Top Ad unit 728 × 90

Trending

random
.

ኤርትራውያን ነበርቲ ከተማ ቶሮንቶን ከባቢኣን፡ ብምኽኒያት መበል 25 ዓመት ቡሩራዊ እዮቤልዮ ስርሒት ፈንቅል ብ15/2015 ኣብ ከተማ ቶሮንቶ ብክብ ዝበለ ፍናን ጸምቢሎም።




ኣብቲ ኣጋጣሚ፡ ሓ/ቶ/ ጉዳያት ሃገረ ኤርትራ ኣብ ቶሮንቶ ካናዳ ኣቶ ኣሕመድ ኢማን ኣብ ዘስመዖ መልእኽቲ ታሪኻዊት ስርሒት ፈንቅል።

ፈንቅል፡ ጨራ ምሉእ ብርሃን ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ ካብ 12 ክሳብ 15 ለካቲት ኣብ ወደብ ምጽዋዕ ንዝካየድ ጽንብል ዝኽሪ ብሩራዊ እዮቤልዩ፡ ስራሒት ፈንቅል ምኽንያት ብምግባር፡ መንእሰያት ህግደፍን ሕድርን ነበርቲ ከተማ ቶሮንቶ ምስ ኩሎም ኤርትራውያን ሃገራውያን ብምትሕብባር ነታ ቅያ ዝሰረሐት ዓመተ ምህረት 1990፡ ከም ፍሉይነት ታረኻዊ መቅይሮ ሓርነት መላእ ኤርትራ ብምዝካር።

ስርሒት ፈንቅ፡ ነቲ ዘይድፈርን ዘይሳዓርን ዝመስል ሰራዊት  ዝትትዮጵያ፡ በቲ ናይ ሓያላት መንግስታት ምትእትታው ናይ ምዕራብን ምብራቅን ካልኦትን ዝተደገፈን፡ ቅዲ ኪናት ዝተሓንጸጸን፡ ብፍላይ ድማ ነቲ ኣብ ከባቢና መዳርግቲ ዘይነበሮ ሓይሊ ባሕሪ ኢትዮጵያ፡ ደምሲሱ፡ ሰራዊት ኢትዮጵያ ዘይተጸበዮ መጥቃዕትን ቆራጽነትን ብተጋዳላይ ብዘጋጠሞ ራዕዲ ልዕሊ ሰላማዊያን ሰባትን ንብረትን ጉድኣት ኣውሪዱ፡ ስዕረቱ ተሰኪሙ፡  ሬሳታቱ ፍቐድኡ ዛሕዚሑ፡ ዝተረፈ ሰራዊት ሒዙ ንዓዱ ተመልሰ።
ዝዓነወት ምጭውቲ ወደብ ምጽዋዕ ብዝግበረላ ዘሎ ቶላሕታ፡ ገዚፍ ወፍሪ፡  ተገርሉላ፡ ብቕዓት  ዘለዋ ወደብ እንዳኾነት ትኸይድ ከም ዘላ ህያው ኮይና ኣላ።

ዓወት ሰርሒት ፈንቅል፡ እዚ ሎሚ ነሰተማቕሮ ዘለና ሰላምን ልምዓትን፡ ውጽኢት ናይቲ ንስለ ናጽነት ዝተኢ ኽፍለ ከቢድ መስዋእቲ ምኻኑ፡ ኣብ ልቢ፡ ኩሉ ፈታው ሃገር ኣእምነ በረድ ተቐሪጹ ይርከብ።

ዝኽሪ ስርሒት ፈንቅል ረዚን ትርጉም ዘለዎን ንመንእሰያት ሓላፍነት ሃገር ዘሰክምን ሰለዝኾነ፡ ንዝኾነ ልዕላውነት ኤርትራ ዝጻባእ ወይ ዝፈታትን ንምምካት፡ መንእሰያትና ድልውነቶም ሎሚ ከም ትማሊ ዘዕሓሰ ኢዩ።

ኣብ መደምደምታ፡ ህዝቢ ኤርትራ፡ ታሪኽ ጽንዓትን ተውፋይነትን ብግቡእ ንምዕቃብን ናይ ወለዶታት ንምስግጋርን ተራን ኣበርክቶን መላእ ሕብረተ-ሰብ ብሓፈሻ፡ ናይ መንእሰይት ድማ ብፍላይ ክዕዝዝ ድልዱል ሰረት ክህልዎ ግደታን ሓላፍነትን ይኸውን።                                                  

ስዒበ ነቲ ናይ ፈንቅል ጽንብልና ዘማዕረገ'ውን ዝተፈላለየ ግጥምታት ብተሳተፍቲ' ሃገራውያን ንፈንቅ ማዕረ ክንደይ ሓያልን መቀይሮ ጩራ ናጽነትና ዘንጸባርቅ ኣቅሪቦም፡ ኩሉተሳታፊ ንሃገሩን፡ ህዝቡን  ምስመንግስቱን ንምዕባለ ሃገርና ዓቅሞም ከበርኩቱ ድልዋት ከም ዘለዉ ኣረጋጊጾም!...  ኣብ መወዳእታ ንኩሉ ህዝቢ ኤርትራ ኣብው ሽጥን ደገን ዝርከቡ ኮሙውን ንመግስቲ ዮሃና እዮቤል መበል 25 ዓመት ፈንቅል ይብሉ

ዘልኣለማዊ ዝኽሪ ንስውኣትና!

ዓወት ንሓፋሽ!




























Sponsored Ads
ኤርትራውያን ነበርቲ ከተማ ቶሮንቶን ከባቢኣን፡ ብምኽኒያት መበል 25 ዓመት ቡሩራዊ እዮቤልዮ ስርሒት ፈንቅል ብ15/2015 ኣብ ከተማ ቶሮንቶ ብክብ ዝበለ ፍናን ጸምቢሎም። Reviewed by Admin on 9:57 AM Rating: 5

2 comments:

  1. Yohana Hezbi kullu behabar ne Iyobiel serihit Fenkil 2015, zelalemawin kebren ne Seweatna.
    Awet Ne Hafash

    ReplyDelete

All Rights Reserved by Madote © 2016

Contact Form

Name

Email *

Message *

Powered by Blogger.