሕበረተ ሰቦም ንቅድሚት ክደፍኡ ዘኽእሉ ፡ ፖሎቲካዊ ዕላማን ሃገራውን ዓለማውን ፖሊሲታትን ዝኽተሉ ኮይኖም ኣይጸንሑን ። በኣንጻሩ ነቶም ንቑጠባውን ወተሃደራውን በሓትነትን ዕብለላን ዝሰርሑ ግዳማውያን ሓይልታት ድሌታቶም ከማልኡን መደባቶም ከሳልጡ ዘኽእሉ ኩነታት ክፈጥሩን  ምእዙዛት ምዃኖም ከረጋግጹን ፡  ንናይ ተለኣኣኽነት ስልጣኖም ውሕስነት ክረኽቡን ኣብ ኣህጉራውያን ማሕበራት ዝከላኸልሎም ኣካል ኣጥርዮም ክኸዱን መዋእሎም ሰሪሖም ። እቲ ናይ ሓያላት ሓይልታት ናይ ቑጠባውን ፖሎቲካውን በሓትነትን ዕብለላን ፡ ወተሃደራዊ ዓንዳርነትን ንምዕዋቱን ንምሕላዉን ዝካየዱ ስርሒታት ፡ ምስቲ ናይ ህዝቢ ኢትዮጵያ ረብሓታትን ድሌታትን ስለዘይሰማምዑ ፡ መራሕቲ ኢትዮጵያ ኣብ ክንዲ ፈጸምቲ ድሌታት ህዝቢ ኢትዮጵያ ፡ ናይ ግዳም ሓይልታት እሙናት ኣገልገልቲ ኮይኖም ይርከቡ ኣለዉ ።
    መራሕቲ ኢትዮጵያ ክውንነት ዞባና ብልክዕ ዝተረድኡን ነቲ ዘሎ ጸገማት መፍትሒታት ንኽረኽቡን ናብ ዝሓሸ ንኽቅይሩን ፡ ጻዕርታት ምስዘካይዱ ሓይልታትን ጉጅለታትን በብጊዚኡ ኣብ ጎንጽታት ክኣትዉ ሕዱር ሕማም ኮይንዎም ጸኒሑ ኣሎ ።  ኢትዮጵያ ኣኺሉ ዝተርፍ ጸጋታትን ዓቕሚ ሰብን’ኳ እንተለዋ ፡ ብሰንኪ መራሕታ ፡ ሃንቀውታ ህዝባ ዘይኮነ ፡ ድሌታት ናይ ካልኦት ሓይልታት ዝፍጸመላ ሃገር ጸጋታታ ከይረብሐት ፡ ህዝባ ከይቀሰነን ከይከበረን ፡ ከም ጾርን ጸገምን  ማሕበረ ሰብ ዓለምናይ ዓለም ተቆጺራ ፡ ብረዲኤት እናተቀለበት ትነብር ሃገር መለለዪ መልክዕ ሒዛ ትኸይድ ኣላ ። በዚ መሰረት ከኣ ንህዝባዊ ዕላማ ዘይቆመ ሓይልን ድሌታት ህዝባ ዘይኮነትን ዘይሰርሐትን ሃገር ፡ ንናይ ጎሮባብታ ህዝብታት ድሌታት ክትሰርሕን ኩነታት ክትጥምትን ትኽእል እያ ኢልካ ምሕሳብ ነብስኻ ምትላል’ዩ ።  ሓልዮት ሃይለማርያም ደስኣለኝ ንህዝቢ ኤርትራ ከኣ ፡ ነቲ ዝቅርምዎ ረድኤት ሕጋዊ መልክዕ ዘትሕዝ ፡ ንግዚኡ ከም መሳርሒ ተራእዩ ዝዓርብ ውልቀ ሰብ ምዃኑን  ናይ  ደርጋውያን ፖሎቲካዊ ኣሰራርሓ ውርሻ ዝሓዘን ገይርና ክንጥምቶ ንኽእል ።
    ሃይለማርያም ደስኣለኝ ኣብዚ ዝሓለፈ ሰሙን ንኤርትራ ኣመልኪቱ ኣብ ዘቅረቦ ጸብጻብ “ ከም ኣብ ዓጋም ዝተጸገዐ ቆልቋል ከይንኸውን ምጥንቃቅ የድሊ” ኢሉ ።  መራሕቲ ኢትዮጵያ ንሓሶት ከም ቁቡል ባህሊ ስለዝወስድዎ እንተዘይኮይኑ ፡ ነቲ ክውንነት ዝገልጹ መርትዖታት ከምዘለዉ ዝጠፍኦም ኣይመስለንን። እስከ ገለ ውሑድ መርትዖታት ንርኣ ፡-
  1. ዝተበደለ ህዝቢ ኤርትራ ፡ እቲ ን30 ዓመታት ከምኡ’ውን እቲ ካብ 1998 ክሳብ 2000 ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝተኻየደ ኩናት ብሓፈሻዊ ግምት 98 ሚእታዊት ባድመ ሓዊስካ ኣብ መሬት ኤርትራ እዩ ።  ኣብ መንጎ ሃገሩ ናጻ ከውጽእን ንህልውንኡ ክከላኸልን በቲ ሓደ ፡ ዶብ ሃገሩ ጥሒሱ ወራር ዘካየደ ሓይሊ ከኣ በቲ ካልእ ሸነኽ ዝተኻየደ ኵናትን ዝጠፍአ ሂወትን ክርአ እንከሎ ፡ መን ዓጋም መን ቆልቋል ?
  1. ብናይ ግዳማውያን ሓይልታት  ኣማኸርትን ሓገዝትን  (እስራኤላውያን ፡ ኣመሪካውያን ፡ ሶቭዮታውያን ፡ ኩባውያን ፡ ጀርመናውያን ፡ የመናውያን ካልኦትን)  ተሰንዮም ፡  ኣብ ኤርትራ ተጓሪቶም ፡  ኣብዘይመሬቶም ኩናት ዘካየዱ መራሕቲ ኢትዮጵያ  ዶ ኤርትራ ? መራሕቲ 4 ሚልዮን ህዝቢ ዶ 80 ሚልዮን ህዝቢ?
  2. ንኣህጉራዊ እገዳ ፡ ንናይ ደቂ ሰባት መሰላት ክሲ ፡ ኣሳሰይትን ደገፍትን ፡ ተንኮላቶም ንኽምቅር ኣቃመምትን ንሓልዮት ህዝቢ  ኤርትራ ዶ ንጥፍኣቱ ?
  3. ዋና ዝኾነ ህዝቢ ኤርትራ ከይተጠቅመ ፡ መደበር ቓኘው ኣስመራ ንኣመሪካውያን ፡ ደሴታት ዳህላክ ድማ ንሰቭየታውያን ብምሃብ ናይ ክራይ ገንዘብን ረድኤትን ዝኣከቡ ፡ ኣብዚ ጊዜ እዚ ከኣ ብስም ስደተኛታት ካብ ናይ ረዲኤት ትካላት ጅቦኦም ዘህጥሩ ዘለዉ መራሕቲ ኢትዮጵያ ዶ ኤርትራ ? ሓልዮት ዶ ቑጠባዊ ወፍሪ?
  4. ኤውሮጳውያን ገዛእቲ ሓይልታት ፡ ንመግዛእታዊ ዕላማታቶምን ረብሓታቶምን  ከሳልጡ ክብሉ ኣብ ኤርትራ ዝመስረትዎም ትካላት ፡ በንቊሮም ናብ ኢትዮጵያ ዘግዓዙን ንግዳማውያን ሓይልታት ዝሸጡን መራሕቲ መን እዮም ? እዚኸ ዝምታ ዶ  ወይስ ሓልዮት’ዩ ዝቚጸር ?
  5. ኣብ ናይ ዓለማዊ ቤት ፍርዲ ቀሪቦም ፡ ንዝዋሃብ ፍርዲ ብዘይቅድመ ኩነት ክቅበሉ ፈሪሞም ከብቅዑ ፡ ፍርዲ ምስተዋህበ “ኣይንቅበልን” ዝበሉ ፡ ቅድመ ኩነት ዝፈጠሩ ፡ ንኵናት ዝዕድም ተጻብኦታት ዘጋውሑን ኣብዘይመሬቶም ሰፊሮም ዘለዉን መን እዮም ? መን እዩ ንሰላም ቀዳማይ ቦታ ዝህብ ?

