Top Ad unit 728 × 90

Trending

random
.

መዓልቲ ሰማእታት ኤርትራ


Hundreds of Eritreans hold a candlelight vigil for Eritrea's fallen heroes in Washington, D.C. - June 20, 2013


መዓልቲ ሰማእታት ኤርትራ

ብግርማይ በርሀ (ሽካጎ)

06/19/2014

መዓልቲ ሰማእታት ኤርትራ ፡ ንሃገራዊ ናጽነትን ሓርነትን ኤርትራ ክብሉ ንዝተሰውኡን ፡ ንዝተረኽበ ሃገራዊ ናጽነት ከይድፈር ሂወቶም ንዝኸፈሉን ጀጋኑ ፡ ንዝገደፉልና ሃገራዊ ሕድርን ሓላፍነትን ብዘይ ዝኾነ ይኹን ቅድመ ኩነት ፡ ከነኽብሮን ክንሕልዎን ምዃና መብጻዓና ነሐድሰሉ፡ ንኽብርን ዝኽርን ሰማእታት ኤርትራ ተባሂሉ ብደረጃ ሃገር ዝኽበር መዓልቲ እዩ ።

ኣብ መዓልቲ ሰማእታት ኤርትራ ፡ ንመግዛእታዊ ሓይልታትን ተሓባበርቶምን ካብ ሃገርና ንምጽራግን ፡ ገዛእቲ ንዕላማኦም ከዕውቱ ክብሉ ዝተኸልዎም መንግስታዊ ትካላትን ከስርጽዎ ዝፈተኑ ባህልታትን ንምፍራሶምን ንምድምሳሶምን ዝተኸየዱ ጻዕርታትን ዝሓተትዎ ዋጋን ክንዝትየሎም ኣገደስቲ ይኾኑ ። ቃልሲ ንዝኣረጉን ንዘይኣገልግሉን ምፍራስ ጥራይ ስለዘይኮነ ፡ ንዝፈረሱ ብሓደስቲ ንምህናጾምን ፡ ብንህዝቢ ዘገልግሉ ፡ ህዝባዊ መንግስታዊ ትካላትን ኣብ ማዕርነት ደቂ ሰባት ሰረት ዘለዎም ባህልታትን ዝምድናታትን ንምትክኦም ግድን ስለዝኾኑ ፡ ኣብ ዝተሰርሑ ጉዳያት ተገንዝቦታትን ተዘክሮታትን ምግባር እውን ዘይተርፍ ይኾውን ። ዋጋ እናተኸፍሎም ስልዝተሰግሩ ።

