Top Ad unit 728 × 90

.

መድረኽ 40ታት ምድጋም እንታይ ኣድለየ? ንረብሓ መን ከ?


Picture: Dan Connell organized Eritrean opposition "youths" protest in Washington, D.C. has low turnout 

መድረኽ 40ታት ምድጋም እንታይ ኣድለየ? ንረብሓ መን ከ?

ኣብ ርእሲ ሃገራዊ በዓል ቀብቢላውን ሃይማኖታውን በዓል ምግባር ናይገበን ገበን ዶ ኣይኮነን?

ህዝቢ ኤርትራ እቲ ኣብ ኣርባዓታት ዝነበረ ትሕቲ ሃገራዊ ሰሚዒታት ንሃገራዊ ቃልሱ ከዔውቶ ከምዘይክእል ስለዝተረደኤ መስዋእቲ ምብኽፋል፡ ሃይማኖታዊ፡ ኣውራጃውን ቀቢላውን ስሚዒታት ኣጥፊኡ ፡ ንኹሎም ተጻባእቱ ፡ ኣብዝተናወሐ እዋን፡ ቃልስና መሪር ኢዩ ዓወትና ግን ናይ ግድን ኢዩ ኢሉ ጨሪሑ ኣብ ዓለም መዘና ኣልቦ ቅያ ፈጺሙ ናጽነቱ ዘረጋገጸ ህዝቢ ኢዩ። ሓደ ን10 እሞ ድማ ንጸላኢ ብብረቱ ዘምበርከኸ ህዝቢ እንተሃልዩ ህዝቢ ኤርትራ ኢዩ። ምስጢር ዓወት ህዝቢ ኤርትራ እምበእር ሓድነቱ ኢዩ። ሓድነት ሓይሊ ስለ ዝኾነ ሓድነቱ ዓቂቡ ድማ ከምቲ ናጽነት ንምምጻእ መዘና ኣልቦ ጅግንነት ዝፈጸሞ፡ ሃገር ኣብ ምህናጽን ናጽነታ ኣብ ምዕቃብን ውን ታሪኽ ሰሪሑ ፡ ገና ይሰርሕውን ኣሎ። ጸላእቲ ህዝቢ ኤርትራ ግን ነዚ ጻዕራም ህዝቢ፡ ብቕልጽሙ ዘውዲ ዝደፍአ፡ ናጽነቱ ንምምንጣል ዘይፈተኑዎ ተጻቦታት የለን። ህዝቢ ኤርትራ ኣበይ ኣውራጃኻ፡ ቀቢላኻ፡ ወይከኣ ሃይማኖትካ እንታይ ኢዩ ከይተባሃሃለ ሓድነቱ ዓቂቡ ንኹሉ ፈተነታት ጸላእቲ ኣምኪኑ ኢዩ። ኣብ ከባቢና ዘሎዋ ሃገራት ምስንርኢ፡ ኩለን ብዓሌታዊ ግጭት ተሓሚሰን፡ መደባት ልምዓተን ንድሕሪት ተጎቲቱ ብሰላም ምስኣን ተሓሚሰን ንዕዘብ። ብኣንጻሩ እዛ ሓዳስ ዉልዶ ሃገርና ጎረባብትና ንልዕሊ 50ታት ነጻ ዝኾና