መራሕቲ ኢትዮጵያ ድሕሪ ናይ ነዊሕ ዓመታት ሓሶታት ምድግጋም ፡ ኣብ ገለ ሸነኽ ናይ ኢትዮጵያውያን ምሁራት ዝባሃሉ ፡  ናይ ምስፍሕፋሕን ናይ ወራራት ኣተሓሳስባታትን ተቀባልነት ረኺቡ ጸኒሑ ኣሎ ።  ዓለማውያን ዓንደርቲ ሓይልታት ፡ ነቲ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዘሎ ጸጋታትን ዕቑር ሃብትታትን  ንኽቖጻጸርዎ ክጥዕሞም ፡ ኣብ መንጎ ህዝብታት ሓዊ ክኣጉዱን ነቶም ህዝብታት ክብትኑን ክሰርሑ ከለዉ ፡ መራሕቲ ኢትዮጵያን ኮስኲሶም ዘዕበይዎም  ምሁራት ኢና ባሃልቲ ኮራኩሮምን ብጊድኦም ፡  ኣብ ልዕሊ ቀይሕ ባሕሪ ኤርትራ ፡  ኣብ ናይ ብሻ ወርቅን  ካልእ ዕቑር ሃብቲ ኤርትራን ጠመተ ካብ ምግባር ዓዲ ኣይዋዓሉን ። ሓድነት ህዝቢ ኤርትራ ንምልሕላሕ ኣብ ገለ ብሄራት ኤርትራ ምትኻር ኣይገደፉን ።  ሶማልያ ኮነ ጅቡቲ ሕንፍሽፍሽ ብምእታው ናይ ምስፍሕፋሕ ሕልምታት ተፈልዩዎም ኣይፈልጥን ። ኣብ ዝኾነ ጊዜ ዕድል እንተ ተረኺቦም ድሌታቶም ንምፍጻም ድሕር ዝብሉውን ኣይኮኑን ። እዚ ኣተሓሳስባታት እዚ’ኸ  ናይ ሰላም ዶ ናይ ህውከት ?