ኣብ መዓልቲ ሰማእታት ኤርትራ ፡ ከም ፍሉይን ኩቡርን መዓልቲ ፡ ንኹሎም ዝተፈላለዩ ዝዓይነቶም ዘጋጥሙ ንዝነበሩ ጸገማትን ተጻብኦታትን ንምጥሓሶምን ንምፍሻሎምን ዝተኸፍለ መስዋእትን ዝፈጠረዎም ሳዓቤናትን ኣብ ጸብጻብ የእቲና ክንዝቲ እውን ግድን እዩ ። ምኽንያቱ ክእለዩን ክሕብሐቡን ዝግበኦም ስድራ ጀጋኑ ፡ ብሕድሪ ዝተገድፉ ኣካላት ስለዘለውና' ። ሃገራዊ ሓርነታዊ ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ መደምደምታ መድረኹ ዝተመረጾ ፡ ንሰራዊት ጸላኢ ብብረቱን ኣብ መሬቱን ኣቲኻ ፡ ግፍዕታት ንምክያድ ዝደኮኖም መበገሲ ዝጥቀመሎም ዝነበሩ ትካላቱ ንምድምሳሶምን ንሓዋሩ ካብ ሱሮም ንምምሓዎምን ዝተወስደ ስትራተጅን ትግባሬኡን ፍሉይነት ከምዘለዎ ዓለም ዝምስክሮ ጉዳይ እዩ ። ቅንዕናን ቆራጽነትን ዘለዎ ሓይሊ ዓጋቲ ከምዘይብሉ ከኣ ሓደ ኣብነት እዩ ። ኣብዚ ጊዜ'ዚ እውን  እንተኾነ ብምኽንያት መዓልቲ ሰማእታት ኤርትራ ኣጋጣሚ ብምግባር ፡ ሃገራዊ ወንን ሓላፍነትን ኣብ ህይወት ኤርትራዊ ዓብዪ ቦታ ክሕዝ ከምዘለዎ ንምግባሩ ሓላፍነት ኣሎና ። ሸለልትነት ብምውጋድ ፡ ነብሰ ተሓድሶን ተበግሶን ንገብረሉን ፡ ብቃልስን ብመስዋእትን ዝተሃንጸ ፡ ታሪኽን መንነትን ህዝቢ ኤርትራ ፡ ንዘለኣለም ናይ ምኽባርን ናይ ምሕላውን ኣምንቶ ክሕይል ይግባእ ። ኤርትራ ከምታ ክትኮነላ ንደልያ ክንሃንጻ ግዴታን ሓልፍነትን ኣሎና ። ብፍሉይ ኣተኩሮ ፡ ብተወፋይነት ንሃገርናን ንህዝብናን ከነገልግልን ፡ ሑሉፍ ታሪኽ ቃልሲ ህዝብና ከም ተሞኩሮ ወሲድና ፡ ብዛዕባ መጻኢ ክንሰርሕ ኣድላዪ ይኸውን ።

መዓልቲ ሰማእታት ኤርትራ ፡ ነቲ ሓድነት ህዝቢ ኤርትራ ዘትረረን ፡ መሬት ኤርትራ ደይሱ ዋንነት ናይ ኩሉ ኤርትራዊ ዝገበረ መስዋእቲ ፡ መሬት ፡ ባሕርን ክሊ ኣየራን ኤርትራ ከምታ ንፈልጣ ንዝለኣለም ተኸቢራ ንኽትነብርን ፡ ምዕብልትን ብቐጻሊ ትግስግስን ሃገር ክንገብራን ፡ እንታይ ክንገብር ኣሎና ብምባል ነብስና ንሓተሉን ንዅነታት ሃገርናን ዓለምን ንመዝነሉን መዓልቲ እውን እዩ ።

መዓልቲ ሰማእታት ኤርትራ ፡ ነቲ ቀንዲ ንተንኮላት ጸላእቲ ዘፍሸለ፡ ከም ባህሊ ሓርበኛታት ኤርትራ ንቆጽሮ መትከል ህዝባዊ ሓድነትን ህዝባዊ ቃልስን ፡ ብዝበለጸ ንምምዕባሉ ግዴታን ሓላፍነትን ከምዘሎና ተረዲኢና ከም ኣድላይነቶም ፍሉይ ተበጉሶታትን ገምጋማታትን ንገብረሎምን ዓቕምታትና ብዘፍቅዶ ንሃገርን ህዝብን ኣበርክቶ ክንገብር ብፍሉይ ሓላፍነት ንሰርሓሉ ..... መዓልቲ እውን እዩ ።

