Top Ad unit 728 × 90

Trending

random
.

New Book On Asmara




  ኣስመራ  ብዓይኒ ኤርትራውያን



                ስለምንታይ ብዛዕባ ከተማ ኣስመራ ዝምልከት መጽሓፍ ከዳሉ ተደሪኸ? መልሱ ስለ ዝዓበኹላ ምኽንያት’ዶ ይኸውን? ልክዕ’ዩ ብቀሊል ኣመላልሳ! ግን ከተማ ኣስመራ ብላዕሊ ላዕሊ ክትርእያን  ብታሕቲ ታሕቲ ብዕሙቀት ከተስተብህለላን ሓንቲ ኣይኮነትን። በዚ ምኽንያት ኣስመራ ብድፍኑ ዀነ ብግዙፉ  ንዓይ ከም ሓንቲ ከተማ ጥራይ ኮይና ኢያ እትርኣይኒ ዝነበረት። ስለዚ ገለ ኣስተውዓልቲ ደቂ-ሃገር “ እሞ ዕውር ኢኻ ኔርካ” እንተበልኩሙኒ ኣይስሕቶን።  

        ቀዳማይ፡ ብጥሪ 9/1980 ብሓልዮት ፉልብራይት ማህደረ-ትምህርቲ ፕርግራም ብዝተገብረለይ ረድኤት መሰረት ናብ ኣሜሪካ ድሕሪ ምምጽኤይ፡ ኣብ ጋላውደት ዩኒቨርስቲ ዝተባህለ ትምህርተይ ኽከታተል ጀመርኩ። እዚ ዝጠቀስናዮ ናይ እዝነ-ጽሙማን ዩኒቨርስቲ ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ዝርከብ ክኸውን ከሎ፡ ዝዀነ መራሕ መንግስቲ ከም ላዕለዋይ ዓቃቢ ብሕድሪ ይመርሖ (Patron)። ንመጀመርያ ግዜ ሓንቲ ኣሜሪካዊት ናብ ኣሜሪካ ክመጽእ ከሎኹ ኣብ ካፒቶል ሂል ከምኡ ኣብ ስሚዝቶንያን ኢንስቲትዩሽን  ዝርከብ ህንጻታት ኣርኣየተኒ። ብሓቂ ብጥራሕ ዓይነይ ነቶም ህንጻታት ኣማዕድየ ክርእዮም፡ ልክዕ ከም ፓላሶ ኣቦ ሓበሽ ኣስመራ ይመስሉኒ ነበሩ። ንኣብነት ንልቢ ዘይገብረ ቆልዓ “ እዚ ጻዕዳ ከልቢ ኢዩ” ትብሎ። ጸኒሕካ “ጻዕዳ ደርሆ” እንተኣርእኻዮ፡ ተቀቢሉ “ እዚ ከልቢ ኢዩ” ይብለካ። ምኽንያቱ ብደቂቁ  ካብ ዝተፈላለየ ኣካላት ክፍሊ “ ጻዕዳ ሕብሪ” ብድፍኑ ከስተዕውለሉ ስለ ዝኽእል። ኸምኡ እውን ንዓይ ህንጻታት ዋሽንግተን ልክዕ ከም ማንም ህንጻታት ጌይረ ኢየ ዝርእዮም ዝነበርኩ።

        ንዓመትኡ ኣብቲ ኮለጅ ብዛዕባ ታሪኽ ስነ-ጥበብ (Art History)  ምስ ተኸታተልኩ፡ ብዛዕባ ጥንታውያን ህንጻታት ግሪኽ፡ሮማ፡ ጀርመን (ጎቲክ)፡ ዓራቢያ፡ ግብጺ፡ ቢዛንጣንያ ወዘተ ስራሓቶም ብዕምቖት ክርዳእ ከኣልኩ። ብድሕርዚ ሕንጻታት ዋሽንግተን ኣብ ከባቢ ዋይት ሃውስን ካፒቶልን ከምዚ ዓዊረ ዝጸናሕኩ ባዕ ኢሎም ክርኣዩኒ ጀመሩ። ብዕምቆት ዓንድዳቶም (pillars): ስንቀኦም፡ ገፋሕቲ ኣፍ ልዳቶም፡ መሳልሎም፡ ሕብሮም፡ ሓወልቶም ክርኣዩ ዘይከኣሉ ውቁባት ውቅሮታት ጽሑፋትን ረቀቅቲ ኣሳእልን (absratct art) ብዕምቆት ከስተብህል ተዓነድኩ፡ ፈዘዝኩ። ብሓጺሩ ኣብ ካልእ ዓለም ከም ዝነብርኩ መሰለኒ። ንዳሕራዩ በዚ ዝኣክል ኣብ ደሃይ መርበብ  ብዛዕባ ኣስመራ ብዙሓት ግጥምታት ብእንግሊዝን ብትግርኛን ክጽሕፍ ኸኣልኩ። ብቀጻሊ ከም መልክዕ መጽሓፍ ክሕተም ኢዩ።