ዘይበጽሖኦ ምዕባለ በጺሓ ፡ ብሰላም ትነብር ዘላ ሃገር ኢያ። ኣብ ኢትዮጵያ ንኣብነት፡ ዎያነ ሃብቲ ኢትዮጵያ ንምግባት መታን ንኽጥዕሞም፡ ዘተእታተዉዎ ዓሌታዊ ግጭት ካብ ዝኸፍኤ ናብ ዝሓመቐ የምርሕ ኣሎ። ኣብ ከባቢ ነገለ ቦሮና፡ ኣብ መንጎ ጉራጌን ኦሮሞን፡ ኣብ መንጎ ኦሮሞን ኣምሓራን፡ ኣብ መንጎ ብሄራት ኢትዮጵያን ጭቁን ህዝቢ ትግራይን ኣታኣታቲየሞ ዘሎዉ ዘይ ሓላፍነታዊ ዓሌታዊ ፍልልይ ህዝቢ ኢትዮጵያ ሎሚ ምፍልላይ ንረብብሑኡ ከምዘይ ኮነ ኣሚኑሉ፡ ይብድሆ ኣሎ። ከባቢ ኣዲስ ኣበባ ኩሉ ኦሮሙኛ ኢዩ ዝዛረብ፡ ኣብዚ ቦታታት ብኦሮሙኛ እንተዘይ ተዛሪብካ ጉዳይካ ከተሳልጥ ኣይትኽእል ኢኻ። ቤት ፍርዲ እንተተኸሲስካ ኦሮሙኛ ዝዛረብ ጠበቓ ክትደሊ ኣሎካ። ኦሮሙኛ ደይትዛረብ እንድሕ ኮይንካ ኣብ ኦሮሞ ዝዝረበሉ ከባቢታት ስራሕ ምርካብ ኣይከኣልን ኢዩ። ቅድሚ ዎያነ፡ ከምዚ ዓይነት ጸገም ኣይነበረን። ህዝቢ ብሰላም ኢዩ ዝነብር ነይሩ። ክፍኣት ወያነ ግን ዶብ የብሉን። ንኢትዮጵያ ብዓሌት ሓሚሶም፡ ንኤርትራ፡ ሶማሊያን ደቡብ ሱዳንንዉን ብዓሌታዊ ግጭት ንምሕማሰን ድቃስ ሲኢኖሙሉ ዘሎዉ ጉዳይ ኢዩ። ኣብ ሶማልን ደቡብ ሱዳንን ግን ተዓዊተሙሉ ኢዮም ምባል ይከእ። ሎሚ ዎያነ ሶማሊያ ከም ዉሻጠ እንዳዲኦም ይዕንድሩሉ ሎዉ። ህዝቢ ሶማሊያ ድማ ሓድነቱ ዓቂቢ ተጠቃሚ ጸጋታቱ ክንዲ ዝኸውን ብዓሌታዊ ግጨት ተሓሚሱ፡ ኣደዳ ስደትን ጥሜትን ኮይኑ ይርከብ። ክፍኣት ወያነ ግን ኣብ ሶማሊያ ዝተዓወትሉ ኣብ ኤርትራ ንምድጋሙ እዚ ዘይባሃል ፋይናንሳውን ጉልበትን ኣጥፊኦም ኢዩም። እዚ ኣይ ሰላም ኣይኩናት፡ ሞት ሑጹይ ኢዩ ኮይኑዎም ዘሎ። ብፍላይ ፋብሪካታት ትግራይ ብሰንኪ ኣይሰላም ኣይኩናት ምስ ኤርትራ ጥረነገርን መቀያየሪ ኣቑሑትን ብምስኣን ቡዙሓት ተዓጽየን ከምዘሎዋ ኢዩ ዝፍለጥ። እዚ ሕጂ ኣብ ኢትዮጵያ ተረኺቡ ዘሎ ፖታሽ እንተርኢናውን ምስ ናይ ኤርትራ ፖታሽ ክወዳደር እንተኾይኑ ብወደብ ዓሰብ ንሰደድ ክለኣኽ ኣሎዎ ማለት ኢዩ። እዚ ግን ኣብ ልዕሊ መሬትና ኮፍ ኢሎም ከሎዉ ክኸውን ክምዘይ ክእል ስለ ዝፈልጡ፡ ነታ ንምካሓላ ሓድነትና በቲኖም ክምሶማሊያ ሕጂ ድማ ደቡብ ሱዳን ንምግባርና ሃሱሳት ደቂ ሃገር ኣዋፊሮም ዝሰርሑሉ ዘሎዉ ጉዳይ ኢዩ። ኣብቲ ካብ ተጸናጸንቲ እከያት ወያን ስንክሳር መሳሪሒታቱን ኣብ ልዕሊ ኤርትራ” ዝብል ጽሑፋት፡ ሰበ ስልጣን ዎያነ ብገንዘብ መንእሰያት ካብ ኤርትራ ናብ ትግራይ ከምዘመሓላልፉ። ኣብ ትግራይ ምስ መጹ ድማ ክሳብ ሓሙሻይ ወለዶ ብምጽብጻብ በቢ ወገኖምን ከባቢኦምን ይፈላሊዩዎም ከምዝነበሩ፡ በጀካ እቲ ዝወጸ ጽሑፍ፡ ብኡ ዝሓለፉ ዜጋታት ዘረጋገጹዎ ኢዩ። በጀካ ገለ ዱኹማት ጎኒ እቶም ዝበዝሑ ሃገራዉያን ግን ህዝቢ ኤርትራ ንሓድነቱ መስዋእቲ ከምዝኸፈለ ስለዝፈልጡ፡ ግዳይ ወያነ ክኾኑ ኣይመረጹን፡ጥራይ ዘይኮነ ንልዕላውነትን ረብሓ ህዝቢ ኤርትራን ደው ኢሎም ይርከቡ። ገለ ወገነኛታት ድማ ፡ ብወያነ ተዓሲቦም ብዝተፈላለየ ሽፋን ንሓድነትና ዝፈታተን ፡ ካብ ዎያነ ዝተዋህቦም ናይ ገዛ ዕዩ፡ ንምትግባር ይፈታትኑ ኣሎዉ፡፡ እዞም ዑሱባት፡ ዎያነ ፍሉይ ስልጠና ሂቡ፡ ኣብ ሙሉእዓለም ፋሕ ኣቢሎዎም ከምዘሎ እቲ ዝወጸ ጹሑፋት ይሕብር ኢዩ። ገለ ካብ ኦም ድማ ኣብ ከተማ ሁይስቶን ይርከቡ። ህዝቢ ሁይስቶን ብሓድነቱ ዝልለ፡ ባህሉን መንነቱን ዓቂቢ ኣብ ምምጻእን፡ ምዕቃብ ናጽነት፡ ኣብ ምህናጽ ሃገር ዓቢ ግደ ዝተተጻወተን ዝጻወት ዘሎን ህዝቢ ኢዩ። ሓድነት ህዝብና ከምዕረ ዝመረሮም ገለ ዱኹማት ግን እቲ ብዎያነ ህዝብና ብትሕቲ ሃገራዊነት ንኽበታትኑ ዝተዋህቦም መልእኽቲ ክውን ንምግባር ሎሚ ብሽም ደቂ ሓደ ከባቢን ሃይማኖታዊ

እምነትን ኣብ ከተማና ተገሩ ዘይፍለጥ ፈላላይን ጎዛዛይን ብሽም ማሕበር ከስከሰ -ሰንዓፈ ዝብል ፡ ኣብ ባሕቲ መስከረም
ብዓል ከምዝገብሩ ንህዝቢ ሓቢሮም ኣሎዉ። ባሕቲ መስከረም ሓደ ካብቲ ዓበይቲ ሃገራዊ በዓልናዩ። ህዝቢ ኤርትራ ነቲ
በሰላማዊ መንገዲ ናጽነቱ ንምርካብ ዘካይዶ ዝነበረ ቃልሲ መፍቲሒ ምስ ሰኣሉ ፡ መስከረም ሓደ ኣገባብ ቃልሲ ቀይሩ፡
ብሓይሊ ብረት ጥራሕ ከምዝፍታሕ ኣሚኑ ፈላሚት ጥይት ንሓርነት ዝተኮሰላ ዕለት ሰለ ስኾነት ኣዝያ ክብርቲ ዕለት ኮይና
ንልዕሊ 50 ዓመታት ብድምቀት ዘተኸበረት ሃገራዊት በዓል ኢያ። ህዝቢ ሁይስቶን እዛ ኽብርቲ በዓልና ዓመት ዓመት
ብድምቀት ኢዩ ዘብዕላ። ለብዘበን ዉን ኣብ መዓልቱ ብድምቀት ንምብዓላ እንዳተሸባሸበ ከሎ፡ እዞም ብትሕቲ ሃገራውነት
ዝተጠላቐዩ ጸበብቲ ቀቢላዉያን ኣብ ክንዲ ምጅማር ብረታዊ ሰውራና ምስ ህዝቦም ዘብዕሉ ደይ መደይ ኢሎም መልእኽቲ
ወያነ ኣብ ግብሪ ንምውዓል፡ ቀቢላውን ሃይማኖታውን በዓል ከብዕሉ፡ ህዝቢ ከደናግሩ ይፍትኑ ኣሎዉ። ህዝቢ ሁይስቶን
ነዚ ናይ ጸበብቲ ሓንጎል (Narrow minded regionalists)፡ ብከደምቲ ዝተመወለ መደቦም ፎእእእእእ ኢሉ፡ ባሕቲ
መስከረም ብዝበለጸ ክብዕላ ከምዝኾነ ንኾሎም ፈተውትን ጸላእትን ክበርሃሎም ይግባእ። ህዝቢ ሁይስቶን ብሰላም፡
ብምክብባር፡ ብሕዉነት፡ዝነብር ፡ ይትረፍ ንኤርትራውያን ንደቂ ካልእዜጋውን ሓገዙ ዘይበቅቕ ምቑሉል ልጋስን ህዝቢ ኢዩ።
ንኸምዚ ዝበለ ህዝቢ ብቀቢላውን ሃይማኖታውን ማሕበር ኢልካ ክትጎጃጅል ምፍታን ታሪኽ ይቕረ ዘይብሎ ገበን ዩ።
ሓድነትና ብሌን ዓይንና ዩ። ሓድነትና ዋሕስ ህላውነትና ዩ። ከምዚ ዓይነት መርዛም ምፍልላይ ንህላውነትን መንነትን ደቅና
ስለዝፈታትን፡ ብጀካ ምምካቱ ኣማራጺ የለን። ግዳይ ናይዞም ብኤርትራውነቶም ዘይተኣማመኑ፡ ልኡኻት ወያነ፡ ክይንኸውን
ምጥንቃቕ ከድሊ ኢዩ። ሎሚ ማሕበር ሰንዓፈ፡ ጽባሕከ ማሕበር መንዩ ክምስረት? እዚ ሕማም ካንሰር እዚ ካብ 5
ብዘይበዝሑ ኢዩ ተበጋጊሱ ዘሎ። ብኣጉ ድማ ክጠፍእ ኣሎዎ። ኣብ ክንዲ ቀቢላዊ ማሕበር ሃገራዊ ማሕበር፡ ማሕበር
ኤርትራውያን እንተ መስሪትና ጥራሕ ኢዩ ምትሕግጋዝና ዝዓብን ፍቕርና ዝድልድልን። ሓድነትና ምስጢ ዓወትና ዩ፡ እዚ
ናይ ቀቢላዊ ማሕበራት ምምስራት ኣንጻር ረብሓ ሃገርናን ህዝብናን ብሓፈሻ፡ ብፍላይ ድማ ኣንጻር ህላውነትን መንነትን
ኣብ ስደት ዝዓብዩ ዘሎዉ ደቅናውን ስለ ዝኾነ ብኣጉኡ ንምቑጻዩ ኩሉ ደላይ ሓድነት ዜጋ ተሩኡ ከዕዝዝ ይግባእ።

በዚ ኣጋጣሚ ኣወሃሃዲት በዓላት ሽማግለ ሁይስቶን መበል 53 ምጅማር በረታዊ ሰውራና ከምቲ ኩሉ ግዜ ኣብ ሌበር ደይ
ዊክ ኤንድ (ንዕለት 31 ነሓሰ) ኣብ 9725 Bissonnet ክኽበር ምኻኑ ንኹሎም ዜጋታትናን ፈተውትን ትሕብር።

ዓወት ንሓፋሽ

ሽማግለ መኸተ ሁይስቶን

መኸተና መኸተ ህዝቢ ዩ!!!!

Sponsored Ads
መድረኽ 40ታት ምድጋም እንታይ ኣድለየ? ንረብሓ መን ከ? Reviewed by Admin on 3:01 AM Rating: 5

Post Comment

All Rights Reserved by Madote © 2016

Contact Form

Name

Email *

Message *

Powered by Blogger.