ኮይኑ ፡ ኤርትራ ናጻ ንምጻኣን ንምህናጻን ዝተሓልፉን ዘለዉን ጸገማትን ተጻብኦታትን ውሑዳት ኣይኮኑን ። ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ዝሓለፉ ብዙሓት ዓመታት ግዳማዊ ወራራት ስለዘይተፈልዮ ብናይ ገዛእ ርእሱ ውሽጣዊ ምዕብልናታቱ መሰረት ገይሩ ብሰላም ንቕድሚት ክስጉምን ሃገሩ ከማዕብልን ዕድል ኣይረኸበን ። ህዝብና ምብዳሉን ኣብ መጻወድያ ኣዝዮም ሓያላት ሓይልታት ተጸሚዱ ምጽንሑን ኩልና ኤርትራውያን ንሕዝነሉ ጉዳይ እዩ ። እቲ መስረታዊ ግርጭት ኣብ መንጎ ዕምሪ ወረርቲ ከሕጽሩ ዝቃለሱ ሓርበኛታት ኤርትራውያን (ህዝቢ ኤርትራን) ብሓደ ወገን ፡ መግዛእታዊ ሓይልን ተሓባበርቱን ከኣ ንመግዛእታዊ ህይወቶም ከናውሑን ከስፋሕፍሑን ዝሰርሑ ደመኛታት ከእ በቲ ካልእ ሸነኽ ብምዃን ፡ እቲ ጎንጽታት ንብዙሕ ዓመታት ቀጺሉ ። ነቲ ህይወት ሕብረተሰብና እውን ዓብሊልዎ ጸኒሑ ። ኩሉ ዓቅምታት ኣንጻር ወረርቲ ሓይልታት ዘቅነዐ ክኸውን ግድን ኮይኑ ። ኵናት ንዓሰርተታት ዓመታት ስለዝቐጸለ ሕበረተ ሰብና ከማዕብሉን ሃገርና ክሃንጹን ዝኽእሉ ኣሻሓት ጀጋኑ ኤርትራውያን ፡ ንሃገራዊ ናጽነትን ሓርነትን ክብሉ ዘድሊ መስዋእቲ ብምኽፋል ንሕብረተ ሰቦምን ንሃገሮምን ዘለዎም ፍሉይ ፍቅርን ሓልዮትን ገለጹ ።

ኣብ ኤርትራ ዝተኻየደ ቃልስን ዝተኸፍለ ዋጋን መዚና ፡ ሃገራዊ ናጽነት ኤርትራ ብቐሊሉ ኣይተረኸበን ። ድሕሪ ሃገራዊ ናጽነትውን እንተኾነ ፡ ህዝብና ነዘጋጥሙ ተጻብኦታት ንምምካትን ሉኡላውነት ሃገር ንምሕላውን ተገዲዱ ካብ መስዋእቲ ምኽፋልን ንተጻብኦታት ካብ ምምካትን ዓዲ ኣይዋዓለን ።  ኮይኑ ግን ከም ውጺኢት ፈረ ቃልሱ ፡ ኤርትራ ብምልእታ ናጻን ንብረት ናይ ኩሉ ኤርትራውን ኮይና ኣላ ። ብንቕሓትን ብብቕዓትን ምሉእ ሂወቶም ንኤርትራ ከገልግሉ ዝኽእሉን ድልውነት ዘለዎምን ፡ ብመትከል ቑጠባዊ ነብሰ-ካኣልነትን ፖሎቲካዊ ናጽነትን ዝልለዩ ዜጋታት እውን ኣጥርያ እያ ።