        በዚ ዝተላዕለ ንድሕሪት ተመሊሰ ብዛዕባ እቶም ኣርባዕተ ሚእቲ ታሪኻውያን ህንጻታት ኣስመራ ከስተብህለሎም ፈተንኩ። ንኣስመራ ኣብ ክንዲ ከም ጸብሒ ሽሮ ከም ዝግኒ ከስተማቅራ ጀመርኩ። ብሓቂ ብሓቂ ኣብ ኣስመራ ጥራይ ኢዮም ብኣርት-ደኮ መልክዕ ዝተሃንጹ ክሳብ ሎሚ ተዓቂቦም ዝርከቡ። ኣርት- ደኮ ማለት ከም በራሕ ወርሒ  ወይ ልሙጽ ቅጫ ከይኮነስ እንታይድኣ ከም ስሉም ሕምባሻ ብውቃጦ ወይ ከም መኾምቢያ ብቀይሕ-ጽልሚ ዝተሰርሔ ክትርእዮ ዝምስጥን ዝማርኽን መጋይጺ ማለት ኢዩ። ዳርጋ መብዛሕትኦም ኣብ ሰላሳታት ዝተሰርሑ ኣብ  ማዕከል ከተማታት ጣልያን ሃገር ዝርከቡ ክኾኑ ከለው፡ ወነንቱ ድማ ዓበይቲ ሹመኛታትን ጭዋታትን (highly cultured) ኢዮም ዝነበሩ። ሎሚ ግና እዞም ዝገለጽናዮም መኳንንቲ (Gentry) ስለ ዝጠፍኡ፡ ታሪኻዊ ህንጻታቶም በቶም ዘይባህላውያን ዝዀኑ ደለብቲ ሃብቲ (Capitalist) ዘስርሕዎም ነዋሕቲ ህንጻታት (sky scrapers) ኣዕለቅሊቆም ይርከቡ። በዚ ምኽንያት ኣብ ኤርትራ ብምዕቃቦም ኣገዳሲ ይኽውን።

        ካልኣይ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ጃንሆይ ዝወደቅሉ ሰሙን፡ ኣብ ሓንቲ ናይ ስራሕ ማኪና (ቫን-ቮልክስዋገን) ከሎኹ፡ ሓደ “ ኣዲስ ኣበባያችን ውብ ናት” በለኒ። ኣነ ከኣ ተቀቢለ “ ኣስመራ እንዲሁም ውብ ናት” እንተበልክዎ፡ ኩላቶም ተቀባቢሎም ብሕርቃን “ ጣልያን ነው የሰራች” በሉኒ። ብገርህነተይ ብጣዕሚ ሰንበድኩ። ስለዚ ብዛዕባ ኣስመራ ዝነበሮም ኣራኣእያ ከመይ ከም ዝነበረ ክግንዘብ ክኢለ። ንዳሕራዩ ዝወረዳ ዕንወትን ብልሽትን ናይ ዓይኒ ምስክር ኢዩ።

        ሓተታ ዘንዋሕክዎ እመሰል። ብዝተረፈ እዚ መጽሓፍ ካብ 1860 ዓ.ም ጀሚሩ ክሳብ ዘለናዮ ግዜ ኤርትራውያንን ሓደ ሓደ ፍሉጣት ኢትዮጵያውያን ምሁራትን፡ ሊቃውንትን፡ ስነ-ጥበባውያን ብስዲ ዀነ ብግጥሚ ከምኡ ብቅኒት ዀነ  ብደርፊ ስሚዒቶምን፡ ርእይቶኦምን፡ ትምኒቶምን ስለኣ ዝገለጹ የጠቃልል።

        እዚ መጽሓፍ ንኹሎም ስነ-ጥበባውያን ዝዀኑ ኤርትራውያን ንመዘከርታ ክዀኖም እውፍዮ ኣሎኹ።

ንሓበሬታ HBokure@aol.com ክትጽሕፉ ትኽእሉ።
Sponsored Ads
New Book On Asmara Reviewed by Admin on 1:08 AM Rating: 5

No comments:

All Rights Reserved by Madote © 2016

Contact Form

Name

Email *

Message *

Powered by Blogger.