Top Ad unit 728 × 90

Trending

random
.

መልእክቲ ንኩሉ ኤርትራዊ ን (Calais - France) ዝምልከት



ሓበሬታ ካብ ማሕበረኮም ኤርትራውያን ኣብ ፈረንሳ ንኩሉ ኤርትራዊ

ኣብ ከተማ ካሌ (Callais, France) ዘሕዝን ኩነታት  ኤርትራውያን

ኣብዚ ዝሓለፈ ወርሓት ኩሉና ሰሚዕናዮ ንኸውን ሰለስተ መንእሰያት ብሓደጋ ህይወቶም ኣጥፊኦም።  ነዚ ዝሰምዔ ሰብ ብፍላይ ድማ ኤርትራውያን ዘይሓዘነን ዘይጎሃየን የለን።እቲ ዘገርም ድማ እዞም ሰባት እዚኦም ምድረ በዳ ክሰግሩን ባሕሪ ክስንጥቑን ዘሕለፉዎ ስቓይን መከራን ኣዘንቲኻ ዝውዳእ ኣይኮነን።ናይቶም ኣብ ምድረ በዳ ዝተረፉ ኣብ ባሕሪ ዝጥሓሉን እናዘከርናን እዚ ኩሉ ሓሊፎም ኣብ ኤውሮጳ ምስ ኣተዉ  ንዕኦምን ንስድርኦምን መወዳእታ ስቓዮም ክኸውን ነይርዎ።

ይኹን እምበር ካብዚ ቀጺሎም ንሃገረ እንግሊዝ ክሰግሩ ክብሉ ሂዎቶም ዘጥፍኡ መንእሰያት ብዙሓት ኢዮም። እቶም ንምስጋር ተጸበይቲ ድማ ኣብኡ ምስ ብዙሓት ካልኦት ዓሌት ኣህዛብ ስለ ዝነብሩ ዘጋጥሞም ሽግራት ብዙሕ እዩ። ብመጀመሪያ ኣብ በርካ ቴንዳን ባኮን ጌሮም ኣብ ክፉት ቦታ ስለ ዝድቅሱ ኣብ ግዜ ክረምቲ ብዙሕ ሕማማት የጋጥሞም ፣ መብዛሕትኡ እቲ ዘጋጥም ዘሎ ናይ ሞት ሓደጋ ናይ መኪና ኢዩ ፣ ከምእውን ኣብ ሞንጎ እቶም ስደተኛታት ናይ ባኣሲ ሓደጋ መዓልታዊ እዩ።
ብዘይ ፍቃድ መንገዲ መኪና (highway) ብሚእትን ዕስራን ኪሎ ሜተር ኣብ ሰዓት ዝዉንጨፋሉ ክሰግሩ ክብሉ፤ ካልእ ኣብ ብርቱዕ መዝሓሊ ዘለወን ናይ ጽዕነት መኻይን (refrigerated) ኣትዮም ሂወቶም ይስእኑ ኣለዉ።

ስለዚ ነዚ ዘጋጥም ዘሎ ናይ ሞት ይኹን ካልእ ሓደጋታት ከም ኣርእስቲ ወሲዱ ኣብ ፈረንሳ ዘሎ ማሕበረ ኮም ነዞም ዝስዕቡ ነጥብታት ናብ ኩሎም መንገዲ ሃገረ እንግሊዝ ክንደይ ሓደገኛ ምዃኑ ምሕባሮም ናይ ቤተሰቦምን ኣብ ፈረንሳ ዝነብሩ ኤርትራውያንን ክንሕብር ግደታና እዩ።

  1. እቶም ኣብ ወጻኢ እትርከቡ ኤርትራውያን፡ ብሕልፊ እቶም ኣብ ፈረንሳ ዝበጽሑ መንእሰያት ናብ ሃገር እንግሊዝ ክቕጽሉ ተታባብዑ ዘለኹም እቲ ዘጋጥሞም ዘሎ ናይ ሞት ሓደጋ ተረዲእኩም መንእሰያት ኣብቲ ፈለማ ዝኣተውዎ ሃገር ኤውሮጳ ዑቕባ ሓቲቶም ናብርኦም ክመርሑ ክትምዕዱ ንላቦ። 

  2. መንግስቲ እንግሊዝ እንተኾነ’ውን እቲ ካብ ምሉእ ዓለም ናብ ሃገራ ዝውሕዝ ዘሎ ስደተኛ ስለ ዝበዝሓ ሕግታታ እና ኣኽረረት ትኸይድ ስለ ዘላን እቲ ንስደታኛታት ዝውሃብ ሓገዛት እናጽበበቶ ትኸይድ ስለ ዘላን፡ ኣብዚ እዋን’ዚ ሂወትካ ኣብ ሓደጋ ኣእቲኻ ናብ ሃገር እንግሊዝ ኽትሰግር ምፍታን ትርጉም የብሉን። 

  3. ነቶም ህሉው ኩነታት ተቕቢሎም ሂወቶም ብሰላም ክመርሑ ዝደልዩ ስደተኛታት ኣብ ፈረንሳ ዘሎ ናይ መነባብሮ ዕድላት ካብቲ ኣብ ሃገር እንግሊዝ ዘሎ ኣዝዩ ዝፍለ ኣይኮነን።  ሓንሳእ ናይ ዑቕባ ወረቕትካ ምስ ረኽብካ ናይ ቛንቛ ትምህርቲ ዕድል ስለ ዝውሃበካ ድማ እቲ ንግዜኡ ዘይክኣል ዝመስል ናይ ፈረንሳ ባህልን ቛንቛን ጾር ስለ ዝእለ ናብ ናይ ስራሕ ኮነ ትምህርቲ ዓለም ንኽትዋሳእ ቐሊል ይኸውን። ከምኡ ስለ ዝኾነ እውን ኣብ ፈረንሳ ዑቕባ ሓቲቶም ህዱእ  መነባብሮ ዝመርሑ ዘለው ቁጽሪ ኤርትራውያን በብእዋኑ እናበዝሐ ይኸይድ ኣሎ። 

  4. ሓንሳኣ ናይ ዑቕባ ወረቐት ምስተረኽበ ናብ ምሉእ ሃገር ኤውሮጳ ምጋሽ ስለ ዝከኣል ብሕጋዊ መገዲ ናብ ዓዲ እንግሊዝ ኮነ ካልኦት ሃገራት ኤውሮጳ ክኽየድ ይክኣል እዩ። ስለዚ እዚ ሕጂ ብኤርትራውያን ኣብ ከተማ ካሌ (Calais) ዝውሰድ ዘሎ ዓይኒ የብለይ ስኒ የብለይ ስጉምቲ ተመሊስካ ህይወትካ ኣብ ሓደጋ ዘእቱ ስለ ዝኾነ መደምደምታ ክግበረሉ ንላቦ።
____________________________________________________________________

21 ter rue Voltaire 75011 Paris
Sponsored Ads
መልእክቲ ንኩሉ ኤርትራዊ ን (Calais - France) ዝምልከት Reviewed by Admin on 1:22 PM Rating: 5

1 comment:

  1. ESAT Interviewed Eritrean President Isaias Afwerki
    ESAT (Ethiopian Satellite Television) journalists who are in Eritrea conducted lengthy (3Hours)interview with Eritrean president Issayas Afewerki.

    https://www.youtube.com/watch?v=vBpUDyYjPig

    ReplyDelete

All Rights Reserved by Madote © 2016

Contact Form

Name

Email *

Message *

Powered by Blogger.