 ሃይለማርያም ደስኣለኝ ምስ ኬንያን ጅቡትን ጽቡቅ ርክብ ከምዘለዎም እዩ ገሊጹ ። ብመሰረቱ ኣብ መንጎ ኣዕነውትን ኮራኩርን ዝኾኑ ሓይልታት ፡ ብዘይ ቁዱስ ረብሓታት ዝተዓደገ ዕስለ ምትእኽኻብ እንተዘይኮይኑ ንናይ ህዝብታት ረብሓታት ዝሕሉ ዝምድና ክኸውን ዝኽእል ኣይኮነን ። ስለዝኾነ ብቀሊሉ ብጎይቶቶም ክዕረቑን ክባኣሱን ዝኽእሉ ምዃኖም ርዱእ እዩ ። ካልእ ይትረፍ ፡ ብናይ ረዲኤት ቑልማጾ ኣብ ጅባ ናይ ውሑዳት ኣትዩ ፡ ዝስራሕ ዘመናዊ ህንጻታትን ትካላትን ኣብዘን ሰለስተ ሃገራት ዝርኣ ፡ መደባት ልምዓት ብረዲኤትን ብናይ ውሑዳት ዋንነትን ዝካየድ እዩ ።  ኣብ ብልሽውና ዝጣሓሉ ሓይልታት ካብ ህዝባዊ ማዕበላት ዘይፈርሕሉ ምኽንያት’ውን ስለዘየለ ንድምጺ ብዙሓት ክዕፍኑ ብሓባር ዘይሰርሕሉ ምኽንያት እውን የለን ።   ንሶማል እውን እንተኾነ ኬንያ ብታሕቲ ፡ ጅቡቲ ብላዕሊ ፡ ኢትዮጵያ ብማእከል ጸጋታት ሶማል ካብ ምጥማት ማኣስ ዓዲ ዊዒለን ። ኩለን ብደገ ተመዊለን ዝንቀሳቀሳን ግዝያዊ ትንፋስ ሰኺዐን ዝኸዳን ፡ ብዳንጋታት ጎይተተን ዝፍክራ ፡ ምዃነን እውን ማኣስ ተሳሒቱ ። ጅቡቲ ከም መደበር ናይ ግዳም ሓይልታት ፡ ከንያ ከም ናይ ብልሽውና ማዕከን ፡ ኢትዮጵያን ከም እምንቲ ኣሳሳይት ናይ ካልኦት ዝተፈልጠት ኩለን ኣብ ሕቡራት ሃገራት ከኣ  ናይ ሓባር ተኸላኸልቲ ዘጥረያ ሃገራት ፡ ከመይ ኢለን ምስታ ኣብ ህዝባ እምንቶ ዘለዋ ፡ ተኻላኸሊ ዘይብላ ሃገር ኤርትራ ፡ ኣብ ሓደ ክስራዓ ?