ኣብዚ ጊዜ እዚ ኣብ ኤርትራ ናይ ፍሉይ ኣካል ተባሂሉ ዝውነን ፍሉይ መሬት የለን ። ኤርትራ ፡ ኤርትራ ክትከውን ዝገብራ መስዋእትን ፡ ንክንህሉ ዝገበረና ቃልስን ፡ ናይ ኩሉ ኤርትራዊ ተሳትፎን ድሌትን ዝነበሮን ዘለዎን ቃልሲ እዩ ነይሩ ፡ ሕጂውን ዘሎን ። ኤርትራዊ ዘይተቃለሰሉ፡ መስዋእቲ ዘይከፈለሉን ዘይተቀብረሉን መሬት ኤርትራ የለን ። እዚ ከኣ ነቶም ብሃገራዊ መንፈስን ሓልዮትን መስረት ገይሮም ብሃገራዊ ጉዳያት ሕቶታት ከልዕሉ ንዝደልዩ ኣፍደገ ክኸፍት ኮሎ ፡ ነቶም ብተንኮላት ጸላእቲ "ብብሄር ፡ ብናይ መታሕት እባ ብናይ ትግራይ ትግርኚ" ኮነ ፡ ብኻልእ ጸበብቲ ሃገራዊ መልክዕ ዘይብሎም ፡ ብጸላእቲ ዝሳወሩን ዝቃመሙን ሕቶታት ፡ ዓጽይዎምን ህይወት ከምዘይህልዎም ገይርዎምን እዩ ።  ታሪኽ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራን ሰማእታትቱን ፡ ብጀካ ኣብ ቃልሲ እጃሙ ዘይገበረን ቆሎ ጅብኡ ጥራይ ዝጥምትን ኣካል እንተዘይኮይኑ ፡ ክፍንቅሎ ዝደሊ ፡ ኣካል ህዝቢ ዝኾነ ንጹህ ዜጋ የለን ። በዚ መሰረት ጸቢብ ኣረኣእያ ተጣሒሱን ዝምድናን ርኽክብን ህዝቢ ኤርትራ ማዕቢሉ እዩ ።  ብቃልስን ብመስዋእትን ኩሉ መሬት ኤርትራ ፡ ዜጋታት ብናጻ ድሌቶም ክነብረሉ ዝኽእሉ ፡ ድዩስን ናይ ሓባር ዋነነትን ኮይኑ ኣሎ ። ስለዚ መስዋእቲ ሓርበኛታት ኤርትራውያን ሰፉሕ ሃገራዊ ኣተሓሳስባ ፡ ሃገራዊ ንብረትን ዋንነትን ፡ ናይ ኩሎም ኤርትራውያን ማዕረ ናጽነትን ዝፈጠረ ስለዝኾነ ፡ ኣብ መዓልቲ ሰማእታት ኤርትራ ዘለዎ ረዚን ቦታ ከይጠቀስናዮ ክንሓልፎ ኣይግባእን ።

ቃልስን መስዋእትን ሓርበኛታት ኤርትራ ፡ ነቶም ጸላእትና ቀዳዳት ክረኽቡ ዝገብርዎ ዝነበሩ ፈተነታት ዘፍሸለ ፡ ታሪኽ ሓድነትን ጽንዓትን ባህሊ ዝሓዘ እውን እዩ ። ሓድነት ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ጉዕዞ ቃልሲ መመሊሱ እናሓየለ ዝመጸ ኮይኑ ፡ ንብዙሓት ተንኮላት ጸላእቲ ዘፍሸለን ፡ ብቡዙሕ ፈተነታት ዝሓለፈን ፡ ዓብዪ ሃገራዊ ሓይልን መሳርሕን ኮይኑ ኣገልጊሉ እዩ ። ሓድሽ ወለዶ ክማሃሮን መርምር ከካይደሉን ዝኽእል መወዳደርቲ ዘይብሉ ፡ ብሓባር ናይ ምስራሕን መስዋእቲ ናይ ምኽፋልን ጠባያት ዝሓዘ ፡ ኤርትራዊ ታሪኽን ባህልን ተጠርዩን ኣዝዩ ማዕቢሉን እዩ ። ብናይ ሓባር ቃልስን መስዋእትን ዝውነን ታሪኽን ክብሪ ሃገርን ስለዘሎና ብጉቡእ ክንጥቀመሉ ተኺኢልና ፡ ናይ ዘለኣለም ውሕስነት ክህብ ዝኽእል ህዝባዊ ተሳትፎ ዘለዎ ታሪኽ ሒዝና ኣሎና ። ብዙሓት ዋናታት ዝከላኸልሉን ዝሕልውዎን ክህልዉ እውን ግድን እዩ ።

ኣብ መደምደምታ ፡ ኩሉ ዝተኸፍለ መስዋእቲ ፡ ንሃገራዊ ናጽነትን ሓርነትን ፡ ኤርትራ ምዕብልቲ ክትኮነልናን ዜጋታታ ከኣ ብሰላምን ራህዋን ዝነብሩላ ሃገር ንምህናጽን ስለዝኾነ ፡ ነዚ ዕላማ እዚ ንምዕዋት ናይ ኩሉ ኤርትራዊ ሓላፍነትን ። ዝተገድፈ ሕድሪ ሰማእታትን ብምዃኑ ፡ ኩሉ ሃገራዊ ክሰርሓሉን ክዕጠቀሉን ይግባእ ።

ዘለኣለማዊ ዝኽርን ክብርን ንሰማእታት ኤርትራ

 ዓወት ንሓፋሽ





Sponsored Ads
መዓልቲ ሰማእታት ኤርትራ Reviewed by Admin on 8:02 AM Rating: 5

18 comments:

  1. Eternal glory to our martyrs! We will never forget their memories and the promise we made to them!

    ReplyDelete
  2. ወትሩ ዓወት ንሓፋሽ!June 20, 2014 at 10:17 AM

    ዘለኣለማዊ ዝኽርን ክብርን ንሰማእታት ኤርትራ!

    ዓወት ንሓፋሽ!

    ReplyDelete
  3. Indeed internal glory to our Heroes
    They would be disappointed what they gave their life for has been haijacked by the dictator.

    By the way is that in front of the Whit House? According to the regime and it's supporters I thought the US was the core enemy of Eritrea?

    ReplyDelete
  4. Sala Jeganu

    http://www.youtube.com/watch?v=Z8WOGTxoVR4

    ReplyDelete
  5. That is the Lincoln Memorial you idiot Agame beggar! Yerdaeka!

    ReplyDelete
  6. Every Eritrean have a tie to his fallen Heros, a promise that all Eritreans made in past, today and in future..

    ReplyDelete
  7. Jefferson Memorial 6/20/13June 20, 2014 at 1:47 PM

    Last year's June 20th commemoration at Jefferson Memorial.
    Zikre Sematat was led by the young diaspora kids who are inheriting the mantle.

    http://www.youtube.com/watch?v=-1U6FFm5cWs

    ReplyDelete
  8. R.I.P to our heroes. We will never forget you.

    ReplyDelete
  9. I recognize a few faces. Thanks for sharing.

    ReplyDelete
  10. Our martyrs would be sad to see you to threat their legacy.

    ReplyDelete
  11. Our martyrs have accomplished what they fought for. The problem is we the alive ones are not respecting the promise that we promised to do so and that is to have a democratic nation whose citizens are treated with dignity and respect and most of all to have a law abiding leadership.
    Had our martyrs had a chance to visit us they all would been disappointed with what our people are going through and most of all they all would been disappointed when they hear Eritrea is being called the North Korea of Africa.
    Glory to our martyrs!!!

    ReplyDelete
  12. Well said brother. Yibel zereba lebamat.
    Can you imagine if our falling heroes knew the regime is defending itself and implementing shoot to kill policy using the Agame opposition?

    ReplyDelete
  13. You both agames afraid jelouse of demhit

    ReplyDelete
  14. If you notice the words ....

    ...the regime is defending itself and implementing shoot to kill policy using the Agame opposition?...



    is only said by the enmies of Eritrea and YES they are jelouse, but mind you they do not EVER care of the Eritreans safety but their ego and mistrust their own blood, shivering from Demhit (another ugum).

    ReplyDelete
  15. Mr Jelose, what do you mean with enmies of Eritrea . I thought DEHIT is either a frendie or an enmenymo ha ha ha. Tearibom yezarbuka temelisom tezarabie ybluka.

    ReplyDelete
  16. Ignore the agame troll, Hazel

    ReplyDelete
  17. Sekhram ! May setikha tezareb

    ReplyDelete
  18. Ignore the idiots.

    ReplyDelete

All Rights Reserved by Madote © 2016

Contact Form

Name

Email *

Message *

Powered by Blogger.