Top Ad unit 728 × 90

.

ሰምእታትና ክርስቶሳት’ዶ ክንሰምዮም

Eritrean youth commemorating Martyr's Day in Asmara, June 20, 2015 (Credit: RedSeaFisher)

ሰምእታትና ክርስቶሳት’ዶ ክንሰምዮም
ብዛዕባ ነጻነት ብዙሕ ግዜ ብዝተፈላለዩ ኤርትራውያን ሓፋሽ፡ ተጋደልቲ፡ ተመራመርትን ተገሊጹ ብቐጻሊ’ውን ይግለጽ’ዩ፡፥ ብፍላይ ኣብ ግዜ ዕለተ-ሰማእታት። ሰማእቲ ንኤርትራን ህዝባን ህይወቶም ከፊሎም ነጻ ከምዘውጽኡና ኩሉ ሓፋሽ ህዝቢ ኤርትራ ዝፈልጦ’ዩ። እዚ ነጻነት’ዚ ጸጋታት ናይ ሃገር ዋናታት ክንከውን ኣብቂዖምና ዘይኮነስ ብቐንዱ ክንዮ ጸጋታት ምውናን’ዩ-- ምውናን  ነጻ ኣእምሮን ኣትሓሳስባን ።
ነጻ-ኣእምሮ ደቂ ሰባት ካብ ንፍጠር ዝዕደለና ጸጋ’ዩ። እንተኾነ ግን ህዝብታት ብዝተፈላለየ ኣገባብ ናይ ስርዓትን ኣምሓድራን ካብ ነጻነት ክንሕረም ብዙሕ ግዜ ኣብ ታሪኽ ርኢናን ሰሚዕናን ኢና። ሓደ ኻብቲ ጉሉሕ ስርዓት ድማ መግዛእቲዩ።
ነጻ-ኣእምሮ ሓደ ካብቲ ዓበይቲ ኣዕኑድ ናይ ተፈጥሮና ስለዝኾነ ከምቲ ኻልእ ንህላዌ ደቂ ሰብ  ከም ማይ መግቢ መጽለሊ ዝኣመሰሉ መባእታ ኣገደስቲ ነገራት ዘድልዩና ነጻ-ኣእምሮ ድማ ካብዚ ዝተጥቕሰ ንላዕሊ ኣገዳሲ’ዩ። ስለምንታይ ስጋዊ ዘይኮነስ መንፈሳዊ ሓይሊ ስለዝህብ።  ምውናን መንፈሳዊ ሓይሊ  እንታይ ዓይነት ተኣምራት ከምዝሰርሕ ሳላ ገድሊ ኤርትራን ህዝባዊ ግምባርን ልዕሊ ኩሉ ድማ ሳላ ተጋደልቲ ህልዋትን ሰማእትን ንሕና ኤርትራውያን ብግብሪ ስለዝረኣናዮ ብዙሕ ምህሮ ኣየድልን’ዩ። ኣብዚ ሓጺር ናይ ዝኽሪ ጽሑፈይ ክሕንጥጥ ስለዘይከኣል ግን እቲ ሓደ ንምዝንታዉ ምስ ኣጸገሞ ‘ዘእይትነገር ታሪኽ’ ዝበሎ፡ ነቲ ብህዝብና ኣብ መሬትና ዝተሳለጠ ናትና ስለዝኾነ ክሳዕ ክንደይ ይሰወጠና ግን ነፍስውከፍ ዜጋ ምስ ሕልናና ክንላዘብ ክንግደድ ኢና። ዕለተ-ሰማእታት ድማ ምስ ሕልናና ንዝትየላ ዕለት እያ።
ናጻ ኤርትራ ብሰማእታት ምስተረከብና ሕድሮምን ሕድረንን ንምፍጻም ንሓርነት ኣብ ንግስግሰሉ እዋን ካልእ ገድሊ ኣጋጢሙና፡፡ ከምቲ ንነጻነት ሰማእታት ህወቶም ዝወፈዩ ነጻነት ንምውሓስ ድማ ዳግማይ ህዝቢ ኤርትራ ብዋርሳይ ህይወት ኸፊሉ፥፡ እዚ ኮይኑ ከብቅዕ ናይ ኤርትራ ብድሆ ብውሽጥን ብደገን ቀጺሉ። ንህዝቢ ኤርትራ ንኽዳኸም ዝተፈላለየ መትሓዚ ዘይብሉ  ተጻብኦታት ካብ ዕለተ-ነጻነት 1991 ክሳብ እዛ ዕለት’ዚኣ የጋጥመና ከምዘሎ ናይ ሓፋሽ ዕለታዊ ተመክሮ’ዩ። ንኣብነት እዚ ናይ ሎሚ ቕነ ብሰብኣዊ መሰላት ቀሪቡልና ዘሎ ጻዕዳ ሓሶት ግርምቢጥ ክሲ መቐጸልታ ናይቲ ናይ ዓመታት ብድሆ እዩ። ህዝቢ ኤርትራ መስዋእቱ ይቕጽል ኣሎ፥፡