Sponsored Ads
ሓሶት ከም ቅቡል ባህሊ ፡ ምጽወታ ከኣ ከም ናይ ልምዓት ወፍሪ Reviewed by Admin on 6:54 PM Rating: 5

7 comments:

  1. ስማዕ ግርማይ ወዲ (ሺጋጎ) ወዲ ኤሬ!

    ኢትዮጵያን ኤረትሬይን ብሐቅን ካብልቢ ወጼኡ እተመስረተ ፍጹም ዕርክነት እንተዝህልዉን እዚ እዩ ተባሂሉ ክግልጽ ዝይካአል ካብ አእምሮ ዝሐልፍ ሰላምን ዕረፍትን ቅሳነትን ንኽልቲኦም ህዝቢ ከምዘረኽቡ ይረአየኒ እሞ ባህ ይብለኒ። ይኹን እምበር አጸቢቐ ዝፈልጦ ሕማቅ ባሀሎም ከምኡዉን ክፍአት
    እተሞልኡ መርሐቲኦም ክዝክር እንኮሎኹ ሐጎሰይ ሹዑንሹዑን ብቕጽበት ይጠፍእ። በወገን ኢትዮጵያ ዘሎ ሕማቕ ባህሊ እንተዘይተለዊጡ እንኳንስ
    ዝሐሰብክዎን ዝተመኔኽዎን ክፍጸም ይትረፍ ኢትዮጵያ ንጎረቤታን ንመላእ አፍሪቃ ችግር ፈጣሪ ኮይና ከምትተርፍ ስለተረዳአኒ ምናልባት
    ምኽሪ ሰሚዖም እንተተለወጡ ኢለ ዝሰርሕኽዎ ቪዲዮ ቀዳማይ ክፍሊ እነሆ ራአዮ። ዝበልጸ ድማ ብዛዕባ መራሕቲኦ ዝገልጽ ካልአይ ክፍሊ
    ተፈጺሙ አብዚ ዝመጽእ ሰሞን ክወጽእ እዩ እሞ አይሕለፍካ
    https://www.youtube.com/watch?v=tSMNfMIezfk

    ReplyDelete
  2. Waga Kefilna ina !July 11, 2015 at 1:44 AM

    https://www.youtube.com/watch?v=R9LQNCJJPfk

    ReplyDelete
  3. Playing cards on Eritrean issue is Ethiopian tradition for hundreds of years !
    starting from Menelik, Alula....whoever, their dirty play is rooted on their backbones. They cannot change!
    I wonder when the gullible trust them like the Andinets did yesteryears and flood to woyaneland voluntarily LOL

    ReplyDelete
  4. the is no bad poeple in the world but there is bad goverment like Shabiya. may be you think you love Eritrean poeple but I think you love only Isayas any way it is up to you. tsilihit medihanit yebulun yublu deki borona. tehizin

    ReplyDelete
  5. The Agame of AgameJuly 11, 2015 at 1:12 PM

    I bet you this Welamo, Hailemariam Desalegn, wishes he was Eritrean.
    He is the lowest of the low form. I mean Agames are lowly people. And he is the servant of Agame. He is the servant of a servant. That's bad! That's really low man.

    ReplyDelete
  6. Here is your homework, tgrigna'kha tsri'kha temeles! ugum LOL

    ReplyDelete
  7. U stupid where do u know the innocent Agame people. Agames are the proud people of Tigray. They heroes and family's of Mequannts such as Weldu Sebagads of Agame who ruled till the red sea. Please go to school to discipline ur ugly behavior.

    ReplyDelete

All Rights Reserved by Madote © 2016

Contact Form

Name

Email *

Message *

Powered by Blogger.