ህዝቢ ኤርትራ ክዳኸምን ኣብዚ ናይዚ ዘበን ኣምጻኦ ግዝኣት ንኽንቑረን ሓደ ካብቲ ዕላማ ናይቶም ነጻነትና ዘይተዋሕጠሎም ብዘይ ዕረፍቲ ንዓመታት ክሰርሕሉ ዝሓገዩ ቀንዲ ነገር እንተሎ ክብርታት ናይ ኤርትራ ምቕታል’ዩ። ክብርታት ናይ ዝኾነ ሕብረተሰብ መትኒ ወይ ዓንዲ ሕቖ ስለዝኾነ ንኽብሪ ናይ ሓንቲ ሃገር ወይ ሕብረተሰብ እንተልሚስካ ከምድላይካ ክተማእዝኖ ከምዝከኣል ንዘበናት ዘናበሮም መሳርሒ!!! ብተዛማዲ ድማ  ንክብሪ ናይ ህዝቢ ኤርትራ ከዳኽም ይኽእልዪ ዝተባህለ ኩሉ ዓይነት ምህዞ ተኣሊሙ። ኣብ ውሽጥን ኣብ ደገን ከምዚ ቫይረስ በብእዋኑ ተዘርጊሑ ሓደ ካብቲ መሰረታዊ ዕላማ ድማ ነቲ መትኒ ክብርታት ናይ ህዝቢ ኤርትራ ዝኾነ ህዝባዊ ግምባር ምልማስ’ዩ። ነዚ ክዉን ንምግባር ካብቲ ሽሕ ዓይነት እንቲ እታ ወትሩ ዝጥቀሙላ ‘ህዝብታት ሳልሳይ ዓለም’ ዝላደናላ- ንህዝቢ ኤርትራ ሓድነቱን ታሪኹን ዝርኩና ሓደሽቲ ሃይማኖት ኣብ መንጎ ህዝቢ ኤርትራ ምስፍሕፋሕ፥ ብፍላይ ኣብ መንእሰያት። ንሰማእታቱ ዘኽብር ሕድሪ ዘውሕስ መንእሰይ ኣብ ክንዲ ዝፈሪ ሓድሽ ዓይነት ክርስቶስ ፈጢርካ ዝህውትት መንእሰይ መንነትን ዘይትፈልጥ ዘይሓስብ ድንቆሮ መንእስይ ንኽፈሪ ዘይተሰርሐ ነገር የለን። ነዚ ንምትግባር’ውን ነቲ ኣብ መደምደምታ ሓድሽ ኪዳን ‘ካብዚ ዝወሰኸ ወይ ዘጉድለ’ መጠንቀቕታ ተጎስዩ እቲ ዘድልዮም መልእኽትን ጥቕስታትን ከምዝቕይርዎ ነዚ ዝከታተሉ ኤርትርውያን ልቃውንቲ ከምቲ ዝድለ ድእ ኣይኹን’እምበር ሓቢሮምና እዮም። እዚ ከምቲ ልክዕ ናይ ዝተፈላለየ መርትዖታት ዝቐያይርዎ ነቲ ቅዱስ መጽሓፍ ተባሂሉ ዝእመነሉ ከምድላዮም ክቕያይርዎ ኣየጽግሞምን’ዩ። ስለምንታይ ኣብ ሰማያዊ ሃብቲ ዘይኮነስ ምድራዊ መሬት ወኒኖም ናይ በይኖም ምድራዊት ገንት ፈጢሮም ክነብሩ ከይሰልከዩ ስለዝነብሩ።
ልክዕ ከምቲ ኣብ ግዜ ብረታዊ (መንፈሳዊ) ቃልሲ ህዛብዊ ግምባር ንህዝቢ ኣንቂሓ ወዲባ ተዕጥቕ ዝነበረት እዘን ሓደስቲ ሃይማኖት ድማ ብስም ክርስቶስ ብሓድሽ ዓይነት ምህሮ ከንቅሓ ክውድባን ብዙሕ ዓመት ኣቑጽሩ’ሎ። እቲ ዕጥቂ ህዝባዊ ግምባር ካልሽን ዘይኮነስ በሊሕ አእምሮን ልቦናን ከምዝኾነ ናይ ሓፋሽ ፍልጠት እዩ። እዘን መግለጽን መትሓዝን ዘይብለን ሃይማኖትከ እንታይ’ዩ ዕጥቀን ምስእንሓትት፡ ነቲ ዝበዝሔ ከም ፋሽን ተባህለ ኢልካ ዝስዕብ ዝተረመሰን ግዙእ ኣእምሮ ክዕጠቕ እንክሎ ነቶም ተብለጽትን ስሱዓትን ከደምትን ድማ ንዋይ ንብረት ባዶሽ ሕልናን’ዩ። እዚ ድማ ብርእዮ ኣንጻር ናይዚ ኩሉ ዝተኸፍለ መስዋእትን ብቐንዱ’ውን ኣንጻር ናይ ክርስቶስ መሰረታዊ ምህሮን ተመክሮን እንተተባህለ’ውን ምግናን ኣይመስለንን።
ክርስቶስ ኩልና ብቕዱስ መጽሓፍ ከምዝተዘንተወልና ኻብ ሓጥያት ከንጽሃና’ዩ ተሰቒሉ። ኣብቲ ብህይወት ዝነበረሉ እዋን’ውን ብዛዕባ ፍቕሪ፡ ብጻይነት፥ ሓቂ ፥ፍትሒ፥ ዝኣመሰሉ ክብርታት ንኣህዛብ ከምዘስተምሃረ ቅዱሳት መጻሕፍቲ ይገልጹ። ህዝቢ ኤርትራ ድማ ንዘበናት ነዚ እምነት ተቐቢሉ ኣብቲ ናይቲ ሕብረተሰብ ጽኑሕ ኽብርታቱ ኣርዒሙ ንዘበናት ነቢርሉን  ልዕሊ ኹሉ ድማ ሰማእታት ኣፍርይሉ። ከምቲ ክርስቶስ ንሓጥያት ደቂ ሰብ በጃ ዝሓለፈ። ስማእታት ኤርትራ ድማ ካብቲ ዝኸፍኤ ሓጥያት ሓጥያት ናይ መግዛእቲ ነጻ ንኽንወጽእ ህይወቶም ወፍዮም።  እቲ ክንፍጠር ዝተዓደልናዮ ነጻ አእምሮን ነጻ ሃግርን ክንውንን በጃና ሓሊፎም ሓሊፈን። ሰማእታት ከም ክርስቶስ ብግብሪ’ዮም ፍጹም ፍቕሪ ኣርእዮምና። ዛንታ ኽርስቶስ ክነግሩ ላሕ ኣይበሉን። ስም ክርስቶስ እናልዓሉ ኣይፋኾሱን ጳውሎስ’ዶ ሉቃስ’ዶ ኣየዘንትዉን፥፡ ብኣንጻሩ ስሙ ከይለዓሉ’ዮም ክርስቶሳት ኮይኖም። እዚ ተወፋይነት’ዚ ኣበየናይ ዓለም’ዩ ተራእዩ? ከምዚ ዓይነት ታሪኽ ካብ ሃለወና ስለምንታይ ነቲ ናይ ሰማእቲ ተወፋይነት ምስ ናይ ክርስቶስ ታሪኽ ከነዛምዶ ዘይከኣልና? መን’ዩ ንኤርትርዊ ብዛዕባ ክርስቶስ ወይ ድማ መድሃኔ ኣለም ክምህሮ? እንታይ ዓይነት ሰባት’ከ ተመሃሮ ናይዚ ሓድሽ እምነት ናይ ሓድሽ ዓይነት ክርስቶስ ክኾና ዝህቅና? ሓንቲ ኣኽራሪት ኤርትራዊት ብኣፍልጦ ነዚ ታሪኽና ምስ ናይ ቅዱሳት መጻሕፍትን ብፍላይ ዛንታ ክርስቶስ ኣመልኪታ ክርስቶስ እስራኢላዊ ወይ ካልእ ዜጋ ዘይኮነስ ኤርትራዊ’ዩ ክትብል ሰሚዓ’ለኹ።
እቲ ናይ ትማሊ ገና ብህይወቱ ዘሎ ታሪኽ ብምስትውዓል  እንተረኣናዮ’ውን ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ብፈሪሃ እግዚኣብሄር ዝተሃነጹ ውልቀሰባት ዝተጀመረ’ዩ። ኣቦይ ወ/ኣብ ወ/ማርያምን ብጾቶምን ንነጻነት ልዕሊ ፖለቲካዊ ብመንፈሳዊ ዕላማ’ዮም ብንቕሓትን ብልዑል እምነት ኣስተምሂሮም። ናይ ኣቦይ ወልደኣብ ወ/ማርያም ጽሑፋት ምስእንውክስ ትሕዝቶን እንተላይ ቛንቁኡ ኣብ ቕዱሳት መጻሕፍቲ ዝተመርኮሰ ምህሮ እዩ። ኤርትራ ፈጣሪ ዝሃበና ወነንታ ስለዝኾንና ካብ መግዛእቲ ካብ ዓመጽቲ ነጻ ክንወጽእ ተቓሊሶም። እዚ እምነትን ንቕሓትን ስቕ ኢልካ ዝመጽእ ኣይኮነን። ነቲ ቅዱስ ጽሑፍ ብትሕትና ስለዘንበብዎ ብፍላይ ድማ ናይ ክርስቶስ ዕላማ (ኣማኒ ክርስትና ስለዝነበሩ) ብግቡእ ስለዝትረድኡን ብምለኮታዊ ሓይሊ ምስትውዓል ስለዝተዓደሉን ክንዮ’ቲ ‘ካብዚ ዝወሰኸ ዘጉደለ’ ከይተሓጽሩ ብዛዕባ ናይ ሃይማኖት ምስልምናን ክርስትናን ሓድነት ልዕሊ ኩሉ ድማ ኤርትራውነት  ጎሊሑ’ዩ ዝረኤ ንቕሓቶምን እምነቶም’ዩ፥፡
ሃይማኖት ንደቂ ሰባት ነጻ ንኸይንሓስብ መእስሪ ዝተፈጥረ ሜላ ከምዝኾነ ብዙሕ ግዜ ተነጊሩና’ዩ ብፍላይ ምስ ክብርታት ናይቲ ሕብረተሰብ ዘይሳነ ሃይማኖት፡ ከምዚ ሕጂ ንኤርትራ ዘጋጥማ ዘሎ። እዞም ናይዚ ሓድሽ ሃይማኖት ሰዓብቱን መራሕቱን ግን ነቲ ናትና ረዚን ናይ ሰማእቲ ታሪኽ ጎሲኻ ናብቲ ንዘበናት ንዝተፈላለየ ሕብረተሰብ ብፍላይ ከኣ ንህዝብታት ‘ስሉስ ዓለም’ ዝበደለ ሃይማኖት ናብቲ ኩሉ ዓይነት ድኽነት ዝሽምም ሃይማኖት ንኽስፋሕፋሕ ጻዕርታት ምክያድ ናይ ብሓቂ ዘስደምም’ዩ። ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዝተገልጸ ንክብርታት ህዝቢ ኤርትራ ዘደንፍዕ ንክብሪ ሰማእታትና ክብሪ ዝኹልዕ ሃይማኖት ወይ ከኣ እምነት ነቲ መሰረት ናይ ናጽነት ዝኾነት ህዝባዊ ግምባር ክነሓድስ ናይ ነፍስወከፍ ሓላፍነት ከምዝኾነ ምስትውዓል ከድልየና’ዩ ስለምንታይ ኣብ ሕብረተሰብና ብኽብርታትናን ብምስዋእቲ ዝተሰረተ እምነት ስለዝተረከብና።
ነጻነት ብመስዋእትነት ካብ እተረጋገጸት እቶም ህልዋት ንሰማእቲ ዕለት ዕለት ታሪኾም ክነዘንቱን ብግብሪ ክንዝክርን  ግቡእና’ዩ፥፡ ከምቲ ክርስቶስ ንፍትሒ ንሓቂ ክንስዕበን ዘስትምሃረ ሰማእቲ’ውን ንዓና ንኤርትርውያን ንሓርነትን ምዕባሌን ብንቕሓት ብእምነት ንሓቅን ፍትሕን ክንጋደል ተላብዮም ስለዝሓለፉ/ ስለዝሓለፉ ብዘረባ ክንደናገጽ ሓልፍነትና ወንዚፍና ብሓጥያት ናይ ካልእ ክንፈርድን ክንውንጅልን ዘይኮነስ ብቕንዕናን ኣብ ዕለታዊ ናብራና ብግብሪ ክንዝክሮም መንፈሶም መንፈሰን ኣይፈለየና!!!


ዓሙቕ ዝኽሪ ንሰምእታትና!!!
ዓወት ንሓፋሽ!!!

ብስራት ተስፋይ
Sponsored Ads
ሰምእታትና ክርስቶሳት’ዶ ክንሰምዮም Reviewed by Admin on 12:18 PM Rating: 5

Post Comment

All Rights Reserved by Madote © 2016

Contact Form

Name

Email *

Message *

Powered by Blogger.